ድለ

2022.11.24 Prof. Susan Pascoe e Dr. Christina Kheng mentre partecipavano alla Conferenza Generale della 50.mo della FABC, 28 Ottobre 2022 2022.11.24 Prof. Susan Pascoe e Dr. Christina Kheng mentre partecipavano alla Conferenza Generale della 50.mo della FABC, 28 Ottobre 2022 

ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን! ልባዌ እምነት ምእመናን ምጽናዕን ምሓዝን!

ነቲ ንክልተ ዓመት ምስ መመላእታ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዘሎ ጒዕዞ ሲኖዶስ ንምቅላስ ዝተፈላለየ ምንቅስቃሳት ኣብ ዝግበረሉን ሕዝቢ እግዚአብሔር ድምጹ ንከስምዕ ዝጽዕረሉን ዘሎ እዋን ናይ ገሊኦም ተመኲሮ ንምስታፍን ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ምስ ገለ ኣብቲ ሥራሕ ዝተዋፈሩ ዝገበሮ ኣገባብ ሲኖዶስ ዝተኸተለ ቃለ መሕትት ክነቅርበልኩም።

ዜና ቫቲካን!

ካብታ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓም ብዕሊ ሲኖዶስ ንሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ቢሎም ዚኣወጅዎ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚመሃሩ ሕጻናት ጀሚርካ ክሳብ ካህናትን ኣቡናትን ነፍስወከፍ ነቲ ድምጺ ሕዝቢ ድምጺ እዝጊ ዝብል ምሳሌ ብምኽታል ሕዝቢ ብዛዕባ ቤተክርስትያኑ እንታይ ይብል ኣሎ! ሓቢርካ ንምጒዓዝ ዘድሊ መጋበሪታት ውህደት ኣብ ብዙሕነት በብባህሉን ኣከባቢኡን ምስቲ ክውን ዕለታዊ ናብራ ሕዝብን ምዕባሌ ማሕበረሰባውን ፖሎቲካውን ቊጠባውን ተክኒካውን ኣብ ግምት ብዘአትወ ኣገባብ ይንቀሳቀስ ከምዘሎ በብግዜኡ ጸብጻብ ይቀርብ እዩ። አዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዓመት እቲ ኣዋጅ ዝሓለፈ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2022 ዓም እንደገና ቅዱስነቶም እቲ ዓቢ ሲኖዶስ ኣብ ክልተ ክፍልታት ኪካየድ ምዃኑ እዚ ኸኣ ቀዳማይ ብደሓን የጽንሓን ብ2023 እቲ ካልኣይ ከኣ ብ2024 ክግበር ምዃኑ ምስ ኣዘዙ ቀንዲ ከምዚ መግበሪ ምኽንያት ከኣ ቤተክርስትያን ጽጹይ መመያ ንክትገብር ዚኣክል ግዜ ምእንቲ ክትረክብ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ። ስዒቡ ኣውን ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2022 ዓም ካብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ረኪበ ጳጳሳት ዝተዋጽኡ ጸራቦ ነቲ ኣብ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከበ ድምጽታት ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ኮንቲነንታል እስተይጅ ኦፍ ዘ ሲኖድ ዝብል ሰነድ ኣርቂቆም ንር.ሊ.ጳ ኣረኪቦም።

ዋና ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ ነዚ ካብ ቅዱስነቶም ተረኪቡ ብዕለት 28ን 29 ሕዳር ዚካየድ ናይ ኩለን ዓለምሓቆፍ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበራት መምስ ናይ ኣህጉሮም ዕማም ምትሕብባር ሓለፍቲ ክጋብኡ መደብ ሓንጺጹስ ድሮ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ምጅማሩ ብሓጋዚት ፕርፈሰ ሱዛን ፓስኮወ ኣባል ኮሚሽን ኣገባብ ሲኖዶስን ሓይሊ ዕማም ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ንጠቅላሊ ፈደረይሽን ረኪበ ጳጳሳት ኣህጉር ኤስያ ብዛዕባ ኣገባብ ሲኖዶስ መብርሂ ሂበን። ከማኡ እውን ኣባል ናይዚ ኮሚሽን ዝኾናን ኣብ ተቊዋም ምብራቅ ኤስያ ኣብ ክፍሊ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ኣባል ዝኾናን ዶክተር ክርስቲና ከንግ ብሓባር ናይቲ ኣህጉር ናይ ሥራሕ ሰነድ ንምስንዳው ይሰርሓ ከምዘለዋ እንክምልከት እቲ ጉባኤ ኣብ ፍራስካቲ ዝበሃል ጥቃ ከተማ ሮማ ይካየድ ምህላው ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና የመልክት።

ሲኖዳስውነት ብተግባር ክትመህሮ የድሊ!

