ጳጳሳት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገሮን ንኸአንግዱ ይቀራረቡ
ሃገራዊ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብምኽንያት እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገሮም ከካይድዎ ዝኾነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣማእኪሎም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ህዝቢ ኮንጐ ንኽበጽሕዎም ንዝመጹ ር.ሊ.ጳ. ንኸአንግድ ተሓባባርን ጥሙርን ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ንዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝግበር ምድላዋት ኣብ ዝሳለጠሉ ዘሎ እዋን፡ ጳጳሳት እታ ሃገር ነዚ ታሪኻዊ ዑደት እዚ ንምእንጋድ ኵለ መዳያዊ ምድላዋት ክካየድ የተባብዑን ብቐዳምነት እውን ይዋስኡ ከም ዘለዉ ክንገር እንከሎ፡ ካቶሊካውያን ምእመናን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ኩሎም፡ ንጓሳ ኵላዊት ቤተ ክርስልቲያን ንኽቕበሉን ከአንግዱን ነቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ውሑስ ኣብ ምግባር ክተግሁ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ጸጋ ህሞት
“ምስ ር.ሊ.ጳ. ዝግበር ርክብ ሰናይ መንፈሳዊ ምድላዋት ዝሓትት ናይ ጸጋ ህሞት እዩ።” ስለዚ እቶም ጳጳሳት ኮንጐ ኣብ ኵለን ሰበኻታትን ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ነዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ማእከል ዝገበረ ጸሎት ከዕርጉን ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ናይ ቅዱስነቶም መገሻ ሓሳብ ዝገብር ክኸውን ከም ዝሓተቱን ብተወሳኺ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመይቲ ሓሙስ ስለ እቲ መገሻ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ጸሎት መቝጸርያ ክድገምን ሓደራ ንብል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስጋና ንሰበ ስልጣን ደሞክርሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ
ብዘይካ’ዚ ብጹዓን ጳጳሳት ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ምድላዋት ዝገብርዎ ንዘለዉ ተሳትፎ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ንኹሎም ምእመናንን ጽቡቕ ድላይ ዘለዎም ሰባትን ነቲ ኣብ ዝመጽሕ ዘሎ ወርሒ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዕዉት ንምግባር ንዘበርከትዎ ዘለዉ ሓገዝ ኵሉ ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ንምእንጋድ ካብ ዝግበር ምድላዋት ሓደ ነፍሲ ወከፍ ኮንጎኣዊ እንተወሓደ ናይ ምሕረት ተግባር ክፍጽም ዝብል ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ “ምስ ኣምላኽን ጎረቤትን ናብ ዕርቂ ዝወስድ ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስዱ ንምነ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።