ድለ

2022.11.08 I rifugiati eritrei nel centro di Shegrab, costruzione cappella e benedizione del vescovo del Sudan 2022.11.08 I rifugiati eritrei nel centro di Shegrab, costruzione cappella e benedizione del vescovo del Sudan 

ጽንብል ሓዳስ ቤተ መቕደስ ደብረ ኪዳነ ምሕረት መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ሱዳን

ድርብ በዓል ኣብ ቁምስና ደብረ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ከሰላ ሱዳን - ሊቐ ጳጳስ ኣቡነ ማይክል ዲዲ ሰበኻ ካርቱም ንቡራኬ ሓዳስ ቤተ መቕደስን ንሕናጻት ምስጢረ ሜሮን ንምቕባእን ብምኽንያተ ሓውጾተ ኖላዊ ኣብ ሓልፋ ቁምስና ኢየሱስ ንጉስ ኣብ መንጎ ም እመናንን ስደተኛታት ሸገራብን ዝገበርዎ ሓጺር ጸብጻብ እነሆ፤
ብድምጺ ንምክትታል!

ብዕለት 07-10-2022 ካብ ከሰላ ሱዳን ንጽንበል ሓዳስ ቤተ መቅደስ ደብረ ኪዳነ ምሕረት መድብ ንምግባር ኣባ ገብራይ ብእደማርያም፣ ኣባ ሰሎሞን ነጋ፣ ኣባ ሉቺያኖ (ሱዳናዊ)፣ ከምእ ከኣ ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይን ኣባ ካርሎ (ሱዳናዊ) ከብ ካርቱም ዝመጹን ክልተ ካብ ቤት ምክሪ ምእመናን ከሰላ ሱዳናውያንን ስዓት 8፣00 ቅ ቀ ጉዕዞና ናብ ሸገራብ ጀመርና፣  ስዓት 11፣00 ቅ ቀ ሸገራብ መዓስከር ስደተኛታት በጻሕና፣፣

ውቅብቲ ቤተ ክርስትያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ሸገራብ
ውቅብቲ ቤተ ክርስትያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ሸገራብ
መንእሰያት ታሕጓሶም እንክገልጹ
መንእሰያት ታሕጓሶም እንክገልጹ

ምእመናን ብዕልልታን ከበሮን  ደርፍን እንቋዕ ድሓን መጻኹም በሉና፣፣ ድሕሪ ቅሩብ ዕረፍቲ መድብ ቡን ምስታይን ምሳሕን ገበርና፣፣

ያሬዳውያን መዘምራን
ያሬዳውያን መዘምራን

ድሕሪ ምሳሕ ናብቲ ተዳሉዩ ዝነበረ መዕረፊ ገዛ ከነዕርፍ ከድና፣፣ በቲ ወጺኡ ዝነብረ መደብ መዘምራን ያሪዳውያን ስዓት 4፣00 ድ ቀ ዋዜማ ኪጅምሩ እንከለዉ ሰለስተ ካህናት (ኣባ ገብራይ ኣባ ሰሎሞን፣ ኣባ ስብሓቱ) ኣብ ምስጢረ ንስሓ (ኑዛዜ) ተጸምዱ፣፣

ስደተኛታት ሸገራብ ንጓሶቶም እንክቅበሉ
ስደተኛታት ሸገራብ ንጓሶቶም እንክቅበሉ

ስዓት 6፣30 ዋዜማን ኑዛዜ ምስ ተፈጸመ፣፣ ካብ ስዓት 7፣00 – 9፣30፣ ኮንሰርት መዝሙርን ብቋብቋታት ትግርኛ ብሌንን ኩናማን ድራማን ባሕላዊ ሳዕስዒትን ግጥምን ብሓቂ ንባህልና ዘንጸባርቕ ልቢ ዝማርኽ ሃዋሁ ቀረበ፣፣ ኣብ ቦት ስደት ኮንካ ከምዚ ክትገብር ተኣምር ኢዩ፣፣ ንመንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብልቢ ነመስግን፣፣

መንእሰያት ዝተፈላለየ ግጥምታትን ዜማታትን እንከቅርቡ
መንእሰያት ዝተፈላለየ ግጥምታትን ዜማታትን እንከቅርቡ

ንጽባሒቱ 08-10-2022 ሊቐ ጳጳስ ኣቡነ ማይክል ዲዲ ሰበኻ ካርቱም ንቡራኬ ሓዳስ ቤተ መቕደስን ንሕናጻት ምስጢረ ሜሮን ንምቕባእን ብምኽንያተ ሓውጾተ ኖላዊ ኣብ ሓልፋ ቁምስና ኢየሱስ ንጉስ የካይዱ ስለዝነበረ ስዓት 10፣30 ቅ ቀ ኣብ ሸገራብ በጽሑ፣፣ ኣባ ሰሎሞን ምስ ምእመናን ኣብ ቅድሚ ቤተ መቅደስ ዘሎ ጎልጎል ይጽበዩ ነበሩ፣ ካብ ማኪና ምስ ወረዱ መስቀል ኣሳለዎም፣፣

