ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን መጋቤ ዶክተር ያን ግሪንሳይልድስ  ዘስምዕዎ መደረ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን መጋቤ ዶክተር ያን ግሪንሳይልድስ ዘስምዕዎ መደረ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን መጋቤ ዶክተር ያን ግሪንሳይልድስ ዘስምዕዎ መደረ

እቲ ሰላም እቲ የድልየና ኣሎ . . . ለጋሳት ልቢ ብፍቕሪ ናጻ ዝኾኑን ብጸጋ ኣምላኽ ዝተመልኡ ኣቢያተ ክርስቲያናትን መራሕትን የድልዩና። ሃገራትና ንዝነብራሉ ክብርታት ዝግደሱ ሰባት ዝነብሩሉ ኩነታት ዘገድሶም ኣብ ስራሕ እሙናት ኣብ መንጎ እቶም ኣዚዮም ተቓላዕትን ዝተገሉን ዝዋስኡ መራሕቲ የድልዩና

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ካብ ካንተርበርይ ካብ ምእመናን ዓዲ እንግሊዝን ህዝቢ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰላምታ የቕርብ፥

ሎሚ ኣብዚ ምሳኹም ክርከብ ምልክት ጸሎት እዩ፡ ንደቡብ ሱዳን ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት በጺሐ ኲናት ዘስዓቦ ዕንወት መከራንን ሓዘንን ብቐረባ ከም ዝረኣኹን ምስ እዚ ግና ጽባቔ መሬት እዛ ሃገርን ተስፋ ህዝባን ህላወ ኣምላኽ እውን ርእየ እየ። . . . ኣብዚ ብክርስቶስ ኣሕዋተይ ምስ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣካያዲ ሽማግለ ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ዶክተር መጋቤ ያን ምርኻበይ ናይ ጸሎት መልሲ እዩ . . . እቲ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ንዝብል ናይ ኢየሱስ ጸሎት መልሲ እዩ . . .

ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣነን ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮን ኣብቲ እዋን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ኣካያዲ ጉባኤ ምስ ዝነበሩ ብሓባር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምእንቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ንመራሕቲ እዛ ሃገር ንመንፈሳዊ ሱባኤ ዓዲምናን ምክያዱን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ተንበርኪኾም ኣብ ነፍሲ ወከፍ እግሪ ናይ ደቡብ ሱዳን መራሕን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎ ትኣካላትን ከም ዝሰዓሙ ዝዝከር እዩ፡ እነሆ ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት መሊስና ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብኹም መጺእና ኣሎና። ኣእጋር ክንሓጽብን ክንስዕምን ከነገልግልን ክንጽልን!

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ሰላም ኣብ ምህናጽ ሰባት ኣብ ምትእኽኻብን ዝገበረቶ መስተንክር ስራሕ ክነዘኻኽር ንመንእሰያት ክንሰምዕ ንመራሕቲ ድማ ብዛዕባ ሰላምን ዕድልን ዘለዎም ተስፋ ክንነግሮም ኣብዚ ንርከብ። ነተን ምልክት ህይወትን ትንሳኤን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ኣብዚ ንርከብ።

ኣብዚ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ ዝርስዖ ምዃኑ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ብቐረባ ይፈልጥዎ እዮም። ስለ ምርኻብኩም ነመስግነኩም፡ እዚ ድማ ተስፋ ከም ዘይቆረጽኩም ዝነግር ምልክት እዩ። ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ኩነታት ብዙሕ ከም ዘይተቐየረን በዚ ኩነት እዚ እውን ድኻም ከም ዝርአን፡ እዚ ድኻም እዚ ኣብ ገጽ ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ብቓላት ብዙሓት በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ቅድሚ ሓያል ተቓውሞ ብተኣማንነትን ብድፍረት ክውክሉ ኣብ ዝፍትኑ ዝንጸባረቕ እዩ። ንድሕሪት ምልስ ቢልና ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝተኣትወ ቃል ኪዳን ክዝክር እንከለኹ እዚ ዝርእዮን ዝሰምዖን ብምዃኑ ብዙሕ የሕዝነኒ።

ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብእግዚኣብሔር ፍቱው እዩ። ታሪኽኩም ብኣምላኽ ይፍለጥ ጸሎትኩም ብኣምላኽ ይስማዕ። ሓቢርና ንሰላም ጐይታ ክንጽሊ፡ ምእንቲ ክንድሕን ዝሞተ ክርስቶስ ክንምስክር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ኩልናን ኣብ ልቢ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ክኣትውን እቲ ኢየሱስ “ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ” ዝብል ጸሎቱ መልሲ ክረክብ ክንምህለል ኢና።

ብስም ክርስቶስ ምስ እንእከብ ኢየሱስ ኣብ መንጎና ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና።

እዚ ምብጻሕ እዚ ዓቢ ተስፋን ፈውስን ክኸውን እጽሊ። ነዚ ግዜ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ነንሕድሕድናን ናብኡን ዘተኣኻኽበናን ሓደ ኣምላኽ ብምስዓብ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ቤተ ክርስቲያን ከነሕልፎ ኢና፡ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣስዒቦም እውን፥ ኣካያዲ ጉባኤ ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያን ዶክተር መጋቤ ያን ግሪንሳይልድስ

ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም እብለኩም፥

ኣብዚ ናይ ንግደት ግዜ እዚ ምስ ኣሕዋተይ ብክርስቶስ - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲንን ብትሕና ብሓድነትን ፍቕርን ናባኻቱም እመጽእ። ካብ ዝተፈላለየ ልምድታትና ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንበጽሓኩም። ኩሉ ኣብኡ ሓደ ክኸውን ኣብያተ ክርስቲያናትን ህዝብን ብሓባር ክሰርሑን ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ከምኡ እውን ንመላእ ዓለም ዝሓሸ መጻኢ ክርከብን ብሓባር ክምስክሩን ዘለዎ ተስፋ ከነካፍል ንደሊ።

እቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እያቶም ይብል፥ ንኹሉ - ስድራ ቤታት ቀቢላታት ኣህዛብ ፍትሒ ዘምጽእ ሰላም።

እቲ ሰላም እቲ የድልየና ኣሎ . . . ለጋሳት ልቢ ብፍቕሪ ናጻ ዝኾኑን ብጸጋ ኣምላኽ ዝተመልኡ ኣቢያተ ክርስቲያናትን መራሕትን የድልዩና። ሃገራትና ንዝነብራሉ ክብርታት ዝግደሱ ሰባት ዝነብሩሉ ኩነታት ዘገድሶም ኣብ ስራሕ እሙናት ኣብ መንጎ እቶም ኣዚዮም ተቓላዕትን ዝተገሉን ዝዋስኡ መራሕቲ የድልዩና። እዚ ነገራት እዚ ሰላም ይፈጥር።

ኩሎም ሰባት ኣብ ድሌት ኣምላኽ ኩሎም ሰባት ህይወት ብምልኣት ክነብሩላ ዝኽእሉላ ዓለም ኣገድስቲ መጋበርያ እያቶም ናብ መላእ እዛ ንጡፍን ዕግበትን ዘለዋን ንዕዮ ድሉዋት ዝኾኑ ሰባት ዝመልኣ መንእስያትን ተስፋን ዘለዋ ሃገር ፍትሕን ርህራሄን ምዝርጋሕ ኣብ ኢድ ርእሰ ብሔርን ምኽትል ርእሰ ብሔርን ህዝብን ደቡብ ሱዳን ምዃን እኣምን።

ሎሚ ንቕድሚት ዘብል መገዲ ንምፍላጥ ክሕግዘና ንኹሉ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ሰብ በቲ ካብ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ዝመጽእ ሰላም ተስፋ ክህብ ጥበብን ሓይልን መንፈስ ንደሊ፡ ሰባት ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ፥ ኣብ ምዕራፍ 65. 21 – 22 “ኣባይቲ ኪሰርሑን … ኪነብሩን። ክሓርሱን ክምገቡን እዮም . . . መዓልታት ህዝበይ ከም መዓልታት ኦም ኪኸውን እዩ!” እንክብል ከም ዝኣተዎ ቃል።

ኩሎም ፖለቲካዊ በርገሳውን ኣህጉራውን መራሕቲ ብሓባር ኮይኖም ነቲ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ብምሉእ ናይ ህይወት መብጽዓ እግዚኣብሔር ክደልዩ ይግብኦም።

በረኸትን ሰላምን እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸዋር ህዝቢ ሱዳን ይኹን። ምስጋና ንኣምላኽ!

እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 February 2023, 09:16