ንሓንቲ ናብ እትብልን ናብ ደጋዊ ህላወ እትወጽእ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን
ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ኣበ መናብርት ጒባኤ ናይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ከተማ መክሲኮ ናይ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣስተንትኖ ውጽኢት ዝኾነ ሰነድ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ካብ ሕጂ ንደሓር ድምጺ ህዝቢ እግዚኣብሔር ምስማዕ ሸለል ምባል ኣይከኣልን እዩ” ነዚ ዝበሉ ነቲ ሰነድ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ዘረባ ዘስምዑ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ኣብ ፐሩ ናይ ትሩኺዮ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ቪዳርተ ክኾኑ እንከለዉ፥ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መክሲኮ እተኻየደ ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ፥ ንሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ወሰናስን ህልውና ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰናደወ ሰነድ ዕለት 31 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ከም ዝቀረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ደጊም ቤተ ክርስቲያን ንድምጺ ህዝበ እግዚኣብሔር ሸለል ክትብሎ ኣይትእኽልን
ኣብ ፐሩ ናይ ትሩኺዮ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ቪዳርተ፥ “እቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ውሳኔ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ህዝቢ እግዚኣብሔር ዘሳትፍ ናይ ግዜ ምልክት ብምንባብ ዝተበገሰ ሲኖዳውነት ንድሒሪት ዘይምለስ ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምግላጽ፥ ካብ ዘተን ምስማዕን ዝነቅል መመያ መሰረት ህልው ኩነታትን ብድሆታትን ምግጣም፥ “ቤተ ክርስቲያን ድልድል ክትሓንጽ ፈላላይ መናድቕ ከተፍርስ በበይኑ ዝዓይነት ፍልልያት ከተሕብር ናይ ምራኻብን ዘተን ባህሊ ከተደንፍዕ ይቕረታን ዕርቅን ፍትሕን ምንጻግ ዓመጽን ትብዓት ንሰላምን ኣብ ምምሃር ክተደክም የብላን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንግብረ ኖላዊ ምልዋጥን ቀዋሚ ጒስነት ቤተ ክርስቲያንን
ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ናይ ዝርከባ ናይ ማሕበራት ደናግልን ገዳማውያን ልኡካነ ወንጌል ኣሕሉቕ ናይ ዝሓቝፍ ማሕበር ኣደ መንበር እናቴ ሊሊያና ፍራንስኮ ኤቸቨሪ እውን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ኣገዳስነት ኤቅለስያዊ ጒባኤ ንገዳማዊ ህይወት ላቲን ኣመሪካ እንከብርሃ፡ ናይ ታሪኽን ቲዮሎጊያን ሊቅ ጃኒ ላ በላ፥ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብድሆን ዘተባብዕን ናይ ግዜ ምልክታ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ሰነድ ሕመረት ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መግለጺ ብዙሕነት ናይታ ናብ ወሰናስን ህላወ እትወጽእ ቤተ ቤተ ክርስቲያን
እቲ ሰነድ 164 ገጻት ዝሓዘ ብዝተፈላለየ ክፋላት ዝተዋደደ ኮይኑ፥ “ብድሆታትን ዘተባብዑናን ናይ ግዜ ምልክታ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ “ነገልግሎት ምልኣት ህይወት ሲኖዳዊትን ልእኽትን ቤተ ክርስቲያን” ዘብርህ ነዚ ብጭቡጥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘውርድ ሓሳባትን፥ ንመላእ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል “ኵላትና ኣብ ጉዕዞ ዘሎና ደቀ መዛሙርቲ ልኡካነ ወንጌል ኢና” ዝብል ርግጸይናነት ዘስርጽ ጉዕዞ ማሕበረሰብ ላቲን ኣመሪካ ኣማእኪሉ ናይ ዝተኻየደ ኣስተንትኖ ወጽኢት ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ህዝበ እግዚኣብሔር ከም ደቀ መዛሙርቲ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ጉዕዞን ተልእኾን ቤተ ክርስትያን ዘለዎም ሓላፍነትን ግደን ኣብ መመያ ንብድሆታትን ምስረቓን ሓዋርውያዊ ግብረ ኖልዎ ዘብርህ ነቢያዊ መግለጺ ምዃኑ የመላኽት።