ድለ

ብጹዓን ጳጳሳት ፐሩ፥ ‘ዓመጽ መፍትሒ ኣይኮነን’ ብጹዓን ጳጳሳት ፐሩ፥ ‘ዓመጽ መፍትሒ ኣይኮነን’ 

ብጹዓን ጳጳሳት ፐሩ፥ ‘ዓመጽ መፍትሒ ኣይኮነን’

እቶም ጳጳሳት፥ “እታ እንፈትዋ ሃገርና ብጭንቀትን ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ክትቅጽል የብላን ከምኡ እውን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ዘህድእ ስርዓት ደሞክራሲ ንምሕላው ቅንዕና ዝመልኦ ዘተ ምርግጋጽ ወሳኒ እዩ

ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ሃገረ ፐሩ ጸረ መግንስቲ ተቓውሞታትን ቀጻሊ ናዕቢ ኣብ ኣተአንገድሉ ዘሎ እዋን ብጹዓን ጳጳሳት እታ ሃገር፥ “ኩነታት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዓመጽ ከም መጋበርያ ምጥቓም ክውገድ” ዝብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፐሩ ኣብ  መንጎ ጸረ መግንስቲ መረሽትን ሓይሊ ጸጥታን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ዕለት 12 ታሕሳስ ደገፍቲ ነበር ርእሰ ብሔር ፐድሮ ካስቲዮ ካብ ስልጣኖም ምእላዮምን ምእሳሮምን ዘቖጠዖም ኣብ ጎደናታት ከተማ ፐሩ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ-ኣርኪታ ንዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ከበቡ እቲ ናዕቢ ኣዚዩ ከም ዝበኣሰ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ፐሩ ጠቒሱ እንከመላኽት፡

ናይ ዘተ ድልድል

ናይ ሃገረ ፐሩ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 12 ታሕሳስ ዓመታዊ ዝከረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ጠበቓ ኩለን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ምኽንያት፥ ኩሉ ዓመጽ ደው ክብል ቅልውላው ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ መንግስቲ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብሓላፍነት ክምልከቶን ግብኡ መልሲ ክህበሉን ለበዋኦም ኣቕሪቦም፥ ነቶም ኣብቲ ዝተፈጥሮ ግጭት ህይወቶም ዝሰኣኑ ዘለኣለማዊ ዕረፍተ ተመንዮልን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራኦም ጸሎትም ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ፥

ንሕቶ ህዝቢ መልሲ ምሃብ

ነቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዮ ርእሰ ብሔር ዝተክኣ ዲና ሞሏርተ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተቓው፥  ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ እዩ እንክብላ መልሲ ከም ዝሃባሉን ነበር ርእሰ ብሔር ካስቲዮ ግን ነቲ ናይ ቦሉኣርተ መልሲ፥ “ረሳሕ ጸዋታ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካስቲዮ ብምግባረ ብልሽውና ከም እተኸሱን ከምኡ እውን ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ዝነበረ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ኣብ ዝብል ዛዕባ ህዝባዊ ባይቲ ድምጺ ቅድሚ ምሃቡ ሒደት ሰዓታት ካብ ስልጣኖም ከይእለዩ ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍ ኣብላጺ መቐመጢ ከፍርሱ ፈቲኖም ዝብል ክሲ እውን ይቐርበሎም ከም ዘሎ ክንገር ኣንከሎ፥

ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ

ኣቡናት ፐሩ ሓይሊ ስርዓትን ሕግን ብፍላይ ከኣ ሃገራዊ ሓይሊ ጸጥታ፥ “ናይ ህዝቢ ጸጥታን ሰላምን ዝውሕስ፡ ዝኾነ ዝፍጸም ገበን ኣብ ቤት ሕግን ስርዓት ክቐርብ ዝገብር እዩ ክኸውን ዘለዎ” እንክብሉ ገሊጾም ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ኣካላት ንግቡእ መስርሕ ተቕዋማት ደሞክራሲ ስርዓት ክውሕሱን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓ ብፍላይ ናይቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ክሓስቡ፥ ፖለቲካኣብ ምሾት ንምንባር መጋበርያ ግጒይ ምሕደራ ክኸውን የብሉን ብልሽውና ክውገድ ንሓትት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓመጽ መፍትሒ ኣይኮነን

እቲ ዕግርግር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ጳጳሳት፥ “እታ እንፈትዋ ሃገርና ብጭንቀትን ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ክትቅጽል የብላን ከምኡ እውን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ዘህድእ ስርዓት ደሞክራሲ ንምሕላው ቅንዕና ዝመልኦ ዘተ ምርግጋጽ ወሳኒ እዩ ዓመጽ ናይቲ ቅልውላው ኮነ ናይቲ ዘሎ ዘይምርድዳእ መፍትሒ ኣይኮነ፡ ድሕሪ ደጊም ዓመጽን ሞትን ኣይሀሉ ንሃገርናን ህዝብና ቀዳምነት ምሃብ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Dec 2022, 15:14