ድለ

፪ይ ሰንበት ዘአስትምህሮ (ዘቅድስት) (18 ኅዳር 2015 ዓ.ም. (11/27/2022)

መዝሙር፡ ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኮቴት. . . . . ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነብረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር።
ብድምጺ ንምክትታል!

“ክብርን ምስጋናን ንአምላኽና ይግባእ”

ንባባት፡ ፩ቆሮ 1፡3-9፤ 1ጴጥ 2፡17-ፍ፥ ግ.ሓ.10፡44-ፍ፥ ሉቃ 17፡11-19   ምስባክ፡ ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ መዝ. 135፡6።

አብ ዝሓለፈ ኃሙስ አብዚ ዘሎናዮ ሃገር Thanksgiving Day ኃሙስ መዓልቲ ምስጋና ኢሎም ንአምላኽ በቲ ዝገበረሎም ዘመስግኑላ ዕለት ዘኪሮም የብዕሉ። አጀማምርኡ ቀዳሞት ፈላስያን ካብ ኤሮጳ ዝመጽኡ አብዚ ሃገር ምስቶም ደቀባት ህንዳውያን ብዝብል ዝፍለጡ ብሓባር ነቲ ኹሉ ዝገበረሎም አምላኽ ዘመስገኑላ ዕለት እያ። ሎሚ ግን ንአምላኽ ዘመስግኑላ ዕለት ክትብላ ከቢድ እዩ ሰብ አብ ዓለማዊ ነገር አድሂቡ ዳርጋ መተአኻኸቢ ስድራ ቤተ ጥራሕ ኮይኑ አሎ። አምላኽ ዘመስግኑ ውሑዳት እዮም። እሞ ሎሚ ንአምላኽ ክነመስግን ግቡእ እዩ።

አብ ሃገርና እውን ሎሚ ድአ እቲ ክራማት ውሒዱ ሰላም ተሳኢኑ እምበር ቀውዒ ዝውድአሉ ታሕሣሥ ዝጅምረሉ ስለ ዝኾነ ሰብ ምህርቱ ሓፊሱ ንአምላኽ ዝዝክረሉ ካብቲ ከቢድ ሥራሕ ቀውዒ አዕሪፉ ተመስገን ዝብለሉ እዋን እዩ። ሰብ ንአምላኽ ከመስግን እንተ ኸአለ ርእዩ ክኢሉ አሎ ማለት እዩ። ንዝተገብረልና ርኢና ክነመስግን ግቡእ እዩ። አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ፍቕሩ ሓልዮቱ አርእዩና አሎ ሎሚ እውን ተመስገን ክንብሎ ይግባእ።

አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ክልተ ሰባት አብ ግራውቶም እናኸዱ እንከለዉ ሓደ ህጣራ ብዕራይ ጠኒኑ ክወቕዖም ክመጣላዕ ረአይዎ እሞ ቀልጢፎም አብቲ ጥቕኦም ዝነበረ ሓጹር እናጎየዩ ሃዲሞም። እቲ ብዕራይ ብሓይሉ እናጠሓረ ሰዓቦም እሞ ከምዘየምልጡ ምስ ረአዩ ሓደ ክብኦም ብፍርሒ እናአንቀጥቀጠ ዓው ኢሉ ዮሓንስ ጸሎት ግበር ክንድሕን ኢልዎ። ዮሓስን ዝተባህለ ከአ ክገብር አይክእልን እየ አብ ሕይወተይ ብሓባር ወይ አብ ቅድሚ ካልኦት ጸሎት ገረ አይፈልጥን እየ ኢሉ መለሰሉ። እናደፋፍኦ እቲ ብዕራይ የርከብና እዩ ዘሎ ክተግብር አሎካ በለ እቲ ካልአይ። ዮሓንስ ሕራይ በለ እናበለ አቦይ አብ መአዲ ክንቅረብ እንከሎና ኵሉ ጊዜ ዝደግማ ዝነበረ ጸሎት አላ ንአአ ክደግም እየ በሎ። ኦ ጎይታ ነዚ ክንቅበሎ ዘሎና ብሓቂ ከም እነመስግን ግበረና እናበለ ጸለየ ይብሃል።

ንባባትና አብ ምስጋና ዘተኮሩ እዮም፥ በዚ ኸአ ነፍሲወከፍና አመስገንቲ ክንከውን ከምዘሎና የዘኻኽሩና። እዚ ክንብል ከሎና ኩሉ ዘሎና፥ ኵሉ ህላዌና ብርእሱ ባዕልና ዘምጻእናዮ አይኮነን፥ ካብቲ ፈቃር አምላኽ ብነጻ ካብ ፍቕርን ሕያውነትን ተበጊሱ ዝሃበና እዩ።

