ድለ

2023.01.10 ኒካራጓ፥ ናይ ማታጋልፓ ጳጳስ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ተኣዚዞም 2023.01.10 ኒካራጓ፥ ናይ ማታጋልፓ ጳጳስ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ተኣዚዞም 

ኒካራጓ፥ ናይ ማታጋልፓ ጳጳስ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ተኣዚዞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 21 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኩነታት ኑካራጓ “ዘሻቕልን ዘሰክፍን” እንክብሉ ገሊጾም . . .

እቶም ኣብ ቤቶም እሱር ኮይኖም ንኽጸንሑ ዝተወሰኖም፡ ኣብ ኒካራጓ ናይ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኾሰ ኣልቫረዝ ለጎስ ውዲት ፈጺምኩም ዝብል ብዝቐረበሎም ክሲ መሰረት ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከም እተኣዘዙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኾሰ ኣልቫረዝ ለጎስ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 10 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ቤት ፍርዲ ብዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ብውዲት ተኸሲሶም ኣብ ቤቶም እሱር ኮይኖም ክጸንሑ ከምእተበየኖምን እዞም ናይ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስን ናይ ሰበኻ ኤስተሊ ሓዋርያዊ መስተናብር “ሃገራዊ ቅሳነትን ቅንዕናን ንምድኻም ውዲት ብምፍጻምን ንመንግስትን ሕብረተሰብን ኒክራጓ ዝጐድእ ብማሕበራዊ መረብትን መርበብ ሓበሬታን ካልእ እደ ጥበባዊ መጋበርያ ብምጥቓም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሕኩም” ብዝብል ገበን ከም እተኸሱን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣባ ኡሪየል ኣንቶኒዮ ቫለኾስ ቆሞስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ብተመሳሳሊ ክሲ ንፍርዲ ክቐርቡ ዝብል ትእዛዝ ከም እተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኒካራጓ፥ ናይ ማታጋልፓ ጳጳስ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ተኣዚዞም
ኒካራጓ፥ ናይ ማታጋልፓ ጳጳስ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ተኣዚዞም

ዕለት 19 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ታሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ

ብጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ኣብ 2007 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ኣብ ኒካራጓ ናብ ስልጣን ካብ ዝመለሱ ንደሓር ዝተኣስሩን ዝተኸሱን ናይ መጀመርታ ጳጳስ ከም ዝኾኑን፥ “ኣብ ሃገረ ኒካራጓ ዕግርግር ንምትእትታው ዝዓለመ “ዓመጽቲ ጉጅለታት ንምውዳብ” ፈቲኖም ብዝብል ክሲ ኣብ ሰበኻኦም ኣብ ዝርከብ መንበረ ጳጳስ ንኽልተ ሰሙን ብሓይሊ ቅዩድ ኮይኖም ከም ዝንሑን ዕለት 19 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ምስ ካህናቶምን ምእመናንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሰበኻኦም ብሓይሊ ጸጥታ ተኣሲሮምን እቶም ጳጳስ ናብ ቤተ ጳጳስ ክኸዱን ኣብኡ እሱር ኮይኖም ክጸንሑ ከም እተወሰነን እቶም ኣባላት ናይ ሰበኻኦም ካህናትን ተመሃሮ ዝረኣ ክህነት ምእመናን ናብ መደብር ሓለዋ ጸጥታ ከም እተወስዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ኒካራጓን

እዚ ኣብ ልዕሊ ብጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ዝቐረበ ክሲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓን መንግስቲ ሳንዲኒስታ ኦርተጋን ብምኽንያት እቲ መንግስቲ ኦርተጋ ንናይ ሃገር ጽገና ቢሉ ዘቕረቦ ውሳነ ብምቅዋም ህዝቢ ብዘለዓዓሎ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣብታ ሃገር ዝፈጠሮ ነውጺ መሰረት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ጳጳስ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ኦትረጋ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ተሓባባሪ ዝብል ምዃኑን ካብ መላእ ዓለም ጳጳሳትን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓ ሓያሎ ናይ ቅርበትን ምትሕግጋዝን መልእኽታት ከም እተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን የመላክት።

ስክፍታ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኒካራጓ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 21 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኩነታት ኑካራጓ “ዘሻቕልን ዘሰክፍን” እንክብሉ ገሊጾም፡ ብቐረባ ድማ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ሓቢሮም፥ “ግልጽን ቅንዕናን ብዝመለኦ ዘተ  እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ተወጊዱ ሰላምውን ማሕበራዊ ሕይወት ክርከብ ዝከኣል እዩ” ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዩ ጉተረሽ እውን ከይተረፉ መንግስቲ ኒካራጓ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዊሶም ኣብ ልዕሊ በረገሳዊ ማሕበራት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

12 Jan 2023, 16:23