ድለ

BAV Ott. lat. 2919, f. 76v BAV Ott. lat. 2919, f. 76v  (© Biblioteca Apostolica Vaticana)

፪ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ ጥሪ 21 2015 ዓ.ም. (1/29/2023)

መዝሙር፡ ወበፅሐ ዕለተ ወሊዶታ. . . . . . . ጊዜ ሕርሳ ምስ በጽሐ በኹሪ ወዳ ወለደት፥ አብቲ ማኅደር አጋይሽ ሥፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ አብ መብልዕ ማል አደቀሰቶ። አብቲ ሃገር እቲ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ አብ መሮር ዝኃድሩ ጓሶት ነበሩ፥ ክብሪ እግዚአብሔር አብ ዙርያኦም አብርሀ፥ እቲ መልአኽ ድማ እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም አሎኹ እሞ አይትፍርሁ ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጎይታ አብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም አሎ በሎም፥ ጓሶት ንሓድሕዶም ነዚ ዝተገልጸልና ክዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተልሔም ንኺድ ተበሃሃሉ። ጊዜ ሕርሳ ምስ በጽሐ በዅሪ ወዳ ወለደት መጋረጃ ደመና ጋረዳ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ገላ 4፡1-11፥  2ዮሓ 1፡1-6፥ ግ.ሓ. 7፡30-35፥  ሉቃ 1፡46-56።      ምስባክ፡ በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ፥ በሃገረ እግዚአ ኃያላን በሃገረ አምላኽነ እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።  አብታ ኸተማ ጎይታ ሠራዊት አብታ ኸተማ አምላኽና ከምቲ ሰሚዕናዮ ዝነበርና ከምኡ ረአና፥ አምላኽ ንዘለዓለም ኬጽንዓ እዩ (መዝ. 48፡8)።

አስተርእዮ ካብ 11 ጥሪ ክሳብ 30 ጥሪ ዘሎ ዕለታትን ሶምናትን ዝሓዘ እዩ። አብዘን ዕለታትን ሳምንትታትን ዝዝመር መዝሙር፥ አንሰሰወ፥ ተወልደ፥ ተጠምቀ፥ ከብካብ፥ ማይ፥ መርዓዊ ዝብሃሉ አለዉ። ዘመን አስተርእዮ ዝተባህለሉ ምኽንያት ጎይታናን መድኃኒናን ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ አብ ኩላ እስራኤል እናዞረ ብምምሃሩ ስለ ዝተገልጸ አስተርእዮ ወይ ኤጲፋንያ ተባህለ፥ ትርጉሙ ኸአ ተገልጸ ማለት እዩ። ብልምዲ 21 ጥሪ ከም አስተርእዮ ይርአ እንተ ኾነ እዚ ዕለት ብዓለ ዕረፍታ ለእግዚእትነ ማርያም እዩ፥ ንኹሉ ድሕሪ ጥምቀት ክሳብ ጥሪ 30 ዘሎ  አመነ ዘአስተርእዮ ንብሎ።

እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ ይግለጸልና። አምላኽ ንዝገልጸልና ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ ንሱ ዝደልዮ ክንርከብ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና። አብዚ ዘመነ አስተርእዮ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ዝተገልጸና ክነስተንትን ንአምላኽ ዝደልዮ ክንገብር መብጽዓና እንሓድሰሉ እዋን እዩ። አምላኽ እታ ዝዓበየት ዝገለጸልና ፍቕሩ እዩ፥ ናቱ ኽገብረና ብመገዱ ክንጉዓዝ ብንጹር ዝሓበረና አምላኽ ክንሰምዖ ክነለልዮ እሞ ንኻልኦት አሕዋትና እውን ንግልጸት አምላኽ ክአምኑ ክንሕግዞም እሽታና እንገልጸሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ ንገላጺ አምላኽ ንለምኖ ሕጂ እውን ንተዓጽዩ ዘሎ ልብን ሕልናን ክኸፍት ድላይካን መገድኻን ግለጸልና ንበሎ።

