ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም.፥ እዋን ሰውራ ለውሃት እዩ
ልደት ኢየሱስ ኣብዛ ብጽላሎት ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ዝጸልመተት ዓለም እቲ ዝሓየለ ምልክትን መልእኽትን ተስፋ እዩ። በብዓመቱ ቫቲካን ረዲዮ መራሕት ሃይማኖትን መራሕቲ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዘመሓላልፍዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ፥ “ክርስቶስ ተወልደ” ብዝብል ኣርእስቲ መደባት ዘመሓላልፍ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ብጹዕ ኣቡነ ቪቲሎ ዋና ጸሓፊ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ሽማግለ፥ “ልደት ዘእግዚእነ ናይ ለውሃት ሰውራ እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ነቕርበልኩም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ክውንነት ቀዳማይ ልደት ብርግጽ ካብቲ ሓደ ሓደ ግዜ እንሓስቦ “ዝተብለጭለጨ” ትርኢት ኣዚዩ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ፡ ምስቲ “መብራህትን ጥዑም ሙዚቃን ከምኡ እውን ማርያምን ዮሴፍን ኢየሱስን ብሉጽ ክዳን ለቢሶም ዘርኢ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ተገይሩ ዝቐርብ፡ ካብቲ ክውንነት ቀዳማይ ልደት ኣዚዩ ዝረሓቐ እዩ።” ነዚ ዝበሉ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓልይ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ሽማግለ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ሮበርት ቪቲሎ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ድሮ ምሸት በዓለ ልደት ቅድስቲ ስድራ ቤት ብምልእታ ህይወታ ብፍላይ ህይወት ሕጻን ኢየሱስ ብሄሮደስ ንሓደጋ ስለ ዝኣተወ ክስደዱ ከም እተገዱን እዚ ኸኣ ነቶም ናይ እዋንና ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህይወት የዘኻኽረና።
ኣብዚ እዋን እዚ ሎዕሊ 100 ሚሊዮን ዝግመቱ በስገዳድ ዝመዛበሉ ሰባት፡ ከምቲ ማርያምን ዮሴፍን ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ልደት ዘጋጠሞም ብድሆታት ዝመሳሰል፡ እዚ እውን እቲ ዘጋጥም ምንጻግን ጓና ምዃንን ዘሕደሮ ፍርሕን መዕቆቢ ዘይምህላዉን ኮታ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ዘይርጉጽነት ኵሉ ዘመላኽት እዩ፣
እታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዝተመዛበሉ ሰባት ዝቖመት ምንባራ ክንዝግዕ የብልናን። እቲ ዝተወልደ ሕጻን ንስልጣን ንጉስ ሓደጋ ተመሲሉ ምስ ተራእየ ድማ እታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ህይወት ሕጻን ኢየሱስ ንምድሓን ኣብ ግብጺ ምሉእ ስደተይና ኮነት። እቲ ዛንታ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግዜ ብ 100 ሚሊዮን ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዓለም ብዝነብሩ ዘለዎ ዝድገም ዘሎ እዩ። ከም ማርያምን ዮሴፍን ኢየሱስን ኩሉ ብድሆታት የጋጥሞም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኢየሱስ ዝተወልደላ ምሸት ልደት ዘእግዚእነ “ሰውራ ለውሃት” እንክብሉ ይገልጽዎ። እቲ ኩሉ መሓሪ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ወዱ ምስና ክነብር ገበረ። ንዘለኣለም ምስኡ ክንነብር ምእንታና ህይወቱ ብሕጻን ኢየሱስ ኣቢሉ ኣሕሊፉ ክህበና መጸ። ኣብዚ በዓለ ልደት ስደተይናታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝመዛበሉ ካብ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ዝደሓኑ ከምኡ እውን ሃገር ዘይብሎም ንኽኮኑ እተገዱ ብሓጎስ ተቐባልነት ኪረክቡ ክሕለዉ ክእለዪ ኣብ ዝኣትውሉ ማሕበረሰባት ምእንቲ ኪወሃሃዱ ሰውራ ለውሃትን ሓልዮትን ንምምጻእ ምስ ኩሎም ጽቡቕ ድላይ ዘለዎም ሰባት ንጸምበር” . . . “ኣብዛ ሎሚ ዝተገማምዐት ዓለም ኣጽዋር ኣቐሚጥና ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋታት ተጠቂምና ሓቀይናን ነባርን ሰላም ክንሃንጽ ምእንቲ ኩሉ ሰብ መሰረታዊ ድሌታት ህይወት ግቡእን ክብሩን ስራሕን መጽለሊ ትምህርቲ ጥዕና ከምኡ እውን እኹል መግብን ዘይንጽል ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ክርከብ ዝዓዩ ንኹን።
እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።