ድለ

ጃፓናውያን ጳጳሳት፥ ንውጥን ዳግመ ዕጥቂ ብትሪ ይቃወሙ ጃፓናውያን ጳጳሳት፥ ንውጥን ዳግመ ዕጥቂ ብትሪ ይቃወሙ 

ጃፓናውያን ጳጳሳት፥ ንውጥን ዳግመ ዕጥቂ ብትሪ ይቃወሙ

ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኪሺዳ ነቶም ሰለስተ ሰነዳት ክስሕብ ይላበዉ

ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓን ንናይ ሃገሮ፣ መራሔ መግንስቲ ፉሚዮ ኪሺዳን ንምኒስትር ሓይሊ ምክልኻል ሃገሮምን፥ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጃፓን ዳግማይ ንምዕጣቕን ሜላታት ምልክኻልን ዝብል ጉዳይ ንምምርማር ዝሕግዙ ቀሪቦም ዘለዉ ሰለስተ ወሰንቲ ሰነዳት ክስሕቡ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ናይ ጃፓን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወገዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጃፓን እቲ መንግስቶም ዘጽደቖ ቅዋማዊ መንግስታዊ ሓድሽ ውጥን ዳግመ - ዕጥቂ ብጽኑዕ ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ

ናይ 320 ቢሊዮን ዶላር ትልሚ

መራሔ መንግስቲ ፋሚዮ ኪሺዳ ዕለት 16 ታሕሳስ ኣብ ስልቲ ምክልኻል ጃፓን ዓቢ ውጥን ምምሕያሽ ከም ዘቕረበን እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ወተሃደራዊ ሓይላ ንምሕናጽ ልዕሊ 320 ቢሊዮን ዶላርስ (ካብ ጠቕላሊ ውሽጥ ፍርያት ህገር እቲ 2 ሚእታዊ ዝስፍን ምዃኑ እዩ) ከዋፍር ምዃኑ ከም ዝገለጹን እዚ ውጥን እዚ ኣብ ጃፓን ዝተሰርሑ ኣጽዋር ንምምሕያሽ ጥራይ ዘይኮነ ብውሑዱ 400 ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሑ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ቶምሃውክ ክሩስ እተሰምዩ ሚሳይላት ምጥራይ ከም ዘጠቓልል ክንገር እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ካልኦት ክልተ ሰነዳት ስልቲ ሃገራዊ ደሕንነትን ስልቲ ሃገራዊ ምክልኻልን ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረቡ ሰነዳት ከም ዘጽደቐን፡ እዚ ሓድሽ ስልቲ እዚ ጃፓን ኣብ ዝተፈልየ እዋን እትጥቀመሉ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምክልኻል ስልቲ ማለት ናይ ጃፓን ናይ ጸረ መጥቓዕቲ ዓቕሚ ዝህባ ሓድሽ ስርዓት እዩ። ቅድሚ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝነበረ መግንስቲ ጃፓን ናይ ጸረ መጥቓዕቲ ዓቕሚ ክትውንን የብላን ዝብል መርገጺ ወሲዱ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኢሕገ-መንግስታውን ኢደሞክራስያውን ውሳነ!

ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኪሺዳ ነቶም ሰለስተ ሰነዳት ክስሕብ ይላበዉ። ነቲ ሓድሽ ስርዓት ምክልኻል ድማ ብትሪ ነቒፎም፡ እዚ ድማ “ነቲ ልሙድ መሰረታዊ ስርዓት ምክልኻል ዘወግድ እዩ። ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ ትሽዓተ ተመልኪቱ ዘሎ ውሳኔ ዝቃወም ጃፓን ምሉእ ብምሉእ ሓያል ሃገር ንኽትከውን ዝድርኻ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኣብ ልዕሊ ቅዋም ሃገር ለውጢ ዘተኣታትው ውሳኔ፡ ናብ ህዝባዊ ባይቶ ዘይሓለፈ ኣዋጅ መንግስቲ ኢደሞክራስያዊ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ ብመሰረት ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓን፥ መደብራት ጸላኢ ናይ ምጥቓዕ ዓቕሚ ምምዕባል ብግልጺ ብሕገ መንግስቲ ኣብ ዝተኸልከለ “ስግኣት ሓይሊ” መሰረት ዘለዎ እዩ። ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓን በርገሳውያን ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ንወተሃደራዊ ዕላማ ምጥቃምን ሓደስቲ ኣጽዋር ንምምዕባል ስነ ምርምራውን እደ ጥበባውን መጽናዕትታት ምምራሕን እውን ዝብል ሓሳብ ኣዚዩ ዘሰክፎ ከም ዝኾነ ኣብ ዘውጽኦ  መግለጺ ኣመላኺቱ፥ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ታይዋን ኣብ ዝርከባ ደሴታት ናንሰይ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይላት ምውፋሩን እቶም ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምቶም ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኦኪናዋ ዝነበሩ መስዋዕቲ ዘኽፍሎም ሓደጋ ምዃኑ ይጠቕሱ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጃፓን ብመገዲ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ኣቢላ ሰላም ክትክተል ይግባእ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምጥቃስ፥ ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓን፥ “ጃፓን ክትክተሎ ዘለዋ ‘ብክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ኣብ ቅዋም ሃገር ዓንቀጽ 9 ዝተመርኮሰ መገዲ ኮይኑ - ዝኾነ ይዅን ዘይምርድዳእ ብዘተ ዝፈትሕ ኣገባብ ስነ መላዊ ርክብ ክትክተል ኣለዋ ዝብል እዩ። ስለዚ ጃፓን ብመገዲ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ኣቢላ ሰላም ክትክተል ይግባእ” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

23 Dec 2022, 15:19