ናይ ሃይቲ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ልደት፥ ዓመጽ ከብቅዕ ይላበዉ
ሃይቲ ኣብዚ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ኣብ እትጻወረሉ ዘላ እዋን ጳጳሳት ሃይቲ ዕጡቓት ጒጅለታት ዓመጽ ብቑልጡፍ ደው ከብሉን ኣብታ ሃገር ዝሓሸ መጻኢ ክህልውን በርገሳውያን ትካላትን ትሕተ ቅርጺ ኣገልግሎት መውሃብን ዳግማይ ክህነጹ ንጽውዕ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ብምኽንያት በዓለ ልደት ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ፍጻሜ መልእኽቲ በዓለ ልደት ከም ዘመሓላለፉን “ናይ ገበን ጒጅለታት ‘ነቲ ዘካይድዎ ናይ ጽልእን ጸረ ህይወትን ግብር ቅለትን ዘበለ ኵሉ ግብረ ጽላለ” ደው ከብሉ፡ ከምኡ እውን በርገሳዊ ሰበ ስልጣን ሃይቲ ናብ ንቡር ክትምለስ ንሓደስቲ ወለዶ ዝሓሸ መጻኢ ንምርግጋጽ ልዕልና ሕጊ ዳግማይ ውሑስ ኪገብሩ ደጊሞም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ህብረ - ቅልውላው
ጳጳሳት ሃይቲ ነቲ ኣብታ ደሴታዊት ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራውን ቅልውላውን ዕግርግርን ናይ ገበን ጒጅለታት እናወለደ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብዛ ካብ ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ብቐዳምነት እትጥቀስ ንዓመታት ቅልውላው ቁጠባን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣብ ምቅላስ ትርከብ ዘላ ሃይቲ፡ ብሰንኪ እቲ ዕለት 7 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ዝተፈጸመ ቅትለት ከምኡ እውን እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ወርሒ ነሓሰ ዘጋጠመ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ሞትን ዕንወትን ዘስዓበ ርእደ መሬት ናብ ዝበኣሰ ዓዘቕቲ ተብል ከም ዘላ ገሊጾም፡ ዕጡቓት ጒጅለታት ዘስፍሕዎ ዘለዉ ውግእን ቅትለትን ምድንጋራትን ጭወያታትን ዝያዳ እናወሰኸን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዓንዲ ሕብረተሰብ ሃይቲ ኮይና ዝጸንሐት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዒላማ ብምግባር ሓያሎ ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ከም እተጨውዩ ብምዝኽኻር፡ “ዳግማይ ምልዕዓል ሕማም ሽሮኽ ውጽኢት ናይቲ ድሩት ተበጻሕነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣገደስቲ ዝስተይ ጽሩይ ማይን መግብን ጽሬትን ቀረብ ኣገልግሎትን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ወፍሪ ንሰላምን ድሕንነትን
ብጹዓን ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቶም ዕጡቓት ሓይሊ፥ “ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ዲያብሎሳውን ዘራጊቶኣውን ዝኾነ ስነ መጎት ኣጽዋር” ኣይፋል ክብሉ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ኣብ ክንዲ ሕድሕዳዊ ምቅልትታል ኣብ ሰላምን ፍቕርን ኣብ ዳግመ ውደባ ትሕተ ቅርጽን መውሃቢ ኣገልግሎት፥ ኣገልግሎት ጥዕናን ስርዓተ ትምህርትን ከምኡ እውን ኣብ ለውጢ ኣተሓሳስባን ወፍሪ ክንብገር ኣሎና . . . ንመጻኢ ወለዶታት ዝሓሸ መጻኢ ንምርግጋጽ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ዓመጽን ዘቐጽል ስነ መጎታዊ ጠንቂ ዝኾነ ገበነይና ዘይምቕጻዕ ባህሊ ንምውጋድ በርገሳውያን ትካላት ብፍላይ ድማ ስርዓት ኣባይቲ ፍርዲ ዳግማይ ምህናጽ የድሊ” እንክብሉ ኣጉሊሖም . . . ንሃገራዊ ሓይሊ ጸጥታ ኣድማዒ ደገፍ ብምሃን ንዓመታት ገበን ንምምካትን ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ኩነታት መነባብሮ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝኽእል ሃዋህዉ ምፍጣር ህጹጽ እዩ፥”
. . . ዳግማይ ናይ ጸጥታ ሃዋህዉ ምርግጋጽ ቁጠባዊ ባህላዊ ማሕበራውን ንጥፈታት ዳግማይ ንምጅማርን ደሞክራስያውን ግልጽን መረጻ ንምውዳብን ዘድልዩ ቅድመ ኩነታት መሰረት እዩ!
ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ግዱድ ስደት
ህዝቢ ሃይቲ ዝጻወሮ ዘሎ “ዘይጽወር ኩነታት” እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላዉ ብዙሓት ዜጋታት ሃይቲ ብዙሕ ግዜ ናብተን ክቕበልኦም ዘይደልያ ጎረባብቲ ሃገር ንኽስደዱ ይግደዱን መብዛሕቲኡ ግዜ ብዘይ ምሕረት ብሓይልታት ጸጥታ ዝኣትውለን ሃገራት ተታሒዞም ናብ ዝመጽሉ ከም ዝስጎጉን ወይ ውን ኣብ ሕርሻ ቃንጫ ይምዝመዙን ብሓፈሻ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ዝግህስ ኢሰብኣዊ ኩነታት ኪነብሩ ይግደዱ” ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ጳጳሳት ሃይቲ ምስ ናይ ሃገር ዶመኒካን ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ይዝትዩ ከም ዘለዉን “ሰበ ስልጣን ክልቲኣተን ሃገራት ነቲ ኣብ ዛዕባ ስደተይናታት ዘማእከለ ወጥሪ ንምውጋድ ናይ ህድኣት ምልክት ዝኾነ ተግባር ከተባብዑ ንላበው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ሓድሽ ዓመት ተስፋ
ኣብዚ በዓለ ልደት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ጳጳሳት ሃይቲ፥ ንዅሎም ሃይቲያውያን “እቲ ኵሉ ሰብ ዝናፍቖ ሓዳስ ሃይቲ” ንምህናጽ ክድርኽ ዝክእል “ክቡራት ዋጋታት፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ፍትሒ ስኒት ሕውነት ምድግጋፍ” ከተባብዑን ክነብሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም. . . በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ኣብታ ሃገር ፍትሒ ሰላምን ምክብባርን ህይወትን ከምጽእ ከም ዝኽእል ትስፉዋት ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።