፩ ሰንበት ዘአስተምህሮ ኅዳር 11 2015 ዓ.ም. (11/20/2022)
ንባባት፡ሮሜ፡ 5፡10-ፍ፤ 1ዮሓ 2፡1-18፤ ግ.ሓ. 22፡1-12፥ ሉቃስ 11፡1-13ኦኦ። ምስባክ፡ እትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ። ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና። መዝ 79፡8 ( ቅዳሴ ዘእግዚእነ፤ ነአኩተከ)።
ካብ ኅዳር 7 ክሳብ 7 ታሕሣሥ ወይ 13 ዘሎ ጊዜ ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ አብ ቀዳማይ ሶምን ናይ አምላኽ ሕያውነት፥ ትዕግስቲ፥ ክብርን ምስጋናን ነቕርብ። ሎሚ ቀዳማይ ሰንበት ዘአስተምህሮ ዘኪርና አሎና። ዘአስተምህሮ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። አብዚ ሓምሽተ ሰናብቲ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕን ክነስተንትን የዘኻኽረና።አበሳና አይዘከረን (ዘኽታማት ክንከውን አይሓደገናን) ክንጠፍእ አይሓደገናን፥ ሕያዋይ እግዚአብሔር፥ ሙሴ ንህዝቢ ሰንበት ብሓቂ ከኽብሩ አዘዞም እናበለ መዝሙር ናይ ሎሚ ናይ አምላኽ ቅሩቡነት ንደቂ ሰባት ይነግረና። ኢየሱስ ንደቂ ሰባት ቃል ሃይማኖት የስምዖም ነበረ፥ ኩሉ መገዲ ድሕነት ነገሮም፥ ኮይኑ ግን ሰባት ልቦም አይከፈቱሉን ርሓቕዎ፥ እኳ ድአ አብ መጨረሽታ ቀተልዎ። ሎሚ ነፍስ ወከፍና ተቐበልቲ ቃል አምላኽ ክንከውን ዕዱማት ኢና። ንመገዲ አምላኽ ክንፈልጥ እሞ አብ ጉዕዞ ድሕነት ክንጸንዕ።
ቅዱስ ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ መልእኽቱ ናብ ሰብ ሮማ፥ ቅድሚ ውድቀት አዳም ዝነበረ ርክብን ድሕሪ ውድቀት ዝሰዓበን ብምንጽጻር ይገልጽ። እቲ ቀዳማይ ርክብ ብሰንኪ ዘይምእዛዝ ቀዳማይ ሰብ ጠፊኡ። እንተኾነ ብምእዛዝ ክርስቶስ እቲ ርክብ ተሓዲሱ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ደቂ ሰብ አብ ክርስቶስ እምነት ንዘልኦም ክፉት ኮይኑ። ናይ ቀዳማይ አዳም ምቁራጽ ርክብ ኃጢአት ይብሎ ጳውሎስ። አብዚ ብዛዕባ ናይ ግሊ ወይ ናይ ሓደ ሰብ ኃጢአት አይኮነን ዝዛረብ ዘሎ እንታይ ድአ ንኹሎም ደቂ ሰብ ብሰንኪ ዘይምእዛዝ አዳም ምስ አምላኽ ዘልኦም ርክብ እዩ ዝገልጽ (ዘጽ 1-3)። ንጳውሎስ ናይ ኣዳም ዘይምእዛዝ ውድቀት ናይ ሰብ ማዕረ አምላኽ ክትከውን ምድላይ እዩ። እንቶኾነ ጸጋ አምላኽን ውህበት ክርስቶስን ነቲ ናይ አዳም ውድቀት ይዓዞ። ነቲ ኩሉ ኣዳም ዘገበሮ ንኹልና አምላኽ ብክርስቶስ ልዕሊ ተሓድሶ ገርዎ። ጳውሎስ ብዛዕባ ብጸጋ ክርስቶስ ዝተረኸበ ድሕነት ኩልና ይዛረብ።
አብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ኣዳም ኃጢአት ይዛረብ እዚ ኸአ ሰብ ብምዃና እንወርሶ እዩ ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከመይ ኢሉ ከምዝመሓላለፍ አይገልጾን። ቅዱስ አጎስጢኖስ እዩ ክገልጾ ዝጀመረ። ነዚ ብዝያዳ ክንገልጾ እንተኾና ንሕና ዝወረስናዮ ኩነት ወይ ድሕሪ ውድቀት ዝነበረ ኩነታት ኢና ወሪስና እቲ ናይ መጀመርታ ዝተቐየረ ኩነት ኢና ተቐቢልና። ብዝያዳ ብዛዕባ ዝንባሌ ወይ ከባቢ እዩ ካብ ግብሪ ወይ ፍጻሜ። እዚ ንነፍስወከፍ ሰብ አብ ውሽጡ ዝርከብ ስምዒት አምላኽ ምምሳል ዝብል እዩ። እዚ እዩ ኩልና ደቂ ሰብ እንወርሶ። አብ ኩልና አምላኽ ክንመስል ዝድርኸና ስምዒት አሎ ነዚ ኢና ካብቲ ቀዳማይ ሰብ ዝወረስናዮ።
