ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ካቶሊካውያን ኣብ ጸረ ዓመጽ ሰላማዊ ሰልፊ ይሓብሩ
ናይ ሃገረ ዶሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳስት ቤት ምኽሪ ዝወድቦ ዕለት 4 ታሕሳስ ሰላም ዝጽውዕ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጽ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃታት እታ ሃገር ዘሎ ዓመጽን እደ ኣታውነት ወጻኢ ሃገራትን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰንበት ዕለት 4 ታሕሳስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ነቲ ኣብቲ ብተፈጥሮ ጸጋ ሃብታም ዝኾነ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝካየድ ዓመጽን እደ ኣታውነት ወጻኢ ሃገራትን ነዚ ስዒቡ እውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘተኣትትዎ ዘሎ ስእነት ሰላምን ዘውሕስነትን ብምቅዋም ድምጾም ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ስክፍታ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ኮንጎ ዛዕባ ዘሎ ዘይውሕስነት
እቲ ዕለት 4 ታሕሳስ ዝተኻየደ ዓመጽን እደ ኣታውነት ወጻኢ ሃገራትን ዝቃወም ሰላማዊ ፈልፊ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ዝጸወዖ ከም ዝነበረን ኣብቲ ዘካየድዎ ዓወደ ኣኼባ እቲ ኣብ ኣውራጃታት ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ዓመጽ ኣዚዩ ከም ዘስክፎም ገሊጾም ኣብ ሃገሮም ዝወዓዋዕ ዘሎ ባልካናውነት ብምቅዋም ናይ ሃገር ሓድነት ውሕስ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።
ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣይፋል ንባልካውነት
ኩሉ ሃገሩ ዘፍቅር ብስቓይ ህዝቡ ዝተተንከፈ ኮንጓዊ ዜጋ ንባልካውነት ውጥን ክቃወም ካርዲናል ኣምቦንጎ ቤሱንጉ ነቶም ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካየዱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም፥ እቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ዝወሰዶ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉን እንተኾነ ግን “ንሕና ንሃገራዊ ዕላማ ሓደ ህዝቢ ምዃንና ንሃገራዊ ዕላማ ዝተጠርነፍና ሓደ ህዝቢ ምዃንና ንመላእ ዓለም ንምርኣይ ዝዓለመን ሓድነት ሃገራ ልኡኣላውነት ሃገርን ክብሪ ህዝብናን ዝጣበቕ እዩ” እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እደ ኣታውነት ውጻኢ ሃገራት
ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣውራጃ ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን ዘሎ ውጥረት ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዓመጽ ክዓግቶ ብዘይ ምኽኣሉ ብህዝቢ ብዙሕ ዘይቅቡሉ ኮይኑን ናይ ህዝቢ ብስጭት እውን የዛይዶ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ ሰበ ስልጣን ኮንጎ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ነቲ ብኤም 23 ዝፍለጥ ግብረ ሽበራዊ ምንቅስቓስ ደገፍቲ ከም ዝኾናን እዚ እውን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት እቲ ከባቢ ንምዝራፍ ኣሚተን ዝፍጽምዎ ግብረ ኢደ ኣታውነት ምዃኑ ደጋጊሙ ከም ዝገልጾን፡ ናይ ሩዋንዳ ርእሰ ብሔር ፖል ካጋመ ነዚ ክሳታት ክነጽግዎ ከም ዝጸንሑን እዚ ምስሕሓብ እዚ እውን ኣብ መንጎ ኪጋሊን ኪንሻሳን ዘሎ ወጥሪ ልዑል ከም ዝኾነን ዘመላኽት እዩ። ብጹዓን ጳጳሳት ኮንጎ በቲ ኣብ ኮንጎ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ምኽንያት ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ዝነቐፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ - ዕለት 3 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎምን በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት ምኽንያት ኣብ ከተማ ጎማ ክበጽሑን ምስቶም ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንኽራኸቡን ዝነበረ መደብ ከም እተሰረዘን ኣብ ክንዳኡስ ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ኪንሻሳ ክራኸብዎም ምዃኑ ይሕብር።