ምምስጋን ቀንዲ ማእከል ድሕነት እዩ። ድሕነት ክንብል ከሎና ክልተ ክፍሊ አልኦ። ፩ያ ክፍሊ ወርቂ እቲ ፪ይ ክፍሊ ኸአ ነሓስ ክንብሎ ንኽእል። ወርቂ ክንብል ከሎና እቲ ክቡር ናይ አምላኽ ተግባር እዩ፥ ንሱ ኸአ ንኹሉ ዝግበር ጀማሪ ምንጪ እዩ ሓሓደ ጊዜ “ጸጋ ንብሎ”። አብ መጽሓፍ ሲራክ 5፡22-24 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ጀማሪ መበቆል ናይ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ከምዝኾነ ንርኢ። ነቲ አብ ኵሉ ቦታ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረን፥ ካብ ንውለድ ጀሚሩ ዘኽበረናን፥ ብምሕረቱ ዝናበየናን አምላኽ ኵሉ ፍጥረት አመስግንዎ (ሲራክ 50፡22) ይብል እሞ ነቲ ዝበለጸ ህያብ ይጠቅስ፥ እዚ ህያብ ንኹሉ ካልእ ህያባት ከም እንረክብ ይገብር። ቀጺሉ ኸአ አምላኽ ንሰባት ካብ መጀመርያ አብ ከርሲ እንኦም ከለዉ የኽብርና እሞ ከምቲ ድላዩ ኸአ ይቀርጸና ይብል።  አምላኽ ንዓለማት ፈጢሩ ፍጥረት ደቂ ሰብ እቲ ዝበለጸ ክፍሊ ዓለም ወይ ህዋ እዩ። አምላኽ አብ ዓለም ከም እንመጽእ ዝገበሮ ውሳኔን እሞ አብ ሓዲስ ልደት ክንረክብ ዝጸውዓና ጽሩይ ወርቂ እዩ። እዚ እቲ መጀመርታን ቀንዲ አድላይን ክፍሊ ድሕነትና እዩ። እቲ ፪ይ ክፍሊ ነሓስ እዩ። ከምቲ ቀዳማይ እኳ ክቡርን ዝበለጸን አይኹን እምበር አድላዪ እዩ። ንሱ ኸአ ግላዊ መልስና አብ ድሕነትና እዩ። ኵልና ብሕብረት ንአምላኽ ክነምስግን ንዅሉ ቀጺልካ እትህበኒ ፍቕርኻ አመስግነካ አሎኹ ንበሎ።

በረኽት አምላኽ ብዙሕን ደረት ዘይብሉን እዩ፥ ግን ዝዓበየ ህያብ አምላኽ ዝሃበና ህያብ እቲ ሓደ ወዱ ጎይታናን መድኃኒኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብእኡ ድሕነትን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝረኸብና እዩ። ቅ. ጳውሎስ አብ ዝተነበት መልእኽቱ አመስጊንካ ምኽአል ጥቕሚ ከምዘለዎ ይገልጽ። ፩ያ ነቲ ምስኡን አብ ነነድሕድናን ርክብ ክህልወና ዝጸወዓና አምላኽ ክነመስግኖ፥ ፪ይ ነተን ሓምሽተ ነገራት ብፍላይ አብቲ ጽሑፍ ተዋሂበናና ዘለዋ ክነመስግን ይግባእ። ጸጋ፥ ሃብቲ፥ መንፈሳዊ ውህበት፥ሕድገት፥ እሙን ምዃን፥ ልዕሊ ኹሉ ነዚ ነገራት ክነመስግን ይምሕጸነና። እቲ እንገልግሎ ሕያዋይ አምላኽ መድኃኒና እዩ፥ ንሱ ነፍሲወከፍና ክንድሕን ንሓቂ ክንፈልጥ ይደልየና።