ዓለምና ከባቢና እንተረኤና ኩሉ ጸገም ንርኢ ዝተፈላለየ ሕማም፥ ውግእ፥ ጥልመት፥ ሰብ ክተጽንት ኢልካ ናይ ዓለታዊ ውግእ ምልዓል፥ ቁጠባዊ ምዝመዛን ውድቀትን፥ ዓለትነት፥ ጽንሲ ምስዳድ፥ ኩሉ ዝሕብሮ ተፈጥሮና ብሰንኪ ካብ አምላኽ ዘቋረጾ ኩሉ ተደናጊርዎ አሎ። ዕለት ዕለት አብ ዜና ወይ እንተርነት እንተ ረኤና ዘጨንቐና ነገራት ንርኢ። ዓለምና መልሲ ክትርኢ ትደሊ እንተኾነ ቅዱስ ጳውሎስ መልሲ ይህበና ወላእኳ ሞትን ኃጢኣትን ይብዛሕ ጸጋ አምላኽ ካብ ኩሉ ይዓቢ ይብለና። ንሕና ነዚ ክንገጥሞ ትሑዛት ኢና። አብ ሞንጎና ዘሎ ናይ ክርስቶስ ዘይኮነ መንፈስ ክንስዕሮ ትሑዛት ኢና። ናይ ኩሉ ጸገም መፍትሒ አብ ክርስቶስ እዩ።
መልእኽቲ ዮሓንስ መልሲ ይህበና። ኃጢአት እኳ እንተገበርና አብ ቅድሚ አምላኽ ዝጣባቐልና አሎና። ንሱ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ይብለና። ንሱ ምእንቲ ኃጢአት ኩሉ ዓለም በጃ ኮነ። ንአምላኽ ከምእንፈልጦ መለለይና ትእዛዛት አምላኽ እንተ ሓሎና እዩ። አነ እፈልጦ እየ እንተበለ ግን ትእዛዛት ዘይሕሉ እንተኾነ ንሱ ሓሳዊ እዩ። ምስ አምላኽ ርክብ ክህልወና ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ክነብር እንከሎና ጥራሕ እዩ። አብ ክርስቶስ ኢና ትርጉም ሕይወትና እንረክብ።
ጸልማት ኃሊፋ እዩ ብርሃን ሓቂ ድሮ የብርህ አሎ፥ አብ ብርሃን አሎኹ እናበለ ንሓዉ/ሓፍቱ ዝጸልእ ገና አብ ጸልማት አሎ፥ እቲ ንሓዉ ዘፍቅር አብ ብርሃን እዩ ዚነብር። እቲ ንሓዉ ዝጸልእ ግና አብ ጸልማት እዩ ዘሎ አብ ጸልማት እውን ይነብር፥ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕውሮ ድማ ናበይ ከምዝኸይድ አይፈልጥን እዩ። ዑረት ሕልና ዝበአሳ ሓጢአት እዩ።
ምስ ሓውና ሓፍትና ዘሎና ርክብ አብ ድሕነትና ወሳኒ ተራ አልኦ። አብዚ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ። ምስ ሰብ ከመሎኹ ሰላም አሎኒዶ፥ እምሕርዶ፥ ሰናይ ናይ ሰባት እደሊዶ፥ ከመይ እየ አነ ንነፍሰይ ከመይ እርእያ፥ ኢልና ሕልናና ክንሓትት እዋኑ እዩ። ከምዚ ዝገብር አብ መንበር ንስሓ ክአቱ እይከብዶን እዩ፥ ሰባት ዕርቂ ይአብዩ ምኽንያቱ አብ ልቦም ስለ ዘይአትዉ ብግዳማዊ መልክዕ ጥራሕ ሰላማውያን ክኾኑ ይደልዩ እዚ ግን ምትላላ እዩ። አሕዋተይ አብ መንበረ ኑዛዜ አቲና ንአምላኽ ንርከቦ ምሕረትካ ሃበኒ ንበሎ ሽዑ ንጸልማት ብብርሃን ክንትክኦ ኢና። ሎሚ እምብአር መስትያት ሕልናና ንርኤ እሞ ንአምላኽን ሓውናን/ሓፍትናን ንተዓረቆም።
ወንጌል ምስ አምላኽን ሰብን ክህልወና ዝግብኦ ርክብ ይገልጸልና፥ አፍአዊ ክርስትና ምዉት እዩ ብፍሉይ ጸሎትና አብ ቤት አምላኽ ምምጻእና ግዳማዊ ምስ ዝኸውን ክሳራ እዩ ምኽንያቱ ምስ አምላክ ርክብ አይፈጥረልናን እዩ። ንአምላኽ ምሳኻ አሎኹ እናበልና ካልእ ንገብር። ዝገደደ እዚ ከም ልምዲ ክንሕዞ ከሎና መንሽሮ መንፈስ እዩ ብኸምዚ ዝተሸነፈ ልቢ ክቕየር ብዙሕ ጻዕሪ ተጋድሎ፥ ጾም፥ ንስሓ የድልዮ። እሞ ሎሚ አነ ንአምላኸይ ብኸመይ ቀሪበዮ አሎኹ። ክርስትናይ፥ ጸሎተይ፥ ኩሉ ርክብ ምስ አምላኸይን ሰብን ከመሎ ክንብል ገቡእ እዩ። ናይ ሕልና መርመራ የድልየና።
