ድለ

ናይ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ናይ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል  (VICTOR ALEMAN)

መቕተልቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል

ኣላይን ሓላይን ድኻታትን ስደተይናታትን ገባሬ ሰላምን ቅድስናን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ዝኽበረሉን ዝሕለወሉን ማሕበረሰብ ኣብ ምህናጽ በዓል ኒሕ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዳቪድ ኦኮነል ቀዳም ለይቲ ዕለት 19 ለካቲት ብዝተተኮሰ ጥይት ተቐቲሎም ከምእተረኽቡን ኣብ ልዕሊ እዞም ገባሪ ሰላምን ተጣባቒ ድኻታትን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኣብ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስን ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ጓህን ሓዘንን ከም ዝፈጠረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ከባቢ ከተማ ሃሲንዳ ሃይትስ ብጥይት ዝተቐትሉ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዳቪድ ኦኮነል፡ ሬሳኦም በቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 19 ለካቲት ኣብ ጥቓ ቅዱስ ዮሓንስ ቪያነይ ቤተ ክርስቲያን ከም እተረኽበን፡ ናይታ ከተማ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ዋና ሓላፊ ከመይን ብመንን ከም እተቐትሉ ንምልላይ ሰፊሕ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጾም፥ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኮነ ጥርጡር ሰብ እውን ምህላዉ ከም ዘይገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ልቦም ወትሩ ምስ ድኻታትን ስደተይናታትን

ናይ ሎስ ኣንጀሎስ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ጎመዝ ዕለት 19 ለካቲት ሰንበት “ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ሞይቶም ከም ዝተረኽቡን ምኽንያት ሕልፈቶም እውን መቕተልቲ ምዃኑ ምስ ተሰምዐ፥ ኣብ ልዕሊ መላእ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝፈጠረን፥ ብዘይ ተጸበናዮ መገዲ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮምና እንክብሉ ስንባደኦምን ሓዘኖምን ከም ዝገለጹን፥

ኣላይን ሓላይን ድኻታትን ስደተይናታትን ገባሬ ሰላምን ቅድስናን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ዝኽበረሉን ዝሕለወሉን ማሕበረሰብ ኣብ ምህናጽ በዓል ኒሕ
እንክብሉ ገሊጾም፥ ነዞም ወዲ 69 ዓመት ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል፥ ሰናይ ዓርኪ እብክብሉ ዘኪሮም፡ ኣብ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ከም ካህን ድሓር ድማ ከም ተራዳኢ ሊቀ ጳጳስ ንዓርብዓን ሓሙሽተን ዓመታት  ዘገልገሉ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ዝነበሮም ፍቕሪ ኣብነታዊ ምንባሩን፡ ምጽንናዕ ነቶም ኣብ ኣየርላንድ ዝነብሩ ኣባይቲ ስድራኦምን ንምእመናንን ምጽንናዕ እግዚኣብሔር ተመንዮም፥ “ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ብናይ ፍቕራ ካባ ትኽደንኩም፡ መላእኽቲ ድማ ናብ ገነት ይምርሑኩም፥  እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይጸግወኩም” እክብሉ ዘመሓላለፍዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣየርላንዳዊ ካህን ኣብ ሰበኻ ሕ.መ. ኣመሪካ

ነፍሰ ሄር ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ኣብ ኣየርላንድ ዕለት 16 ታሕሳስ 1953 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ዱብሊን ኣብ ዝርከብ ኦል ሃሎውስ ተቕዋም ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ዘጠናቐቑን ንናይ ርእሰ ሰበካ ሎስ ኣንጀሎንስ ካህን ንምዃን ዕለት 10 ሰነ 1979 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2015 ዓ.ም. ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳታ ንርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ምእመናን ኣብቲ ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ዝተቐትልሉ ስፍራ ናይ ሽምዓ ምውላዕን ጸሎትን ስነ ስርዓት የካይዱ ምህላዎም የመላኽት።

20 Feb 2023, 15:36