አብ ወንጌል ሉቃስ ንሎሚ ዝተነበና ኢየሱስ ዓሰርተ ለምጻማት ከም ዘሕወየ ሰሚዕና። አብ ኩሎም ወንጌላውያን እንተ ረአና ወላ ሓደ ታሪኽ ናይ ዘየመስግን አይንርእን። ዓሰርተ ለምጻማት አብ ኢየሱስ ቀሪቦም ምሓረና እናበሉ ብልቦም ለሚኖሞ ኢየሱስ ንዅሎም አሕውይዎም። ካብቶም ዓሰርተ ካብቲ ሕማቕ ሕማም ካብ ሰብ ተፈልዮም ንበይኖም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ሓደ ጥራሕ ከም ዝሓወየ ምስ ፈለጠ ድምፁ ዓው አቢሉ ንአምላኽ እናአምስገነ ተመሊሱ። አብ ቅድሚ ኢየሱስ ተደፊኡ አመስጊንዎ። ኢየሱስ ብምግራም ከምዚ እናበለ ሓቲቱ ዝነጽሑ ዓሠርተ ደይኮኑን እቶም ትሽዓተ ደአ አበይ አለዉ፥ ብዘይካ እዚ ኻልእ ዝዓለቱስ ንአምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰዶ የልቦን? ነቲ አብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ዝነበረ ተንስእ እሞ ኪድ እምነትካ አሕውያትካ በሎ። ነዚ ለምጻም ዝገበሮ ከም አብነትና ገርና ክነመስግን አብ አምላኽ ንመለስ።

ምምስጋን ቀሊል ይመስል እንተኾነ ቀሊል አይኮነን፥ ካብቲ ከይነመስግን ዓጊቱ ሑዝና ዘሎ ክንወጽእ ጥራሕ አይኮነን ዝሓትት፥ ትሕትና ክንለብስ እውን ይሓትት እዩ። እዚ ናይ ወንጌል ታሪኽ ናይ እዞም ጠለምቲ ረሳዕቲ ለምጻመት ክነግር እንከሎ ንአና ዝሕብሮ ንሕና እውን ብቐሊል አብ ዘይምእማንን ክሕደትን ከንበጽሕ ከም እንኽእል እዩ። ምናልባት አካላዊ ሕማም ለምጺ አይንሳቐን ንኸውን እንተኾነ ንአምላኽን ንሰናይ ዝገበሩልና ብዘይምምስጋና መንፈሳዊ ለምጺ ከም ዘሎና እዩ ዝሕብር። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዘይምምስጋን፥ መንፈሳዊ ለምጺ ናይ ዘመና ሓባራዊ ኮይኑ ይርአ። ሓደ አብዚ ዓዲ ጽቡቕ ነገር ዘልኦም ንደቆም መጀመርያ ክልተ ነገር ይምህርዎም ንዝኾነ ነገር ክሓቱ ከለዉ በጃኻ ‘Please’ ክብሉን ከምኡ ንዝተገብረሎም የቐንየለይ Thank you ክብሉ። ዓበይቲ ግን ነቲ ኵሉ ዝሃበና አምላኽ ምምስጋን ንርስዖ ወይ ክነመስግን አይንደልን ገለ እዋን ከአ ነቲ ዝተገብረልና አይንርእዮን። ዘሕዝን እዩ ብዙሓት ንአምላኽን ነቲ ጽቡቕ ዝገበረሎም ከየመስገኑ ሱቕ ኢሎም ሓንቲ ከምዘይትገብረሎም ኮይኖም ክኸዱ ክትርኢ ከሎኻ።

መገዲ እምነት ግን ነቲ ዝተገብረልካ ምምስጋን አብኡ ኽአ ዝያዳ ክትውሃብ ከም እትክእል እዩ ዝነግረና። እቲ ዘመስገነ ለምጻም ንኢየሱስ ከመስግን ምስ ተመልሰ ዝያዳ ረኺቡ ድሕነት ተቐቢሉ። ተንሥእ እሞ ኪድ እምነትካ አውያትካ ተባሂሉ። ኢየሱስ አብ ሕይወትና አመስገንትን ሕጉሳትን ክንከውን እዩ ዝደሊ። አብ መወዳእታ ዝህበና ገዛእ ርእሱ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ እቶም ካልኦት ትሽዓተ ድአ አበይ አለዉ ኣናበለ ዝሓተተ።

ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ አብ አተሓሳስባና Copernican Revolution ክነተአታቱ አሎና። ክፔርኒኩስ ዝብሃል ብዛዕባ ከዋኽብቲ ዘጽንዐ ፖላንዳዊ ሊቕ እዩ፥ ንሱ ፀሓይ አብ ልዕሊ መሬት አይ ኮነትን እትዘውር መሬት እያ አብ ልዕሊ ፀሓይ እትዘውር ኢሉ አስተምሂሩ። ዘይምምስጋና ካብቲ ነገራት ካባና እዮም ዝወጽኡ ንሕና ኢና ንኹሉ እንገብር ኢልና ንአምላኽ አወጊና ንርእስና ማእከል ክንገብር ከሎና እዩ ዝመጽእ። አምላኽ አብ ዙርያና ከም ኩሉ ካልእ ነገራት ከም ዝዘውር ገርና ንሓስብ። እንተ ኾነ ንሓቂ ክንፈልጥ አሎና፥ አምላኽ ማእከልን ቀንዲ ነገርን ኮይኑ፥ ኵሉ ካብኡ እዪ ዝውሃበና፥ ነዚ ክንገብር እንተ ኸአልና ነመስግን አሎና ማለት እዩ።

ንአና ንአመንቲ ምምስጋን መዓልታዊ ግብሪ መልሲ እምነትና ክኸውን አለዎ። ንሓደ ውሉድ አምላኽ መዓልታዊ ሕይወቱ ክኸውን ይግባእ እምበር አብ ዓመት ሓደ ጊዜ እትገብሮ ወይ ምስ ጠዓመካ ጥራሕ እትገብሮ አይኮነን ክኸውን ዘለዎ። መዓልታዊ ካብ ልብና ዝነቐለ ንአምላኽ ክነመስግን ይግብአና።

ምምስጋና ምስተወሃብና፥ ዝርአ ነገራት ምስረኸብና፥ ዘይኮነ ካብ ልቢ ዝነቅል ብባህርና ከም ሓደ ድምጺ እንህቦ እንገብሮ ክኸውን አለዎ። ምምስጋን ከም ሓደ ጽላሎት ካብ ዋንኡ ክፍለ ዘይክእል ከምኡ ካብቲ አምላኽ ዝህበና በረኸትን ጸጋታትን ክፍለ የብሉን። ምምስጋን ከም ዕምባባ ኵሉ ጊዜ ክዓብን ክጽብቕን ይግባእ።

ምምስጋን ልዕሊ ቃላት ክኸውን ይግባእ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና አውንታዊ ናይ አእምሮ ኩነት አብ አምላኽ ዘተኮረ እሞ በቲ ዝተገብረ ምምስጋን እዩ። ከምቲ ሓደ ዝበሎ ምምስጋን ጽቡቕ እዩ ግን አብ ምስጋና ምንባር ዝበለጸ እዩ። 

አብ መወዳእታ ምምስጋን አብ ፍሉይ እዋን ጥራሕ ዝገበር ዘይኮነ ኩሉ ጊዜ ክነመስግን ግቡእ እዩ። ንርእስና ናይ ቅዱስ ቍርባን ሰባት ንብሃል እዚ ካብ ግሪኽ ዝተወስደ ቍርባን ዝብል ቃል ምስጋና ማለት እዩ። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን እንገብሮ ጸሎተ አኮቴት ናይ ምስጋና ጸሎት ንብሎ። አብ ቅዳሴ እንገብሮ ንአምላኽ ናይ ምስጋና መስዋዕቲ ነቕርበሉ። አብዚ ናይ ሎሚ መስዋዕትና እምብአር ነቲ ውሃብ ኵሉ ጸጋታት ዝኾነ አምላኽ አመስገንቲ ክንከውን ጸጋኻ ሃበና ንበሎ። ነቲ ኹሉ ዕለት ዕለት ዝህበና አምላኽ እናአምስገና ከምኡ አብ ገለ እዋን ንዝጓነፈና ፈተናን ክብደት ናብራን ርክባት ምስ ሰባትን ተመስገን ኢልና ክንክእል።

ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ አንቢርና ፍቓድካ ይኩን ክንብል እምበር ከይነንጸርጽር። ፈተና ክመጽአና ከሎ አምላኽ ስለ ዝጸልአና አይኮነን ብዝያዳ ክንብርትዕ ነቲ ጸጋኡ ብዝያዳ ክንልምን እሞ ምስኡ እሙናት ክንከውን ምእንቲ እዩ።

ኦ አምላኽ በቲ ኵሉ ዝሃብካንን እትህበኒ ዘሎኻ አመስግነካ አሎኹ እናበልና ንአምላኽና እምነትና ንግለጸሉ። ዘመስግን ዝርኢ እዩ እሞ ንፍቕርን ሓልዮትን አምላኽ ርኢና ንኽአል።ንኹሉ ዝሃብካና ተመስገን እናበልና ናይ አምላኽ ሰብን አመስገንትን ንኹን።

 

ነዚ የብቅዓና ብሩኽ ሰንበት 

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

 

 

 

26 November 2022, 17:15