ድለ

2023.01.07 ሶርያ፥ ብዳዒሽ ተጨውዮም ዝነበሩ መነኮስ ሊቀ ጳጳሳት ሆምስ ኮይኖም ተመሪጾም 2023.01.07 ሶርያ፥ ብዳዒሽ ተጨውዮም ዝነበሩ መነኮስ ሊቀ ጳጳሳት ሆምስ ኮይኖም ተመሪጾም 

ሶርያ፥ ብዳዒሽ ተጨውዮም ዝነበሩ መነኮስ ሊቀ ጳጳሳት ሆምስ ኮይኖም ተመሪጾም

“ዘተ መትከል ደኣ እምበር ምስ ናይ ካልኦት ኣተሓሳስባ ምትእስሳር ማለት ኣይኮነን” ስለዚ ይብሉ ነዚ መሰረት ገይሮም እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣጽዋር ተዓጢቖም ዝፍጽምዎ ዓመጽን ዝኽተልዎ መገዲ ብቐጥታ ብሃይማኖት ምስልምና ዝተደረኸ ዘይኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ጉልባብ ዘለዎ ተግባር እዩ”

ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዳዒሽ ኣሸባሪ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ተጨውዮም ዝነበሩ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ  ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ጠበቓ መነኮስ ኣባ ዣክ ሙራድ ኣብ ሶርያ ናይ ሆምስ ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ከም እተሰምዩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሶርያዊ ካቶሊካዊ መነኮስን ካህንን ኣባ ዣክ ሙራድ ኣብ ሶርያ ናይ ኣንጽዮኪያ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንሰበኻ ሆምስ ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ከም ዝሰመዮምን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን እቶም ዕለት 21 ግንቦት ሶሪያ ኣብ ቃርያጣይን ከተማ ኣብ ዝርከብ ገዳም ማር ኤሊያን ዝነብሩ ዝነበሩ ሞነኮስ ብዳዒሽ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝተጨውዩ  ኣባ ሙራድ ናይ ኣንጽዮኪያ ሲኖዶስ ዝሃቦም ሽመት ከም ዘጽደቕዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዞም ሓድሽ ናይ ሆምስ ሊቀ ጳጳሳት ቅድሚ 53 ዓመት ኣብ ሃለፖ ዝተወልዱ ኣብ ሊባንሶ ከተማ ቻርፈት ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፡ ትምርህቲ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ኣጠናቒቖም ደሓር እውን ብሊጡርጊያ ከም እተመረቑን ኣብ ማሕበርሰብ ገዳማውያን ዳይር ማር ሙሳ ኣል ኣባሺ ኣትዮም ኣብ 1993 ዓ.ም. መብጽዓ ፈጺሙም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1993 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ካብ 2000 ዓ.ም. ክሳብ 2015 ዓ.ም. ናይ ማር ኤልያን ገዳም ሓለቓን ናይ ቃርያጣይን ቁምስና ቆሞስ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ደሓር እውን ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ካብ ኢድ ጨወይቶም ናጻ ምስ ኮኑ፡ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ኮሪ ኣብ ዝርገብ ገዳም ማር ኤሊያን ከም ዝጸንሑን ኣብ 2020 ዓ.ም. ናብ ሶርያ ተመሊሶም ናይ ገዳመ ማር ኤሊያን ላዕለዋይ ሓለቓ ኣማኻሪ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ የመላኽት።

ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ኢድ ጅሃዳውያን

ኣባ ሙራድ ምስ ጋዜጠይና ኣማርይ ጒለም ብሓባር ብዛዕባ እቲ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ኢድ ጅሃዳውያን ዘሕለፍዎ ታሪኽ ህይወቶም እተዘንትው መጽሓፍ ከም ዝደረሱን ካብቲ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ መዓልታት ዓመጽን ምግፋዕን ሕሰምን ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስቅያት ብሓቂ ዓቢይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ከም ዝኾኖምን ብፍላይ ነቲ ምድረ በዳ እቲ ናይ ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ትምህርቲ ሓይልን ቅሳነትን ከም ዝሃቦምን፥ እቶም ዘይጎነጻዊ ዓመጽ ዝመርጹ ነቶም ኣጽዋር ዝዕጠቑ ሰባት ክልወጡ ዝሕግዝ መገዲ ዘርህው ተመክሮ እንክብሉ እቲ ናይ 5 ወርሒ ምርኮ ኣብታ መጽሓፎም ይገልጽዎ።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ሓይሊ ጸሎትን

“ዘተ መትከል ደኣ እምበር ምስ ናይ ካልኦት ኣተሓሳስባ ምትእስሳር  ማለት ኣይኮነን” ስለዚ ይብሉ ነዚ መሰረት ገይሮም እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣጽዋር ተዓጢቖም ዝፍጽምዎ ዓመጽን ዝኽተልዎ መገዲ ብቐጥታ ብሃይማኖት ምስልምና ዝተደረኸ ዘይኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ጉልባብ ዘለዎ ተግባር እዩ” ስለዚ ኵሉ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣሸባሪ ኣይኮነን፡ ኣብ ህይወትና ምስ ካልኦት ኣብ ዘለና ርክብ ዝያዳ ትሕትናን ንጹርነትን ክህልወና ይግባእ፡ ወንጌል ብግብኡ ክንነብሮን ብዕምቆት ከነንብቦን ኣሎና፡ እዚ እውን ሓይሊ ይህበና መገዲ ዘተ የርህውለና” እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ሓድሽ ናይ ሞሱል ሊቀ ጳጳስ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዒራቕ ናይ ኣንጺዮኪያ ፓትሪርካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ሓድሽ ናይ ሞሱል ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ኣባ ቁሳይ ሙባራክ ኣብዱላሕ ሃኖ ከም ዝሓረየን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ውሳኔ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ይኹንታ ከም ዝሃቡሉን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ኣብ መንበረ ጥበብ መንፈስድ ቅዱስ ዝተመሃሩን ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ምሩቕ ዕለት 29 ሰነ 2011 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም ኣተቐበሉን ኣብ ቃራቖስ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ማር ያቆም ምኽትል ቆሞስን ኣብ ወራር ቆላ ነነዌ ኣብ ከተማ ኤርቢል ኣብ ዝርከብ ማር ሽሞኒ ቤተ ክርስቲያን ተዓቒቦም ንዝነበሩ ዝከናኸኑ ዝነበሩን መምህር ቅዱስ መጽሓፍን መደብ ሕንጸት ዝብል ፈነወ ራዲዮ ዝመስረቱ ኣብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ቤት ምኽሪ ቤተ ክርስቲያን ወኪል ናይ ዒራቕ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ 2019 ዓ.ም. ብስነ መጽሓፍ ቅዱስ ቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

12 Jan 2023, 16:19