ድለ

2021.04.16 Libano Beirut lezioni mascherine esplosione porto 2020 Covid-19 La Salle scuola 4 2021.04.16 Libano Beirut lezioni mascherine esplosione porto 2020 Covid-19 La Salle scuola 4 

ማሕበር ምትሕብባር ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን፥ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ሊባኖስ

ናይ ለምዘበን ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ዝጀመረሉ ቀዳሞት ኣዋርሕ ብዝሒ መምህራት ብ 20 ሚእታዊ ከም ዝነከየን

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ንጽንኩር ኩነት ናይተን ብቁጠባዊ ቅልውላውን ሳዕቤኑን ኣዝየን ንዝተሓሰያ ኣብ ሃገረ ቄድሮስ ዝርከባ 320 ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘማእከለ ብመረብታዊ ውሕዘት ፍሉይ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝጠለበን ብዛዕባ እዘን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣማእኪሎም ናይተን ኣቢያተ ትምህርቲ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ናሲር ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕውቆ መደረ “ካብ ጠቕላላ መካየዲ ዕዩ ናይተን ኣቢያት ትምህርቲ ወጻኢ እቲ 40 ሚእታዊ ንሓይሊ ኤለትሪክ ዝውዕል ከም ዝኾነ እንክሕብሩን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ ኣዚዩ ከቢድ ከም ዝኾነን ብፍላይ ድሕሪ ዕለት 4 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ወደብ ቤሩት ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ሊባኖስ ብ39 ሚእታዊ ከንቆልቁል ከም ዝደረኾን እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ቅልውላው ቁጠባ እዚዩ ከም ዘጋደዶን፡ ኣብ ታሪኽ ኣብ ዓበይቲ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ድሕሪ እቲ  ኣብ 1926 ዓ.ም. ኣብ ሃገር ቺለ ኣጋጢሙ ዝነበረ 47 ሚእታዊ ምንቁልቋል ውሽጣዊ ፍርያት ሊባኖስ እታ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ምዃና እዩ ዝንገር። ካብቶም ጠንቅታት፥ ለበዳን ኣብ መንጎ ሂዝቦላሕን ሺዓዊ እስላማዊ ምንቅስቓስን ክርስትያናዊ ዕጡቓት ሃይልን ፈጺሙ ዘየብቀዐ ግጭትን ይጥቀሱ።

ኣባ ዮሱፍ ናስር ኣብ ሊባኖስ ናይ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ብዛዕባ ቅልውላው ካቶሊካውያን ኣቢያት ትምህርቲ ኣብ በይሩት ንኽመክር ብመረብታዊ ውሕዘት ንኽካየድ ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ምጅማር ትምህርቲ፥ ብዝሒ መምሃራን ብ20 ሚእታዊ ከም ዝነከየ

ናይ ለምዘበን ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ዝጀመረሉ ቀዳሞት ኣዋርሕ ብዝሒ መምህራት ብ 20 ሚእታዊ ከም ዝነከየን ካብ ጠቕላላ ሚዛን ገንዘብ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ እቲ 40 ሚእታዊ ንሓይሊ ኤለክትሪክ ዝውዕል ከም ዝኾነን እዚ ኸኣ ናይ ሃገር ሓይሊ ኤሌትሪክ ንዘድሊ ጸዓት ውሕስነት ስለ ዘይህብ፡ ናይ ግሊ ጀነረተራት ምጥቓም ግድን ብምዃኑ፡ እቲ ንኻልእ ክውዕል ዝነበሮ መጠን ገንዘብ ኣብዚ መዓላ እዚ ይውዕል ከምዘሎ ገሊጾም፡ ኣብ በይሩት ዝርከባ 50 ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ እውን በቲ ኣብ በይሩት ዝርከብ ወደብ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከም እተሃሰያን ብተወሳኺ እውን ልዕሊ 2 ሚሊዮን ዝግመቱ ትምህርቲ ዘድልዮም ስደተይናታት ሶርያውያን እውን ከም ዘለዉን ሓቢሮም፡ ኣብ ሊባኖስ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ከቢድ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ይርከባ ኣለዋ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ኣድማ ዝዕጸው ዘሎ ናይ መንግስቲ ኣቢያተ ትምህርትን ሳዕቤናቱን

