ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም.፥ ኢየሱስ ምስኡ ክንመላለስ ይዕድመና!
ልደት ኢየሱስ ኣብዛ ብጽላሎት ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ዝጸልመተት ዓለም እቲ ዝሓየለ ምልክትን መልእኽትን ተስፋ እዩ። በብዓመቱ ቫቲካን ረዲዮ መራሕት ሃይማኖትን መራሕቲ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዘመሓላልፍዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ፥ “ክርቶስ ተወልደ” ብዝብል ኣርእስቲ መደባት ዘመሓላልፍ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሰበኻ ቺካጎ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኩፒች፥ “ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም. ኢየሱስ ምስኡ ክንመላለስ ይዕድመና” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቕርበልኩም፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልደት ጐይታ ኣብ እነብዕለሉ እዋን ምሳና ከም ዝመላለስ ዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ከነስተማቕሮ ንጅምር፡ ግናኸ ምስ ካልኦት ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንመላለስ፡ ምስኡ ክንጽበር ይላበወና - ምኽንያቱ ኣብኦም ስለ እንረኽቦ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዘመነ ልደት፥ “ንዝተጸገሙ ቀረባኦም ክንከውን ክንሕግዞም ይዕድመና። ምኽንያቱ ሓጐስን ተስፋን ልደት ምሳታቶም ኣብ ምክፋል እቲ ዝውለድ ሕጻን ኢየሱስ መን ምዃኑ ንፈልጥ፥ ኣማኑኤል - ኣምላኽ ምሳና ስለ ዝኾነ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ህይወትና ምሳና ዘሎ ኣምላኽ። ነቲ ሓጐስን ተስፋን ናብ ካልእቶ ኣብ ምብጻሕ ነቲ ቀንዲ ትርጉም ልደት ብዕምቆት ነስተውዕል” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
“ሎሚ ዓመት ምናልባት ካብ ካልኦት ዓመታት ንላዕሊ ናይ ልደት ሓጐስን ተስፋን ኣምላኽ ምሳና ምዃኑ ንኽንፈልጥ ይድርኸና። ስጋና ለቢሱ ድማ ወልደ እግዚኣብሔር ሰብኣዊ ተመኩሮታትና ዓወትናን ተኣፋፍነትናን ዘሐጉስነና ዘሕዝነናን ጭንቀትናን ሕልምናን ይካፈል።”
ልደት ዘእግዚእነ ኣብ እነብዕለሉ እዋን ኣማኑኤል ኣምላኽ ምሳና - ምሳና ከም ዝኸይድ ብዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ከነስተማቕር ንኽእል፡ ምስ ካልኦት ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከንመላለስ ምስኡ ክንጽበር ይላበወና፥ ኣብኦም ኢና እንራኸቦ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምስኦም ምጉዓዝ ኣብ ህይወቶም ኣቲና ብዝበለጸ ክንፈልጦም ዕድል ይህበና። ስደተይና ወይ ሓታቲ ዑቕባ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ሕስብ ነብል፥ ካብ ዓመጽን ካብ ዘስካሕክሕ ሓደጋታት ውግኣትን ንምምላጥ ምስ ስድራኻ ክትስደድን ዑቕባ ክትሓትትን ኣነ እንተዝኸውን ብዝብል መንጽር ሕስብ እሞ ነብሎ፡ በቲ መዓልታዊ ብብረት ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ዝተበታተነ ማሕበረሰ ክትነርብ እሞ ሕሰቦ፡ ንህይውትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሕማማት ከም ዘጋጥመካ እሞ ሕሰብ፡ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዝሳቐዩ ወለዲ ኣብ ሕክምና ዝርከብ ብሕማም ምስ ዝሳቐይ ውላዶም ዝሳቐዩ ኦም ሕስብ ነብል፥ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ንኣብነት ኣብ ዩክረይን ዝነብር እንተዝኸውን ቢልና እሞ ሕስብ ነብል፡ ብስእነት ስራሕን ሓደጋን ድኽነትን ዝሳቐዩ ስቓዮም ናተይ እንተዝኸውን ቢልና እሞ ንሕሰብ . . . እዚ ቅዱስ ወቕቲ እዚ ምስቶም ዝተጸገሙ ቀረባ ንኽንከውን ዘኽእለና ኵሉ ንኽንገርብ ይዕድመና። ከመይሲ ሓጐስን ተስፋን በዓለ ልደት ምሳታቶም ኣብ ምክፋል እቲ ዝውለድ ወልደ እግዚኣብሔር መን ምዃኑ ንፍለጥ። ኣማኑኤል - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ህይወትና ምሳና ዘሎ ኣምላኽ። ነዚ ሓጐስን ተስፋን ናብ ካልኦት ኣብ ምቕራብ ነቲ ዓቢ ትርጉም ልደት ንርዳእ።”
ኣብዚ ወቕቲ ልደት ምሳና ዘሎ እግዚኣብሔር ብሓጐሱን ብሰላሙን ብተስፋኡን ክሀብትመኩም እናለመንኩ ኣብ መኣዲ ጐይታ ሓቢርኩም ድማ እቲ ኣማኑአል - ኣምላኽ ምሳና ሓጎስን ሰላምን ተስፋን ክጽግወኩም ጸልዩ። እግዚኣብሔር ይባርኽኩም ርሑስ በዓለ ልደት ድማ ይግበረልኩም” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።