ዶክተር ክሪስቲና ቀንዲ ዘሻቅለን ጉዳይ እቲ ብልማድ ኣመሃህራ ትምህርቲ ክርስቶስ ቁሩብ መልስታት ምሃብ ዚዓይነቱ ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይ ዘይቅኑዕ እናበልካ ናይ ምሕባር ልማድ ምዃኑ ገሊጸን። እንተኾነ ይብላ ዶክተር ክርስቲና ኣብዚ ከይዲ ሲኖዶስ እንመሃሮ ዓቢ ነገር ብሲኖዳሳውነት እናተጐዓዝካ ብተግባር ምርዳእ እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ዕድልካ ረኤ ዝብል ግምት ናይ እናተጋገኻን እናኣዓረኻን ናብ ምጒዓዝ ሓደጋ ኣሎ። እቲ ብላቲን ሰንሱስ ፊደኢ ፊደልዩም ዝበሃል ማለት ሕዝቢ እግዚኣብሔር፣ ብመንፈስ ሓቅን ጽድቅን ብዚጐሳጐስን፣ በኣኡ ዚንቀሳቐስን ልባዌ-እምነት ብትምህርቲ ንባበ መለኮት ዝተቀመጠልና ብምዃኑ እኳ ብዛዕባኡ ክንዛረብን ክንገልጾን ንኽኣል እምበር ሕጂ ንመጀመርያ ግዜ ኢና ብዓለምሓቈፍ ደረጃ ክነስፍሖን ክንመልኮን ንጽዕር ዘሎና። ነዚ ጽቡቅ ኣብነት ዝኾነና እቲ ቀዳማይ ጉባኤ ቤተክርስትያን ጉባኤ ኢየሩሳሌም ኣሎና። ሽሕ’ኳ ሽዑ እታ ቤተክርስትያን ምስ ናይ ሎሚ ኣነጻጺርካ ጸባብን ቁሩብ ዚኣባላታን እንተነበረት እቲ ኣገባብ ግን ነቲ ቀንዲ ሕመረት ልባዌ እምነት ሕዝበ እግዚአብሔር ንምምላኽ ንቃለስ ኣሎና። እቲ ከይዲ መዓት ሓርጐጽጐጽ ዘሎ እኳ እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ኣደናቂ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ሕዝቢ ግዜ ይወሰኽ ቢሉ ምስ ሓተተ ናብ ክልተ ክፍሊ ክሳብ 2024 ምንዋሑ ጥራይ ዘይኮነ ሕዝቢ ውራይ ቢሉ ይሳተፎን ይዋሳኣሉን ምህላው ፍልይ ዝበለ ይገብሮ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብወገን ሕዝቢ ዝወሃብ ግብረ መልሲ ቅድሚ ሕጂ ተገሩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ይፍጸም ኣሎ። ከም ሓቁ ከኣ ሲኖዶሳውነት ብተግባር ንመሃር ኣሎና እንክብላ ተመኩሮአን ገሊጸን።

ከም ሓደ ኰንካ ምስራሕ!

ተሓጋጋዚት ፕሮፈሰር ሱዛን ፓስኮወ እውን ካብ ናይ ዶክተር ክርስትና ብዘይፍለ መንገዲ ቀንዲ ዘደነቀን ሕዝበ እግዚአብሔር ብምሉኡ ምእመናንስ ይኹኑ ውሉደ ክህነት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ብማዕረ ኰፍ ቢልካ ከም ሓደ ኣካል ኰንካ ምስራሕ ከምቲ ዓለማዊ ቋንቋ ዝብሎ ኩሉ ልዕሎን ትሕቶን ተኣልዩ ማዕረ ጽፍሒ ይረኤ። ኣብ ፍራስካቲ ከባቢ ሮማ ተጋቢእና እንክንሰርሕ ማዕረ ማዕረ ኰፍ ቢልና ብክቢ ንዘራረብ። ከም ዓለማውያን ካብ ምሉእ ዓለም ተጸዊዕና ማዕረ ሊቃውንቲ ኰፍ ቢልና ምሳልና ክንህብ እንክንሕተት ብዓቢ ትሕትና ምስጋናና ንገልጽ። ናይዚ ጒዕዞ ፍራስካቲ ክንብሎ እንኽእል ጉባኤ ዚዓብየ ትዕድልቲ መንፈስ ጸሎት ዚዓሰሎ ኣስተንትኖ ክኸውን እንከሎ እዚ ከም ሓንቲ ሎሚ ዝቆመት ሓዳስ ቤተክርስትያን እንክካየድን ብሓባር መመያ እንክተካይድን ዓቢ ትዕድልቲ እዩ ኢለን።

ክልቲኤን ምኩራት ኣማኸርትን በሰል ናይ ተመኲሮን ኮይነን ኣብቲ ጉባኤ ምስታፈን ቤተክርስትያን በዚ ጒዕዞ እዚ ገቢራ ንኩሎም ምእመናና ዕዱማት ምዃኖምን ንክዛረቡ ሥልጣን ከምዝሃበትን ንምልከት እንክብላ ተተቀባቢለን ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ዝገበራኦ ቃለምልልስ እውን ሲኖዶሳዊ መልክዕ ከምዘልበሳኦ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
29 November 2022, 14:03