ብፁዕነቶም መስቀል ተሳሊሞም ናብ ስደተኛታት እንከምርሑ
ብፁዕነቶም መስቀል ተሳሊሞም ናብ ስደተኛታት እንከምርሑ

ብመዘምራንን ባህላዊ ሳዕስዒት ብሄረ ብሌንን ኩናማን ተዓጂቦም ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታ ንቁሩብ ደቓይቕ ምስ ኣዕረፉ ልብሰተ ተክህኖ ስርዕተ ግዕዝ ለቢሶም ነቲ ኣብ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሪባን ብመቀስ ምስ ቆረጽዎ ክልተ ሕጻና እንቋዕ ድሓን መጻኹም ብምባል ዕንበባ ኣወፈያሎም፣፣

ስደተኛታ ብከበሮን ደበላን ጓሶቶም እንክቅበሉ
ስደተኛታ ብከበሮን ደበላን ጓሶቶም እንክቅበሉ

በዚ ከኣ ብራኬ ሓዳስ ቤተ መቅደስ ተጀመረ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ምስ ባረኹ ናብ ደገ ብምውጻ ኩሉ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ምእመናን ብማይ ጸሎት በረኹዎ፣፣

ብውሽጣን ብደገኣን ዝተባረኸት ሓዳስ ቤተክርስትያን
ብውሽጣን ብደገኣን ዝተባረኸት ሓዳስ ቤተክርስትያን

ድሕሪ’ዚ መስዋዕቲ  ምስ ሊቀ ጳጳስ 6ተ ካህናት ሓቢሮም ቅዳሴ ተጀመረ፣፣

ምእመናን ሸገራብ ኣብ ቤተመቅደስ ኪዳነምሕረት
ምእመናን ሸገራብ ኣብ ቤተመቅደስ ኪዳነምሕረት

ወንጌል ምስ ተነበ፣ ኣባ ገብርይ እንቋዕ ድሓን መጻኹም ዝብል ሓጺል ቃል ምስ ኣስምዕ፣ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ኣሕጽር ኣቢሎም ቃል ኣምላኽ ኣስምዑ፣፣ ድሕሪ’ዚ ናብ ስርዓት ቅብኣተ ሜሮን ኣቶና፣ 38 ዓበይትን  ሕጻናትን ሜሮን ተቀብኡ፣፣

ጓሶት ምስ መጓሰኦም
ጓሶት ምስ መጓሰኦም

ድሕሪ መስዋዕቲ ቅዳሴ ናብቲ ተመዲቡ ዝነበረ መደብ ኣምራሕና፣፣ ብመጀምርያ ሕዝቢ ነቲ ጥዑም ሽሻይ ተዳሊዩ ዝነበረ እክለ ማይ ተመገበ፣፣ ድሕቲኡ ሕጽር ዝበለ ግጥምን መዝሙርን ባህላዊ ደርፍታት ብቋንታት ትግርኛን ብሌንን ኩናማ ኣትረቡ፣፣ ኣብ መንጎ መደብ ሊቀ ጳጳስ ኣባታዊ ምኽሮም ሂቦም ናብ ሓልፋ ተበገሱ፣፣ ኣብ መወዳእታ ኣባ ገብራይን ኣባ ሰሎሞንን ሕጽር ዝበለ ናይ ምስጋና ቃሎም ኣስምዑ፣፣ ብጸሎትን ቡራኬን ከኣ መደብና፣ ስዓት 6፣00 ድ ቀ ብጸጋ ጎ ኢ ክርስቶስን ብኣማላድነት ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን ብሰላም ተዛዘመ፣፣

መሥዋዕተ ቅዳሴ
መሥዋዕተ ቅዳሴ

ቤተ መቕደስ ደብረ ኪዳነ ምሕረት መዓስከር ስደተኛታት ነውሕን ጽንኩሩን ታሪኽ ዘለዎ ቦታ ኢዩ፣፣ ሎሚ ግን ካብ 2018 ጀሚሩ ብብዝሒ መንእሰያት ካብ  ከተማ ካርቱም ኪውሕዝ ዝጀመረሉ ሓጺር ህያው ምስክር ኢና ከነቅርብ፣፣

