ፓትሪያርክ ሳኮ፥ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ‘ትንፋስ ንጹህ ኣየር’ ከድልየን!
ዒራቓዊ ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ዝንበር ዘሎ ክውንነት ዘመናዊ ህይወት ኣቃልቦ ክህባ ተላብዮም፡ ሓድነት ድማ እቲ እንኮ ውሕስነት ህላወአን እዩ እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዒራቕ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣብ 2018 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ዝሰመይዎም ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ቅድሚ ሰሙን ምእንቲ ሓድነት ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቅነ ጸሎት “ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንጹህ ኣየር የድልየን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እንክብሉ ምዒዶም - ብዙሕ እዋናዊ ስብከት ምስ ግዜ ዘይራኸብ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ኣድላይነት ዝተዋህበ ሓድነት ከይዝንጋዕ ኣጠንቂቖም፥ ኣስዒቦም እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘጋጥመን ብዙሕ ስግኣት ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ትንፋስ ንጹህ ኣየር
ፓትሪያርክ ሳኮ መልእኽቶም እንክጅምሩ፥ ኣብ እዋን ልደት ኢየሱስ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ስብከት ከም ዝሰምዑን ከምኡ እውን ኣብ ተለቪዥን ዝህበኦ ቃለ መሕትት ከም ዝዕዘቡን ገሊጾም እቲ ዝቐርብ ሓሳባት ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑን እቲ ዝብልዎ ድማ ምስቲ ህልው ክውንነት ዘይራኸብን ኮይኑ ከም ዝረኸበዎም፡ ስለዚ ንምእመናን ኣየነቓቕሖምን ተስፋን ከምኡ እውን ናይ ምርግጋእን ምሕዳስን ስምዒት የይህቦምን እዩ።” ስብከታተን ንመንእሰያት ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኸይመጹ ዝገብር ተስፋ ዘቑርጽ ምዃኑ ኣጣንቂቖም፥ “እቲ ኩነታት ከምዚ ሕጂ እንተቐጺሉ፡ መጻኢ ወለዶታት ብዘይ እምነት ክተርፉ እዮም፡” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሓደ ክፋል ናይዚ ጸገም እዚ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ወይ ውን ኣብ 2010 ዓ.ም. ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየደ ፍሉይ ሲኖዶስ “ብዙሕ ረብሓ ዘይረኸባ” ኮይነን ይነብራ ምህላወን እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ መፍትሒኡ እንታይ እዩ? ቢሎም ካህናት ኣብ መንጎ እምነትን ምኽንያትን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. በነድክቶስ መበል 16 ዘጽንዕዎ - ኣብ ግምት ብምእታው፥ “ብቕንዕና ብግልጺ [ከምኡ እውን] ብርትዓዊ ኣገባብ” ክዛረቡ ይግባእ ቢሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ “ባህላውን ማሕበራውን ለውጢ” ብምግባር መልሲ ክትህበሉ ኣለዋ ቢሎም፥ “ሓቅን ምሕዳስን ኣብ ሕመረት ቤተ ርክስቲያን እዩ፡ እንክብሉ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።
ኣድላይነት ሓድነት
ኣብ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ዘይተረጋገጸ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ፓትርያርክ ሳኮ ይብሉ፥ “ንጉዳይ ሓድነት ቀዳምነት ክህባሉ” ኣለወን፡ እዚ ድማ “ንህልውናኤን እንኮ ዋሕስ እዩ።” ሓድነት ማለት “መንፈሳውን ባህላውን ስነ መለኮታውን ውርሻታት” ነፍሲ ወከፍ ፍሉይነት ቤተ ክርስቲያን ይሓክኽ ማለት ከም ዘዘይኮነ ገሊጾም፥ እንታይ ደኣ “ሓድነት ማለት ኣብ ወንጌል ተመርኲስካ ብሓባር ምስራሕ፡ ሓድነታዊ ትሕትናን ሕውነታዊ ርክብን ፍልልያትን ምቕባልን ምኽባርን ማለት እዩ፡” ኣብ ምግምማዕ መጻኢ የሎን ኣብ ሓድነትን ብሓባር ምጉዓዝን ውሕስነት ህላወና እዩ” ቢሎም፡ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ቅድሚ ምትሕብባር ክኽተላ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ቍስጥንጥንያ ዝመጸ መጠንቀቕታ
ፓትሪያርክ ሳኮ መልእኽቶም፥ ኣብ መንጎ ህልው ኩነታት ኣቢያተ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕን ከተማ ቍስጥንጥንያን ቅድሚ ብኦቶማን ምውራራ ምስ ዝነበረ ኩነታት ብምምስሳል፥ “ሓይልታት ጸላኢ ኣብ ኣፍደገታት ክእከቡ ከለዉ፡ ናይ ቢዛንታይን ናይ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ድማ ብዛዕባ ጾታ መላእኽቲ ይካትዑ ነይሮም፡” ኣብ ክንዲ ኣብ ንእሽቶ ጉዳያት ዘተኵሩ፡ መራሕቲ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ህላወ ክርስትና ንምክልኻል ኣገዳሲ ዘይኮነ ፍልልይን ጽንፈይናነትን ፍርሕን ከሰንፍዎ ኣለዎም፡ ስለዚህ ፈጠራዊ መንፈስ እንተዘየሎ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውሁድ ማሕበረ ክርስቲያን ክጠፍእ እዩ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥ “እቶም መበቆላውያን - ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ መሬት ኣቦታትና ዓዲ ታሪኽን ኣሽሓት ሰማእታትን ባዶ ከይከውን ንተዓረቕን ንጠርነፍን፥ ኣቢያተ ክርስቲያናትና ቃንዛ ክርስቶስ ኣብ ኣካላተን ስለ ዝስከማ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንትንሳኤአን ጸዓት ይኹነን። ከምኡ እውን ንህዳሴ ሃገራትና ንጽዓር” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።