ፒዛባላ፥ ወቕቲ ልደት 2022 ዓ.ም. ልደት ክርስቶስ ኣብ ዝምድናታትና ሓድሽ ብርሃን የምጽእ!
ልደት ኢየሱስ ኣብዛ ብጽላሎት ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ዝጸልመተት ዓለም እቲ ዝሓየለ ምልክትን መልእኽትን ተስፋ እዩ። በብዓመቱ ቫቲካን ረዲዮ መራሕት ሃይማኖትን መራሕቲ ክርቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዘመሓላልፍዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ፥ “ክርቶስ ተወልደ” ብዝብል ኣርእስቲ መደባት ዘመሓላልፍ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒዛባላ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ነቕርበልኵም፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ላቲናዊ ፓትሪያርክ ኣብ ናይ በዓለ ልደት 2022 ዓ.ም. መልእኽቶም፥ “ሕጂ እውን ናብዚ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ምድሓኒና ዝኾነ ህጻን ንጠምት፡ ካብኡ ድማ ሓይልን ትብዓትን ምሕረትን ፍቕርን ክንረክብ ኢና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት፥
ኣብዚ እዋን እዚ ዋላ ውን ንመጀመርታ ግዜ እንተዘይኮነ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዓመጽ ንዕዘብ ኣሎና። ብሓደ መዳይ ዓመጽ ቀንዲ ቋንቋ ኮይኑ ዘሎ ይመስል።
ዝምድናታትና ኵሉ ግዜ ኣዚዩ ከቢድን ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ዝምድናታት ክህልወና የጸግም ኣሎ። ዓመጽ፥ እቲ ኣብ መንጎና ኣብ መንጎ ህዝብታት ብፖለቲካ ብማሕበራዊ ደረጃ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ስድራናን ማሕበረሰባትናን እውን ምትእምማን ናይ ዘይምህላዉ ሳዕቤን እዩ።
መልእኽቲ በዓለ ልደት እምበርኣር፥ ኣብዚ ብዓመጽ ኣዚዩ ዝበታተኽ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ሕጻን ኢየሱስ ክርስቶስ ተበጃዊና ኣብ ዝምድናታትና ሓድሽ ብርሃንን ኣብ ቃላትን ቋንቋ ዓመጽን ዘይቆመ ሓድሽ ቅዲ ህይወት ኣምጺኡልና እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘይኮነስ ኣብ ምሕረን ርህራሄን ፍቕርን ዝጸንዐ ህይወት!
ስለዚ ብጹዕነቶም ዝመሓላለፍዎ ናይ በዓለ ልደት መልእኽቲ፥ ነዚ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ተበጃዊና መድሓኒና ህጻን ደጊምና ንጠምት፡ ዘለናሉ እዋን ኣዚዩ ከቢድ እውን እንተኾነ ካብኡ ሓይልን ትብዓትን ምሕረትን ፍቕርን ክንረክብ ኢና ቢሎም፥ “ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።