ድለ

ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም. መለኮታዊ ሕይወት ንኽልውጠና እንፈቕደሉ ይኹን! ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም. መለኮታዊ ሕይወት ንኽልውጠና እንፈቕደሉ ይኹን! 

ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም. መለኮታዊ ሕይወት ንኽልውጠና እንፈቕደሉ ይኹን!

ክርስቶስ ተወሊዱ እዩ። ብኣማኑኤል ኣምላኽ ምስና ንሕጐስ! እቲ መብጽዓ ተፈጺሙ እዩ። ብተኣማንነት እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክንሕጐስ ንክእል ኢና!

ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ብጽላሎት ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ዝጸልመተት ዓለም፡ እቲ ዝሓየለ ምልክትን መልእኽትን ተስፋ እዩ። ራዲዮ ቫቲካን ብምኽንያት በዓለ ልደት ናይ ሃይማኖት መራሕትን ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ሓላፍትን “ክርስቶስ ተወሊዱ!” እዩ ዝብል ሓይሊ ጥዑም ቃል ብስራት ኣማእኪሎም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ጸሚሩ ንሰማዕቲ ዘቕርብ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተሓርዩ ብጹዕ ኣቡነ ቲሞትይ ብሮሊዮ  ዘመሓላለፍዎ ናይ ልደት መልእኽቲ ነቕርበልኩም።

“ወንጌል ህያው እዩ” ኣብ ፍቕሪ እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክንዓቢን ነቲ ፍቕሪ ድማ ኣብ ሓልዮት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንገልጾን ይሓትተና” ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ብሮሊዮ “ብዛዕባ እቲ ንዅሉ ሓድሽ ዝገብር ንኻልኦት ወጺእና ክንነግሮ ይዕድመና” ከምኡ እውን “ኣብ ዩክረይን ሃይቲ ማእከላይ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣብቲ ኣልቦ ዘተ ዝኾነን ዝምድናታት ዘይተሓደሰሉን ኵሉ ሓቀይናን ነባርን ሰላም ክህሉ” ክንጽሊ የዘኻኽረና። ኣብዚ ብልደት ኢየሱስ እንሕጐሰሉ ወቕቲ “መለኮታዊ ህይወት ክቕይረና ንፍቀደሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሮሊዮ፥ በዓለ ልደት 2022 ዓ.ም.

ክርስቶስ ተወሊዱ እዩ። ብኣማኑኤል ኣምላኽ ምስና ንሕጐስ! እቲ መብጽዓ ተፈጺሙ እዩ። ብተኣማንነት እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክንሕጐስ ንክእል ኢና! እዚ በቢ ዓመቱ ዝበዓል ዓቢይ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዝተቐበልናዮ መለኮታዊ ህያባት ከም ንቡር ከይንወስዶ የዘኻኽረና። ዓሚ ኣብ ድሕሪ ለበዳ ዓለም፡ በዓለ ልደት ከመይ ከም ዘብዓልናዮ ንዝክር ኢና። ሎሚ ነገራት ዝያዳ እወታዊ ይመስል። ድሕሪ እዚ ኵነት እዚ ናብ ንቡር ዝብል ኣምር ተመሊስና እውን ንኸውን።  ይዅን እምበር ወንጌል ኩሉ ግዜ ህያው ኮይኑ ኣብ ፍቕሪ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክንዓቢን ነቲ ፍቕሪ ኣብ ሓልዮትናን ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እንገብሮ ሓልዮትን ጭቡጥ ርክብን ክንገልጾ ይሓትተና። እቶም ጓሶት ብስራት ልደት መሓድኒ ሰሚዖም ንህጻን ኢየሱስ ክረኽብዎ ብታህዋኽ ከዱ። ንዓና እቲ ቀዳማይ ትምህሪ ንሱ እዩ።

በዓለ ልደት ኣብ ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ከብዕሎ እየ ምኽንያት እዚ እውን ክፋል ናይቲ መጓሰ ንኽኸውን ናይ ዝተቀበልክዎ ሓዋርያዊ ሓላፍነት እዩ። ናይ ወተሃደራዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ምዃን ኣገልግሎተይ ዝሓትቶ እዩ። ኣብ ዩክረይን ሃይቲ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን በዓለ ልደት መልእኽቲ ሰላም ናይ ሰላም ንጉስ ክበጽሕ ምእንቲ ሰላምን ዘተን ዝምድናታትን ሓቀይና ነባሪ ሰላም ክርከብ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸሊ። ኣብ 2023 ዓ.ም. ጸገማትን ዘይምርድዳእን ብዘይ ኣጽዋር ኮፍ ቢልና ፍልልያትና ብዘተ ክንፈትሕ ኣካል ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዃንና እንምስክረሉ ክኸውን ተላብዮም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቲ ኣቢሎም ከም ዘዘኻኽሩና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎና ተወሊዱ ካብ ሓጢኣት ኣድሓነና ሓቀይና መገዲ ሕይወት ብምርኣይ ናብ ቀጻሊ ምልዋጥን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ይጽውዓና።

ብልደቱ ከም እንሕጐስ ኵሉ እዚ መለኮታዊ ህይወት ክልውጠና ንፍቀደሉ!

ርሑስ በዓለ ልደት እምነየልኵም!

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 Dec 2022, 15:20