ድለ

ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ብጹዕ ኣቡነ ሲፑካ ‘በዓለ ልደት ናይ ምሕዋይን ሕዳሴን ወቕቲ እዩ” ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ብጹዕ ኣቡነ ሲፑካ ‘በዓለ ልደት ናይ ምሕዋይን ሕዳሴን ወቕቲ እዩ” 

ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ብጹዕ ኣቡነ ሲፑካ ‘በዓለ ልደት ናይ ምሕዋይን ሕዳሴን ወቕቲ እዩ”

“በዓለ ልደት በዓል ድኻታት እዩ - ኢየሱስ ካብ ድኻ ስድራ ቤት ተወልደ - ንመጀመሪያ ግዜ ድማ እቲ ልደት መልእኽ ንድኻታት ጓሶት እዩ ዘበሰሮ

ኣቦ መንበር ጒባኤ ካቶሊካውያን ብጹዓን ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪካ ብጹዕ ኣቡነ ሲተምባ ሲፑካ፥ “ዘመነ ልደት ናይ ምሕዋይን ህዳሴን ዝተበታተነ ዝምድናታት ዝእረመሉ እዋን ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ወትሩ ሓድሽን ኣብ ህልው ኩነታት ውሱጥ ምዃኑን ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓለ ልደት 2022 ዓ.ም. “ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ሕጉስ ግን ከኣ ልቦም ዝመልእ ውልደት ጐይታ ሓንጎፋይ ቢሎም ክቕበልዎ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም ምልኣት ሓጐስ ክጽግወና ዝመጽእ ጐይታ ኣብ ልብና ክውለድ ንፍቀደሉ ከም ዝበሉን፥

ሕዳሴን ፈውስን

“ልደት ብቀዳምነት ብዛዕባ ፍቕርን ትሕትናን . . . ካልኣይ ብዛዕባ ዝምድንታት ይዛረበና፡ እግዚኣብሔር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎናን ፍጥረትን ኣብ ንሓድሕድናን ዘሎ ርክብ ንኽፍውስ ሓደ ካባናን ከማናን ኮነ - ‘ኣምላኽ ብኽርስቶስ ኣቢሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ኣተዓሪቑናን . . . ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ሃበና’ (2ቆሮ. 5,18 ረኣ)”፡ ስለዚ ትርጉም በዓለ ልደት ኣግልግሎት ዕርቂ ብሕድሪ ዝህበና ንሰላም ኣብ ስድራናን ኣብ ከባቢናን ኣብ ስራሕናን ኣብ ሃገርናን ኣብ ዓለም” ናይ ምዕያይ ተልእኾ ሕድሪ ይብለና።

ወቕቲ በዓላት ናይ ምሕዳስ ህሞትን ምስ ካልኦት ዝህልወና ርክብ በቲ “ፍቕሪ ሓጐስ ዕርቂ ዓቕሊ ለውሃት ሕያውነት እምነት ህድኣት ይኣኽለኒ ምባል” (ገላ. 5, 22-23 ረኣ) ብዝብል ፍረ መንፈስ ኣቢልና ንምህናጽን ንምምሕያሽን ዝዓለመ እዩ።

ዘመነ ልደት መብዛሕቲኡ ግዜ ከም መመኽነይታ ካብ መጠን ንላዕሊ ንዝኾነ ዓይነት ካብ መስመር ወጻጺ ንዝኾነ ናይ ሓሶት ሓጐስ መግለጺ ዝኾነ ተግባር ዝወዓዋዓሉ ይኣኽለኒ ብዝይብል መንፈስ ዓይነት ከበዓል ከም ዝረአይን ስኽራን ብዙሕ ገበናት ዝፍጸመሉ ኮይኑ ምርኣይ የሕዝን እዩ እንክብሉ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እዚ ነቒፎም፡ ስለዚህ ክርስቲያናዊ ክብርታት ምስቲ ኣብ ባህላዊ ኣገባብ ኣነባብራ ኣፍሪቃ ዝተባባዕ ክብርታት ጓና ዘይኮኑ ኣጣሚርካ ነቲ ዝመጽእ ሓጎስ ተቐቢልካ እተካፍለሉ ወቕቲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንድኻታት ተሃዋሲ ምዃን