አብ ናይ ሰንበቱ መዝሙር ነቲ ናይ ክርስቶስ ልደት መሰረት ገሩ አብኡ ዝገጠመ እናዘከረ ክነስተንትን የዘኻኽረና። ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ በዅሪ ወዳ ከምዝኾነ ነቲ አብ ባህሊ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ አብ ግምት አእትዩ ከም ዘተኩረሉ ከምኡ ከም ማንም ሰብ ድኻ ኮይኑ አብ መብልዕ ማል ከም ዝተወልደ እዚ ኸአ ትሕትናኡ ክገልጸልና ኢሉ ከም ዝበሎ ንርኢ። ነዚ ዓቢ ብስራት ልደት ኢየሱስ መጀመርያ ዝተበሰሩ የውሃት ጓሶት ከም ዝኾኑ እናነገረ ንሳቶም ከአ ነቲ አምላኽ ብመልአኹ ዘሰበሰሮም አሚኖም ምስ ህያባቶም ከምዝበጽሕዎ ይነግረና።

ንዑናይ ናብ ቤተልሔም ንኺድ ተበሃሃሉ ይብል አብቲ ኢየሱስ ምስ ማርያምን ዮሴፍን ሕፃን ከሎ ዝነበሮ ከድካ ምኽአል የድሊ። ሎሚ ነዚ እንዝክር አብቲ ኢየሱስ ዝርከቦ ኩሉ ጊዜ ክንከይድ እሞ ጣዕሚ ፍቕሩን ሓልዮቱን ክነስተማቕር ከምዘሎና ክንሓስብ አሎና። አብቲ ማሕበር ክርስቶስ ሰንበት ሰንበት መስዋዕቲ ዝዓርገሉ ቦታ ክንከይድ ዕዱማት ኢና። ኢየሱስ አብዘለዎ እንተ ኸድና ጸጋ በረኸት አምላኽ ማለት ቃሉ ንሰምዕ አብ መአዱ ንካፈል ምስኡ ሓደ ኮና ብበረኸት መሊእና ንቤትና ንመለስ። ሎሚ እውን ነዚ ክንዝክር አሎና።

ጓሶት ንኢየሱስ ርእዮም ምስተመልሱ ብዛዕባ እቲ ሕጻንን ዝተነግሮም ነገር አውረዩ ይብለና። እቶም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ ይብለና፥ እቶም ጓሶት እውን እቲ ዝርአይዎ ከምቲ ዝተንግሮምን ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን ኵሉ ንአምላኽ እናአኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ ይብለና ። በረኸት አምላኽ፥ ግልጸት አምላኽ ዝተቐበለ ወይ ዝረአያ መጀመርያ ዝገብራ ይሕጎስ ድሕሪኡ ሓጎሱ ከካፍል ንስብከተ ወንጌል ምውፋር እዩ። ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ምሉእ መዓልቲ ምስኡ ምስወዓሉ አብ ስብከተ ወንጌል ንካልኦት አብ ኢየሱስ ከምጽኡ ከም ዝተዋፈሩ (ዮሓ 1፡35-42) ይነግረና። ሎሚ ልደትን ጥምቀትን ኢየሱስ ዘብዓልና  ግልጸቱ አሚና ዘብዓልና ተልእኮና ነሕዋትና አብ ኢየሱስ ከም ዝመጽኡ ምግባር እዩ።  ሎሚ ዝልአኹ ዘበስሩ መላእኽቲ አነን ንስኹምን ኢና። ንዝአመናዮ ክነግር ንስብከተ ወንጌል ክንወፍር እንብገሰሉ ጊዜ ኢና ዘሎና። ሓወይ ሓፍተይ ኢየሱስ ክትሰምዖ ክትርእዮ እሞ ጸጋ ክዕድለካ ይዕድመካ/ኪ አሎ ኢልና መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ።

ጥሪ 21 አስተርእዮ ማርያም ዝበዓለሉ ፍሉይ ዕለት እዩ። ከም ባህሊ ሃገርና ማርያም አብ 64 ዕድሚአ ሰንበት መዓልቲ ከም ዝዓረፈት ይንገር። አብ ጊዜ ዕረፍታ ኩሎም ሓዋርያት ከምዝነበሩ ይንገር። አብ ጊዜ አስትርእዮ ስለ ዝዓረፈት አስተርእዮ ማርያም ይብሃል።  ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የአጽብ ለኩሉ ይብላ ቅዱስ ያሬድ አብ ዜምኡ። አብ ካቶሊካዊ እምነትና ማርያም መይታ አይንብልን ኢና ንሰማይ ፈሊሳ ኢና እንብል ነዚ ዘብለና ኸአ ማርያም አደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነትን ምልእተ ጸጋ ስለ ዝኾነትን። ገለ መማህራን ትምህርተ መለኮት ኢየሱስ ስለ ዝሞተ ማርያም እውን መይታ ይብሉ። ቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ነዚ ሓሳብ ይድግፉ። ቤተ ክርስትያን ነዚ ንዝመራመሩ ክፉት ትሓድጎ። ነቲ ማርያም ከመይ ኢላ ሥግአ ከም ዝተፈላለየ እያ ክፉት እትሓድጎ እምበር ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ከምዝፈለሰት ዓምዲ እምነት እዩ።