1.            ንእሽተይ ገዛ ዝነበረት ቤተ መቅደስ፣ ብቴንዳ (ራኹባ) 8 X 13 ማትሮ ተቀየረት

2.            ብዚንጎ ቀጽሪ መከባብያ ቤተ መቕደስ  ተገብረ

3.            ገዛ ቆሞስ ወይ መምሃሪ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ዓይኒ ምድሪን ንእሽተይ ባዓቲ ማርያም ተሰርሐ

4.            ብዝሒ መንእሰያት እናቀጸለ ስለዝኸደ፣ ነታ ዝነበረት ራኩባ ኣፍሪስና ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ቤተ መቕደስ  ብመንደቅን ብዚንጎን ክንሰርሕ በቒዕና፣፣

ነዚ ኩሉ ክንገብር ብገንዘብን ሓሳባትን ሞራልን ዝሓገዙና

·      ነ/ወ መንእሰይ ኣብ ሸገራብ ዝነብር ከብዱ ገዲፉ ካብ ዕለታዊ ምግቡ ዘወፈየልና

·      ብወከልቲ ዓድታት ዝተገብረ ዝነኣድ ምትሕብባር ኣብ ሸገራብን ካርቱምን

·      ቁምስና ደብረ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ካርቱም ስርዓት ግዕዝ

·      ስሞም ኪግለጸሎም ዘይደልዩ ገበርቲ ሰናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተረክበ ሓገዝ ኢዩ፣፣

  ስለዚ ንኩላትኩም ብገንዘብን ምራልን ዝሓገዝኩምናን ዘተባባዕኩምናን ኣጀኹም ዝበልኩምናን ካብ ዝዓበኩም ክሳብ ዝነኣስኩም፣ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ምስ ፍቑር ወዳ ሓሳባት ልብኹም ተስምረልኩም፣፣ እትምነይዎን ሃረር እትብልዋን ድላይኩም ትፈጽመልኩም፣፣ ቤተ መቅደስና ተጀሚራ ደኣ እምበር ኣይተወደኤትን ብዙሕ መደባት ኣሎና፣፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ፣ ሎሚ’ውን ኢደይ ኢድካ ኢልኩም ክትሕጉዙና ሰብ ዓቢ ተስፋ ኢና፣፣

ለ. 10-10-2022 ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዳኒኤል ካምቦኒ ብክብ ዝበለ ዓጀባ ኣብ ቁምስና ደብረ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ተባዕሉ፣፣ ብጹዕ ሊቀ ጳጳስ ማይክል ዲዲ ካብ ንግሆ ካብ ሓልፋ ተበጊሶም ስዓት 8፣30 ቅ ቀ ናብ ከተማ ከሰላ ኣተዉ፣፣ ምእመናን ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ብኩናማን ዓረብን ዝተሰነየ መዝሙር ኣቀባባል ገበርሎም፣፣ ስዓት 11፣00 ቅ.ቀ. መስዋዕቲ ቅዳሴ ብሊቀ ጳጳስ ማይል ዲዲ መሪሕናት ብቋንቋ ዓረብ ተጀመረ፣፣ በዚ ዕለት እዚ ክልተ ካህናት ካብ ሱዳናውያን ኣሕዋትና ናይ መበል 23 ዓመታዊ በዓል ክህነቶም ዘኪሮም ውዒሎም፣፣  ድሕሪ ወንጌል ሊቀ ጳጳሳ ኣባታዊ ምኽሮምን ቃል ኣምላኽን ኣስፍሕ ኣቢሎም ኣስምዑና፣፣ ድሕሪኡ 61 ዓበይትን ንኣሽቱን ሱዳናውያንን ኤርትራውያንን ቅብኣተ ምስጢረ ሜሮን ተቀብኡ፣፣ ድሕሪ ቅዳሴ ዝተሳናወደ ምግቢ ተመጊብና፣ ድሕሪ ቁሩብ ዕረፍቲ ናብቲ ብደቂ ደቡብ ሱዳን ዝተፈላለየ ብሄራት ዝተድለወ መዝሙርን ባህላዊ ሳዕስዒትን ካብ ስዓት 3፣30 – 7፣00 ድ ቀ ተኻየደ ኣብ መወዳእታ ናይ ምስጋና ቃላት ምስ ተዋህበ ብጸሎትን ቡራኼን ሊቀ ጳጳስ ማይል ዲዲ ተውህበ፣፣ ብሰላም ከኣ መደብና ወዳእና፣፣   

ምስጋናን ቡራኬን
ምስጋናን ቡራኬን

ኣባ ሰሎሞን ነጋ

ከሰላ - ሱዳን

08 Nov 2022, 12:24