“በዓለ ልደት በዓል ድኻታት እዩ - ኢየሱስ ካብ ድኻ ስድራ ቤት ተወልደ - ንመጀመሪያ ግዜ ድማ እቲ ልደት መልእኽ ንድኻታት ጓሶት እዩ ዘበሰሮ - ማርያምን ዮሴፍን ኣብ ቤተ መቕደስ ከቕርብዎ እንከለዉ ንመስዋዕተ ዘቕረብዎ ህያብ ገንሸል ክዕድጉ ስለ ዘይክእሉ ድማ ከም ኩሎም ድኻታት ክልተ ርግቢት እዮም ዘቕረቡ። ልደት - ኢየሱስ ንድኻታት ንውጹዓት ሓርነት ከብጽሕ ተላእከ (ሉቃ. 4, 18 ረኣ) ይብለና። ኣብቲ ናይ ከረን ትምህርቱ ድማ ቀዳሞት ቃላቱ “ድኻታት ብጹዓን እያቶም” ዝብላ እየን። ስለዚ በዓለ ልደት ንድኻታት ተሃዋሲ ምዃን ዝብል እዩ። . . . ድኻታት ክንዝርክ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንማሕበራዊ ፍትሒ ምዕያይ

ብጹዕ ኣቡነ ሲፑካ ኣስዒቦም . . . “ንድኻታት ህዉስ ምዃን ማለት ኣብ ምጽዋትን ንዋታዊ ሓገዝን ጥራይ ክድረት የብሉን፡ ስለዚ ንድኻታት ህዉስ ምዃን፥ ‘ዝኾነ ሰብ ድኻ ሕይወት ከይነብር ዘረጋግጽ ማሕበራውን ቁጠባውን መሓውራት ክህልው ምስራሕ ዘጠቓልል እዩ።’ መሬት ንዅሉ ዝምግብ እኹል ጸጋታት ኣለዋ። ስስዐን ዘይፍታሓዊ ቁጠባዊ ስርዓት እዩ እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ። ቁጠባዊ ምዕሩይነት ንምፍጣር ፖለቲካዊ ድሌት ዘይምህላው ውሑዳት ሰባት ካብቲ ዘድልዮም ንላዕሊ ክውንኑ ዝገብር ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሓት ድማ ብዘይ መሰረታዊ ኣድላዪ ንሕይወት ክነብሩ የገድዶም ኣሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምሕጓስ ጽቡቕ እዩ

“ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት - ይብሉ ብጹዕነቶም - እቲ ለበዳ ኣብ ግምት ብምእታው ዝሓለፉ በዓላት ከመይ ከም ዘሕለፍናዮ ንዘክር፡ እዚ ማለት ግና ኣብ ሎዕሊ ቀጥዒ ኣልቦ ኣበዓዕላ ዙሑል ማይ ዝተኻዕዎ ብዝብል መንፈስ ከነንብቦ የብልናን። ብርግጽ “በዓለ ልደት ኣብ  መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰባትን ሓድነት ንምምላስን ኣብ መንጎ ሰባት ሰላም ንምቛምን ብዝብል ዓይነት መንፈስ እዩ ከበዓል ዘለዎ፥ ብዙሕ ናይ ኣበዓዕላ መንፈስ ዝገልጹ ምስላታት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንረክብ፡ ንኣብነት እቲ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ (ዮሓ. 2, 1 ረኣ) ኢየሱስ ባህ ዘብል ህሞታት ከም ዘስተማቐረ እውን ዘረጋግጽ እዩ። በዓል ባህ ዘብል ህሞት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ምሕጓስ ጽቡቕ እዩ።

ይኹን እምበር “ሰብ ብእንጀራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ እሞ” ቢሎም፡ ስለዚ ካብቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ምሕጓስ ዝድርኽ ዝንባለ ምውጋድ ጥንቃቐን ለባምነትን እዩ።ይዅን እምበር መብዛሕቲኦም ነዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ሓላፍነት ዝመልኦ መንፈስ ሸለል ምባል ዝስዕብዎ ኣገባብ በዓል ንዘልኣለም ባህታ ጥራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይክውንነታዊ ኣረኣእያ ህይወት ዝሕብር እዩ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

27 Dec 2022, 16:01