ማርያም እታ ቀዳመይቲ ግልጸት አምላኽ ዝርአየትን ዘስተማቐረትን  አደ አምላኽ እያ። ሉቃስ ውንጌላዊ ነዚ ኽገልጽ እንከሎ ማርያም ግና ነዚ ነገር እዚ ዅሉ አብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት (ሉቃ 2፡19) ይብለና። ንቃል አምላኽ አብ ልብና ክነሕድርን ክንሰምዖን ከሎና አብ ሕይወትና ርግአት፥ ሰላምን ሓጎስን አሎ። ማርያም አብ ጉዕዞ ኩሉ ሰናይን ጥዑምን ሕይወት ነርዋ ክንብል አይንኽእልን ወዳ ካብ ልደቱ ክሳብ አብ መስቀል ሞቱ ዝተፈላለየ ዘጉህን ዘሳቕያን እያ አሕሊፋ፥ ሰባት ንወዳ ክጸርፍዎን ከዋርድዎን ንክአልኩሉ አምላኽ ጋኒን አለዎ ሓለቓ አጋንንቲ ክብልዎ ክትሰምዕ እንከላ እሞ አብ መጨረሻ ብጨካን ሞት አብ መስቀል ሰቒሎም ክቀትልዎ ክትርኢ እንከላ አሽንኳ ንሓንቲ ወላዲት ንማንም ሰብ እውን ከቢድ እዩ፥ ግን ንሳ ፍጹም እምነት አብ አምላኽ ስለ ዝነበራ ብዝገጠማ ዕንቕፋት ፈተት አይበለትን እኳ ድአ ምስ ወዳ ብመንፈስ ተሰዊአ። አደ ክትኮነና ለበዋ ወዳ ተቐቢላ ረዳኢትና ኮይና ንረኽባ።

አስተርእዮ ማርያም እምብአር ብፍሉይ ሕይወት ማርያምን ምስአ ዘሎና ርክብ ክንሕድስን ክነደልድልን የዘኻኽረና። ማርያም እትመርሕን እተጻናንዕ አደ ክትኮና ባዕሉ ወዳ ዝሃበና ፍሉይቲ መንፈሳዊ አደና እያ። ጣዕሚ ወላዲት ክነስተማቕር እንተ ኸአልና መጀመርያ እንምሃራ ፍቕሪ እያ። አደ ንውሉዳ ደጋጊማ እትገልጾ ፍቕራ ሓልዮታን እዩ። ሕይወታ ሕይወት ውሉዳ ስለ ዝኾነ ኩሉ ናታ ናይ ውሉዳ እዩ። ሎሚ ነዛ ፈቃር ዝኾነት አደናን አብነትናን ዝኾነት ማርያም ካብአ ፍቕሪ አምላኽ ክንምሃር፥ ትርጉም መስቀልን ሞትን አለሊና አብ ጽንኩር እዋን እምነትና ክንገልጽ ክንጽዕር ከምዘሎና እንሓስበሉን መብጽዓና እንሕድሰሉን እዋን ኢና ዘሎና።

ወንጌል ሉቃስ ዝሰማዕናዮ ብዛዕባ ጸሎት ምስጋና ማርያም እዩ ዝነግር። እዚ ናይ ምስጋና ጸሎት ካብ ሓንቲ ማንም ገርሄኛ ጓል አብ ገጠር ዝተወልደት ክንሰምዖ ዘይንኽእል እዩ። እዚ ጸሎተ ምስጋና ድንገተኛ ናዕቢ ዘለዓዕል ብርቱዕ ፖሎቲካዊ ቃና ዘልኦ እዩ። በዚ እዩ አብ ሃገር ኮሎምብያ ደቡባዊ አመሪካ ከም ጸሎት እውን ከይዝከር ብመንግስቲ ተኸልኪሉ ምኽንያቱ ናዕቢ ዘለዓዕል ስለ ዝኾነ። ሉቃስ ከምዝብለና ማርያም ነቲ ካብ ኤልሳቤጥ ዘመዳ ዝሰምዓቶ ክትምልስ እንከላ ከም ዝበለቶ ይነግረና። ኤልሳቤጥ አደ ጎይታ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ኻበይ ኮነለይ ኢላ አብ ዝገለጸቶ ዝተባህለ እዩ፥ እቲ ሓቂ ግን ብአንጻሩ እዩ ክብሃል ዝነበሮ ማለት ኤልሳቤጥ እያ መዝሙር ምስጋና ክትዝምር ዝነበራ።

