ካርዲናል ኣምቦንጎ፥ ኣብ ኮንጐ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ህዝቢ ክሳተፍ ይላበዉ
ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ ዜጋታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንገ ኣብቲ ዕለት 20 ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወዲቡ ኣብ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ንኸድምጹ ብዓንተውኡ ክምዝገቡ ኣተባቢዖም፡ ድምጺ ምሃብ ዜግነታዊ ግቡእን ዓቢ ናይ ሓላፍነት ተግባር እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንዕለት 20 ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ ግምት ብምእንታው ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ ዝሓለፈ ሰሉስ ሓደ ዓመት ቅድሚ እቲ ንኻክየድ እተወሰነ ሓፈሻዊ ምርጫ ዕለት 20 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ዜጋታት ናይ ምምርጻ መሰሎም ክጥቀሙ ናብ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዝከታተል ኣብይቲ ጽሕፈት ሽማግለ ብምኻድ ክምዝገቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣብታ ዕለት እቲኣ ብጹዕነቶም ከም እተመዝገቡን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥
ምምዝጋብ “ዜግነታዊ ግዴታ እዩ”
ብጹዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ሕዝባዊ ምርጫ ንህዝቢ ኮንጐ ኣብ ምሕደራ እታ ሃገር ሓቀይና ጽሩይ ለውጢ ንኽመጽእ ወትሩ ምንጪ ተስፋ ኮይኑ ዘኒሑ እዩ” ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ጽፉፍን ጽቡቕን ምርጫ ንሃገርናን ህዝብናን ሓድሽ ተስፋ ክኸፍት ይኽእል እዩ” ቢላ ስለ እትኣምን ወትሩ ኣብ ዜግነታውን ምርጫውን ሕንጸት ብምስታፍ ስልጠና ትህብ ኣብ ዝካየዱ ምርጫታት እውን ከም ተዓዛቢት ምርጫ ትሳተፍ” እንክብሉ ይገልጹ።
ንምርጫ ምምዝጋብ መሰረታዊ እዩ
ብጹዕነቶም ናይ ህዝቢ ንቕሓት ንምዕባይን ክምዝገቡን ዘተባብዕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምዕዳን መልእኽቲ፥
ናይ መራጺ መሰልካ ንምጥቓም ምምዝጋብ ንሽቶ ምልክት እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ምውሳን ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ዓቢይ ሳዕቤን ኣለዎ። ስለዚ ህዝባዊ ምርጫ ህዝቢ ናይ ምምራጽ ዜጋዊ መሰሉ ተጠቒሙ መንግስቲ ክመርጽ ዕድል ዝረኽበሉ ኣገባብ እዩ።
ከም ዝበሉን ኣስዒቦም እውን እቶም ሕጹያት ተመረጽቲ ዕቱባት ኮይኖም ነቲ ሕጂ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሳቀ ዘሎ ሃገርን ህዝብብ ጽቡቕ ማሕበራዊ ውጥናት ከቕርቡ ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም፥ “ፖለቲካ ስነ ምግባራዊ ውጥን እውን እዩ” ኢሎም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኮንጎ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንኮንጎ ደገፍ እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መሰረት ገይሮም ብጹዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ፥ “ክንየው ዝኾነ ሃይማኖትን እምነትን መላእ ህዝቢ ኮንጐ ንቕዱስነቶም ክቕበልን ከአንግድን ይጽበይ ኣሎ፡”ነቶም መምርሒ ንምርካብ ኣበይ ከም ዝጽግዑ ርግጸይናታት ዘይኮኑ ሰባት ኣብ መጻኢ እንደገና ምትእምማን ንኸሕድሩ ዘተባብዕ” ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ “ንኣና ኣብ ተስፋን እምነት ከጽንዑና እዮም” ኢሎም።
ንመጻኢ ብሓላፍነት ምድላው
ብጹዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሓድሽ ዓመት 2023 ዓ.ም. መሰረት ገይሮም ንደቂ ሃገሮም ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣንከመሓላልፉ፥ ህዝቢ ኮንጎ ዘጋጥሞ ዘሎ ኩነታት “ኣዚይ ጭንቀትን ስቓይን ጥምየትን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሰባት ናብ ጎደናታት ዝድርበይሉ ካብ ገዝኦምን ስርሖምን ዝስጎጉሉን ቅትለት ዝረኣየሉን እዩ” ይኹን እምበር ህዝቢ ተስፋ ከይቖርጽ መጻኢኡ ብሓላፍነት ከዳሉን ዓዲሞም፥ ዋላ ሰብኣዊ ድኻምነትና ይሃሉ ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሔር መገዱ ክሕብርና እዩ።”
መጠንቀቕታ ጸረ ምዝማት ናይ ቤተ ክርስቲያን መሬት
ካርዲናል ኣምቦንጎ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሃገረ ስብከታትን ሃይማኖታዊ ጉባኤታትን ምሬት ናይ ምዝማት ዝብል ዝንባለ ከም ዘሰክፎም ገሊጾም፡ ብፍላይ ኣብ ኪንሻሳ “ናይ ቤተ ክርስቲያን መሬት ንምዝማት ኮነ ቢሉ ዝዓዪ ጉጅለ ሃደንቲ” ከም ዘሎን እዚ ጒጅለ እዚ እውን ካብ ላዕለዎት ስልጣን መንግስትን ኣባይቲ ፍርድን ሓይሊ ምክልኻልን ብዝተዋጽኡ ኣካላት ዝቖመ ከም ዝኾነን ናይ ሓሶት መስካሪ ወርቐት ብምቕራብ መሬት ቤተ ክርስቲያን ይምንዝዑ ኣለዉ” እንክብሉ ሓቢሮም፡
ኣብ ዞባ ፉና ንህንጸት ባዚሊካን ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዮሓንስ መበል 23 ከምኡ እውን ናይ ኮንጎ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕንጻ ዝስርሓሉ መሬት ጉዳይ እውን ከም ዘተሓሳስቦም ገሊጾም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ተራ ዜጋታት እውን ዘጋጥማ ሃደን ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን ቢሎም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ዝተበጽሐ ማዕቅፍ ስምምዕ መሰረት ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ጸገም ናብ ሰበ ስልጣን ሃገር ከም ዘመሓላለፉን እቲ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ መምርሒ ይህብ ከም ዘሎ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ ዛዚሞም።