ኩሉ ክሰልጠኩም ኢሉ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ጸሎት አስተምሂሩና። ንሰማይዊ ፈጣሪና አቦ ክንብሎ፥ ፍቃድና ምስ ፍቓዱ ክነወሃህድ፥ ናይ ዕለት እንገራና አብ ኢዱ ክንገብር፥ እዚ ኹሉ ምስ ገበርና መጀመርያ ንዝበደሉና ክንሓድገሎም ድሕሪኡ ንዝበደልናዮም ክንዕረቕ አስተምሂሩና ምኽሪ አይኮነነ እንታይ ድአ እንኽተሎ ጉዕዞ እዩ። እንረኽቦ ምሕረት ምስቲ እንገብሮ ምሕረት ዝተተሓሓዘ እዩ። ክትምሓር ክትምሕር ይግባእ። እዚ ንብዙሓት ይኸብደና እዩ። አብቲ ዝተቐየመ ልቢ ክንነብር ንደሊ ክንምሕር የጽግመና እዚ ግን ናይ ክርስቶስ አይኮነነ። አብ መስቀል እና ሞተ እንከሎ ትርጉም ምሕረት ምሂሩና እዩ።
ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ናይ ማርያም አብ እግሩ ኮፍ ኢላ ምስስምዓ ዝበለጸ ምዃኑ ድሕሪ ገሊጹ ብዛዕባ ጸሎት ክነግር ዝበለጸ ምዃኑ ይነግር። ወንጌል ሉቃስ ወንጌል ጸሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ ምኽንያቱ አብዚ ወንጌል እዩ ብዝያዳ ኢየሱስ ብፍላይ ንዓበይቲ ነገራት ቅድሚ ምግባሩ ጸሎት ይገብር ከም ዝነበረ ይነግረና። ንአብነት አብ ጊዜ ጥምቀቱ፥ ንሓዋርያት ቅድሚ ምሕራዩ፥ አብ ጌተሰማኒን ቅድሚ ሕማማቱ ክጽሊ ንርእዮ። ጸሎት ምስ አምላኽ ጥቡቕ ርክብ ምግባር እዩ።
ሓዋርያት መምህሮም ክጽሊ ምስ ረአይዎ ከመይ ኢሎም ክጽልዩ ከም ዘልኦም ምሃረና ኢሎሞ እምበር ገለጸሎታት ክንደግም ወይ ክንብል አይበልዎን። ነዚ ክምልስ ኢሉ ነዚ ኩሉ ጊዜ እንደግሞ አቦና አብ ሰማይ እትነብር ዝብል ምሂርዎም። እዚ ጸሎት ህድእ ኢልና እንተ ደገምናዮ ብዛዕባ እንታይ ክንጺሊ ከምዘሎና ዘስተምህር እዩ። ንነፍሲ ወከፍ አርእስቲ ንበይና ክነስተንትን ንኽእል። ከምኡ ገርና እንተ ወሰድናዮ ብሓቂ በዳህን ወጣርን ጸሎት እዩ።
ኢየሱስ ጸሎት ምስ መሃር ሓደ ትርጉም ዘልኦ ምሳሌ ነጊርዎም። ሓደ እንፈትዎ ሰብ ብለይቲ መጺኡ እንጌራ ክንህቦ እንተ ለመነና ከምዘይንኸልኦ ከመይ ኢሉ ሰማያዊ አቦና እንተ ለመናዮ ክኸልአና ይኽእል። ስለዚ ለምኑ ኽውሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም ማዕጾውን ኳሕኳሕ አብሉ ክኽፈተልኩም እዩ እናበለ አፍደገ ምሕረት አምላኽ ኩሉ ጊዜ ክፉት ከም ዝኾነ ይነግረና። አብ አምላኽ ቀሪብና ልብና ንኽፈተሉ ድላይና ክህበና።
አብዚ ፩ይ ሰንበት ዘዝስተምህሮ እምብአር ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክንሓስብ እሞ አብቲ ሓቀኛ መልክዑ ተመሊስና ንሰባት በቲ አምላኽ ዝደልዮ መንገዲ ክንቀርቦም አብ መንጎ ደኺምና እንተ በደልና ምሕረት ክንሓትት፥ ጸሎትና ግዳማዊ ከይከውን፥ ፍቕሪ፥ ምሕረት፥ አብ መገዲ ብርሃን ከም ዝመርሓና ዘኪርና ልብና ንአምላኽ ክምህረና ክምሕረና ዘመና ክቕይረልና ንለምኖ።
ኩልና አብ መገዲ አምላኽ ተረኺብና ፍጹም ሓጎስ ምእንቲ ክንረክብ ንተንስእ ንአምላኽ አብ መንጎና ንቀበሎ። ነዚ ንምልባስ ጸግኡ አይፈለየና።
ብሩኽ ሰንበት።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