እቲ መዝሙር ምስጋና ብዙሕ ናይ ሓጎስ ዝመልኦ መዝሙር እዩ ነሩ፥ ምኽንያቱ ማርያም ነቲ አምላኽ ናይ እዛ ገርሄኛ ንእሽቶይ ጓል አብ ቅድሚ ዓለም ወላ ሓንቲ አፍልጦ ዘይነበራ አለልዩ ዘርአያ ተመስግን። ግን አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኩልና ብማዕረ ከም እንርአ ትገልጽ። አብ ቅድሚ አምላኽ ኩልና ዘሎና ሃብቲ ይኹን ድኽነት ዕድመና ዓለትና ብዘየገድስ ሓደ ኢና። ኩልና አምሳል አምላኽ ሕሩያት ፍጥረት ኢና። ሰባት ግን አብ መንጎና ዓሌት ሃይማኖት ትሕዝቶ ሃብትና ዕድመና ግምት ብምግባር ፍልልያት ንፈጥር እዚ ኸአ ንዓለም ዘይቅሱን ሕይወት ከምእትነብር ይገብራ።

ማርያም ጸሎት ምስጋንአ ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ከአ ብአምላኸይ በቲ መድኅነይ ባህ ይብሎ እናበለት ጀሚራቶ። ድሕርዚ ነቲ አብዘ ዝተገብረ እናአስተንተነት ዝዓበየ ትንብት ትዛረብ። ውርደት ባርይኡ ርእዩ እዩ እሞ እንሆ ኻብ ሕጂ ኹሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኽብሉኒ እዮም፥ እቲ ኹሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ ትብል።

ብርግጽ ብፍሉይ ጸጋ ዝተባረኸት አደ አምላኽ አደ እቲ ሥጋና ዝለበሰ ክትከውን ብፍሉይ ዝተሓርየት ብምዃና ካብ ኩልና ፍጡራት ፍልይቲ እያ። ዕብየት ማርያም አምላኽ ብፍሉይ አብ ልዕሊአ ዓይኑ ዘውደቐላ ስለ ዝኾነት እያ። አኮቴት ቍርባን ናይ ማርያም፥ እግዚአብሄር አብ ኩሉ ጠመተ ግን ከማኺ ዝበለ አይረኸበን እናበለ ሕርየታ ፍሉይ ምዃኑ እናገለጸ ይውድሳ። እዚ ትንቢት ማርያም ካብቲ ዝተፈጸሞ ንላዕሊ ምዃኑ ሎሚ እውን ከም ኩሉ ጊዜ ሓቂ ምዃኑ ይግለጽ።

ማርያም ጸሎተ ምስጋንአ እናቀጸለት ንሳ ጥራሕ ከምዘይ ኮነት ምሕረት አምላኽ እትቐበል እንታይ ድአ አብልዕሊ ኩሎም ሕሩያቱ ከምዝወርድ እውን ትነግር፥ ከምዚ እናበለት ከአ ትገልጾ፥ ምሕረትውን አብቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ብቕልጽሙ ኃይሊ ገበረ፥ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም፥ ንኃያላት ካብ ዝፋኖም አውረዶም፥ ንዝተዋረዱ ኸአ ልዕል አበሎም፥ ንጥሙያት ብበረኽት አጽገቦም ንሃብታማት ከአ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም እናበለት ርክብ አምላኽ ከመይ ዝበለ ክኸውን ከምዘለዎ ትምህረና።

እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍና ዝኸውን ፍሉይ ጸጋታት አለዎ። አብዛ እንነብራ ዓለም ድላይ አምላኽ ክወርድን ክፍጸምን እሞ ኩሉ ፍጡር ክሕጎስ ክቐስን እዩ ዝድለ። ሎሚ እውን አምላኽ ኩልና ናቱ ኮና ብሕጉን ትእዛዛቱን ክንምእዘዝ እሞ ሓቀና መንግስቲ አምላኽ አብ መንጎና ክነግስን ክርአን ናይ ኩልና እሽታ የድሊ። ማርያም እተስተምህረና ንጸጋ አምላክ ክንቅበል ክንአምን እሞ ንድላዩ ጽን ክንብል። ሰብ ምልአት ዝረክብ ከምቲ ቅ. አጎስጢኖስ ዝብለና ንአምላኽ ምስ ረኸበ ጥራሕ እዩ።

እዚ ጸሎተ ምስጋና ማርያም ምስቲ ኢየሱስ  ዘስተምሃሮ ዝሰማማዕ ምኻኑ አብ ወንጌል ብፍላይ አብ ሉቃስ ክነንብብ እንከሎና እንረኽቦ እዩ። አብ ወንጌል ከም እንረኽቦ ኢየሱስ አድህቦኡ ፍሉይ ቆላሕትኡ አብቶም ድኹማት፥ ድኻታትን ብሕብረተሰብ ዝተነጽጉን ዝተገለሉን ኃጢአተኛታትን እዩ ነሩ። ሓደ እዋን አነ ዝመጻእኩ ንኃጣን ናብ ንሳ ክጽውዕ እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ አይመጻእኩን (ሉቃ 5፡32) እናበለ ባዕሉ ነጊሩና።

ማርያም አደ ጽጉማትን አብአ ዕቑባ ዝደልዩን እያ። አብ ባህልና ሓገዝ ማርያም አብ ዝደለናሉ ብፍላይ አደታት እዚ ኹሉ አበይ ዝበለ አብ እኖይ ማርያም ምሕረት ዝደለ እእናበለ ይፍልያ። ሎሚ ከም ሎሚ ምሕረት ወዳ የድልየና አሎ። ዓለም ብዕለሙ አብ ጸልማት እዩ ዝነብር ዘሎ። ውግእን ወረ ውግእን ንልብና ሰሊብዎ፥ ዓመጽ ግፍዒ አብ ኩሉ በዚሑ ናይ ማርያም መንጎኝነት የድልየና አሎ።

ካብዚ ጸሎተ ምስጋና ማርያም እንምሃሮ ምስ ማርያም ኮና ክንሕጎስ ምኽንያቱ አምላኽ አብ ሕይወትና ዓበይቲ ነገራት ገሩልና እዩ። ሰብ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ጸጋ ክርኢ እንተ ኽኢሉ ቀልጢፉ አብ ምስጋና እዩ ዝኸይድ። ንዝተዋህበና ጸጋ ስለ ዘይንርኢ ኩሉ ጊዜ አብ ዘይምቕሳንን ጭንቀትን ክንጉሂ ንነብር። አብርእስና ምልስ ኢልና ክንርኢ እንተ ኸአልና ብጸጋ አምላኽ ክንደይ ፈተናን ጸበባን ዝሓለፍና ኢና። ብፍላይ ንሕና አብ ወጻኢ እንነብር ንድሕሪት ግልጽ ኢልና እንተ ርኢ ክቢድ ፈተና ዝሓለፍና ኢና። ስለዚ ሕጂ ጊዜ ወሲድና ነዚ አምላኽ ዝገበረልና እናረአና መዝሙር ምስጋና ክነቕርብ ይግብአና።

እግዚአብሔር ዝህበና ዝተፈላለየ ጸጋታት ንብሕትና ክንሕጎሰሎም አይኮኑን። ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ምስ ኩሎም ክንካፈል እዩ ዝደልየና። ነቲ አነ ዝገበርኩልኩም ነቲ አነ ዝበልኩኹም ንኹሎም ንገርዎም እናበለ ተላብዩና እዩ። አብዚ ዕለት እምብአር ነቲ አምላኽ ኩሉ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝደልዮ አለሊና ክንፈልጥ እሞ አብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ክንገብር።

ኦማርያም ካብ መጀመርያ ንድላይ አምላኽ ሕራይ ዝበልኪ አሰርኪ ስዕብና ንድላይ አምላኽ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ሕራይ ክንብል ለምንልና ንበላ። ኦ አስተርእዮ ማርያም ነዛ ሓላፊት ዓለም ሓዲግና ንሰማይ ዝኸውን ሰናይ ነገር ክንሓስብ ሓግዝና ንበላ።

ብሩኽ ብዓል አስተርእዮ ማርያም ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

28 January 2023, 17:54