ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም.፥ ፍቕሪ ኣምላኽ ዳግማይ ኣባና ይውለድ!
ልደት ኢየሱስ ኣብዛ ብጽላሎት ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ዝጸልመተት ዓለም እቲ ዝሓየለ ምልክትን መልእኽትን ተስፋ እዩ። በብዓመቱ ቫቲካን ረዲዮ መራሕት ሃይማኖትን መራሕቲ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዘመሓላልፍዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ፥ “ክርስቶስ ተወልደ” ብዝብል ኣርእስቲ መደባት ዘመሓላልፍ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጒዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሮቸ፥ “ልደት ዘእግዚእነ፥ “ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዳግማይ ኣባና ክውለድ ይገብር” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ነቕርበልኩም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ታሪኽ ልደት ናብ ዓለም ናይ ፍሉጣት ወይ ሃብታማት ዘይኮነስ፡ ናብ ሕቡኣትን ድኻታትን ከነብልን ኣብ ኩነታቶን ንኽንርከብ ዝዕድመና ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ኣርቱር ሮቸ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ኣመላኺቶም፡ እዞም እንግሊዛዊ ካርዲናል ነቲ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ኪዳን ዝነበረ ዛንታ ልደት ምስቲ ኣብ መጀመርታ ብሉይ ዝነበረ ታሪኽ ኣዳምን ሄዋንን ብምንጽጻር፥ እቶም ቀዳሞት ሰባት “ነቲ ናይ ኣምላኽ ጥራሕ ዝኾነ ክውንኑ ኣእዳዎም ምስ ዘርግሑ ናብ ተሪር ምድራዊ ክውንነት ከም ዝወደቑን ናብታ ዝመጹላ ምድሪ ድማ ከም እተመልሱን ኣብሪሆም፡ በንጻሩ ኣብ ቤተልሔም ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ዘልደቱ ምእመናን ኮኑ መንፈሳውያን ነጋዶ ተንበርኪኾም እዮም ዝኣትዉ። ኣዚ ኸኣ ሓመድ ምዃንና እሞ ናብ ሓመድ ክንምለስ ምዃንና ዝነገር እውን እንተኾነ እዚ ምዃን እዚ በቲ ሓድሽ ቃል ኪዳን ከም ዝደሓነ የረጋግጸልና።
ታሪኽ ልደት ክዝንቶ ኣብ ዝሰማዕናሉ እዋን ናብ ናይ ፍሉጣት ወይ ሃብታማት ዘይኮነ ናብ ሕቡኣትን ድኻታትን ዓለም ኢና እነብል። ኵሉ ግዜ ኣብ ቀንዲ ኣርእስታት ዜና ዘይንረኽቦ ኣረኣእያታት ክውንነት ፊት ንፊት ንገጥም። እቶም ዛንታ ልደት ክርስቶስ ዝጸሓፉ ወንጌላውያን ኣቃልቦና ካብ ማእከላት ሓይሊ ዓለም ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ቤተልሔም ብጎቦታት ዝተሓብኣት ትሑት ቦታ ከነብል ይድርኹና፡ ካብ ናይ ቄሳርን ንጉስ ሄሮድስን ዓለም ጀሚሮም ናብ ንርእሶም መዕረፊ እውን ዘይብሎም ከም ጓሶት ዝኣመሰሉ ኣስማቶም እውን ዘይጥቀሱ ሰባት ትኹረትና ይማርኽዎ። ናብዚ ዛንታ እዚ ብዝያዳ ክንኣቱ እንኮለና ምስቲ ኣብ መብልዒ ማል ዝተወልደ ብጨርቂ እተጠቕለለን ደቂሱ ዝነበረ ተኣፋፊ ሕጻን ኢና እንጥምት።
እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ ምስቲ ብሉይ ኪዳን ከነነጻጽሮ እንኮለና፡ ኣዳምን ሄዋንን እቶም ቀዳሞት ፍጥረት ኣምላኽ፡ እቲ ተመን ዝበሎም ሰሚዖን እቲ ናይ ኣምላኽ ጥራሕ ዝኾነ ክውንኑ ኣእዳዎም ዘርጉሑ ናብ ሓደ ተሪር ክውንነት ድማ ወደቑ፡ ማለት ናብታ ዝተፈጥሩላ ካብ መሬት እሞ ናብ መሬት ኣበሉ።
ሎሚ ኣነ ወይ ንስኻ ናብታ ኣብታ ጐይታና ዝተወልደሉ ቦታ ዝተሓንጸት ቤተ ክርስቲያን እንተንኸይድ፡ ናብታ ዓባይ ባዚሊካ ብሓንቲ ንእሽቶ ማዕጾ ንምእታው ትሕት ክንብል ምተገደድና። እቲ ቅድም ዝነበረ ዓቢ ናይ ዓወት ማዕጾ ቀደም ፈረሰይናታት ዘረፍቲ ንኸይኣትዉ ሎሚ ድማ ብታንክታት ሰራዊት ተዓጺዩ እዩ። እዚ እውን ትኹረትና ካብ ማእከላት ሓይልን ሃብትን እዛ ዓለም ናብቲ ተኣፋፊ ሕጻን ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ናብ ዝኾነ ኣማኑኤል ክንገብር ከም ዝግባእ ዘመላኽት እዩ።
. . . በዓለ ልደት ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ጽባቔን ፍቕርን ኣምላኽ ክንርከብ ከም ዘሎና ነቲ እንነብረሉ ዘለና ምድርን ብዙሕ ድሌታት ናይቶም ሓንሳብ ሓንሳብ ረጊጽናዮን እንሓልፎም ፈጺምና ክንርስዕ ከም ዘይብልና የዘኻኽረና፥ ዝተቐበልናዮ እምነትን ምስጢረ ጥምቀትን ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍና ከም ዝነብር ይሕብረና። . . . እግዚኣብሔር ብሕጻን ኢየሱስ ኣቢሉ ኣብ ቤት ነፍሲ ወከፍና ክኣቱ ይመጽእ። . . . ከምቶም ኣስማቶም እውን ዘይፍለጥ ጓሶት ንመልእኽቲ ድሕነት ተቐቢልና ዝራእናዮን ዝተመከርናዮን ከነካፍል ዝድርኽ በዓል እዩ። . . . እግዚኣብሔር በቲ ተኣፋፍ ሕጻን ኢየሱስ ኣቢሉ ናብቲ ተኣፋፊ ህይወትና ይኣትው ዳግምይ ኣባና ይውለድ . . . ቢሎም ጸጋ እግዚኣሔር ኣቦና ፍቕሪ ኢየሱስ ጐይታና ድማ ወትሩ ምሳኹም ይዅን እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ኣርቱር ሮቸ ዘመሓላለፍዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ ይዛዝሙ።