ኣብ በይሩት ናይ መንግስቲ ኣቢያተ ትምህርቲ ብቐጻሊ መምህራም ዝኽፈሎም ትሑት ደሞዝ ብምቅዋም ንኣዋርሕ እውን ደሞዝ ዘይክፍሉ ብምዃኖም እዚ ዅሉ ጸገም ፍታሕ ክረብ ብዘይ ምቁራጽ ብዘካይድዎ ሰላምዊ ኣድማ ብዙሓት ናይ መንግስቲ ኣቢያተ ትምህርቲ ተመሃሮ ናብ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ከም ዝመጹን መብዛሕቲኦም ከኣ ካብ ኣብ ድኽነት ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ዝመጹ እያቶም፥ እዚ ዅሉ ሓዊስካ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ሓገዝ እንተዘይረኸባ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ከጋጥመን ከም ዝኽእል ኣባ ናሰር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ሊባኖስን ሶርሊያን ንመምሃራን ደሞዝ መኽፈሊ ሓደ ሚሊዮን ዶላር የድሊ

ኣብ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ናይ ሊባኖስን ሶሪያን ጉዳያት ውጥን ሓላፊ ኻቪየር ስተፈን ቢዚትስ፥ ኣብዚ ናይ ትምህርቲ ዓመት እዚ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ሊባኖስ ናይ መምህራን ደሞዝ ውሕስነት ክህባ ይኽእላ ዶ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ግምታዊ ጸብጻብ፥ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ንደሞዝ መምሃራን 700 ሺሕ ዶላርን ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ ክፍሊት ክሽፍኑ ዘይክእሉ ካብ ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ንዝመጹ ተመሃሮ ሓገዝ ዝውዕል፡ ካልእ 200 ሺሕ ንመጻሕፍትን መሳለጢ ትምህርትን  200 ሺሕ ድማ ንውሕስነት ጸዓት ርእሰ ምኽኣል ውጥን ዝውዕል መጠን ገንዘብ የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝቡሓት ዓድታት ሊባኖስ ህላወ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ይርከብ

ኣባ ናስር ቀጺሎም፡ ሎሚ እውን ኣብታ ህብረ ሃይማኖታዊት ሊባኖስ ኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንተድኣ ተዓጽዩ ብዙሓት ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ ስደት ክመርጹ ክግደዱን እዮም፡ እዚ ንህላወ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ሓደጋ እዩ። እዚ ኵሉ ስነ ኣእምሮኣዊ ድርኺታት ኣብ ልዕሊ ተመሃሮን መምሃራንን ከቢድ ጸገም ይስዕብ ከምዘሎን እቲ ዝርከብ ሓገዝ እዅል እውን ብዘይ ምዃኑ መምህራን ካብቲ ክረኽብዎ ዝግብኦም ዝተሓተ ደሞዝ ስለ ዝኽፈሎም ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ክቡር ናብራ ንኽገጥሙ ሰለ ዘይኣኽሎም ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኤኮኖሚ ይርከቡ ብሓፈሻ ኣባይቲ ስድራ ዓቢይ መስዋዕቲ ይኸፍሉ ኣለዉ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መምሃራን ተወሳኺ ስራሕ ንኸስርሑ ይግደዱ

ከምኡ እውን መምህር ጀሲ ኣቢ ለሊል ድሕሪ 13 ዓመት ኣገልግሎት ምምህርና ኣብ በይሩት ናይ ዝርከብ ካቴድራል ቤት ትምህርቲ ኣመሓዳሪት ንምዃን ዝበቕዓ ብወገነን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ መምህራን ደሞዞም ብዘሎ ቅልውላው ኤክኖሚ ኣዚዩ ትሑት ብምዃኑ፡ ካልእ ስራሕ ንኸናድዩ ከም ዝግደዱን ድሕሪ ትምህርቲ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ስራሕ ከም ዝዋፈሩን፥ ኣነ እውን ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ከምዚ ኩነት እየ ዝርከብ ዘለኹ ከም ዝበላን . . .

ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘጋጥመን ዘሎ ጸገም

እናቴ ሚርና ፍራሕ እውን ብወገነን ኣብ በይሩት ናይ ቤሳቆን ቤት ትምህርቲ ኣመሓዳሪ፥ ብዙሓት ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ብዙሕ ጸገም ይገጥማ ከም ዘለዋን ስሩዕ መደብ ትምህርቲ እውን ንምቕራብ ዘይክእላ ይኾና ብምህላወን ተመሃሮ ናብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ትምህርቲ ከም ዝኣትውን መብዛሕቲኦም እውን ካብ ድኻታትን በቲ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ናብ ድኽነት ዘወደቑ ኣባይቲ ስድራ ዝመጹ ብምዃኖን ናይዞም ተመሃሮ ወጻኢ ምሽፋን ግድን እዩ። ስለዚ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘድልየን ሓገዝ እንተድኣ ዘይረኸባ ናይ መምሃራንን ተመሃሮን ዕጫ እንታይ ከም ዝኸውን ንምግማቱ ዝጸገም ኣይኮነን ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 December 2022, 16:14