ድለ

ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን 

ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን

እቲ ኣብ መንጐ እታ ካቴድራልን መስጊድን ዘሎ ቅርበት ንናይታ ሃገር “ቢነካ ቱንጋል ኢካ - ሓድነት ኣብ ብዙሕነት” ዝብል ዝንበር ፍልስፍና ንምምልካት

እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢንዶነዥያ - ጃካርታ ዘሎ ዓቢይ ካቴድራል ኣኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብ ስግሩ ዘሎ ዓቢይ መስጉድ ኢስቲቕላልን ኣብታ ኣብላጺ ህዝባ ሰዓቢ ሃይማት ምስልምና ኣብ ዝኾነላ ሃገር ዝሎ ብዙሕነት ምልክት ምቕርራብን ሕውነት ከም ዝኾነን ዝምስክር እዩ፡ እዚ እውን ጃካርታ ንበጻሕቲ መስህብ ክትከውን ይገብራ ከም ዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልዕሊ 17 ሺሕ ደሴታት ዘለዋ ኢንዶነዥያ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እትፍለጥ ሃገር ክትከውን እከላ፡ እንተኾነ ግን ገለ ዜጋታታ ካልእ ሃይማኖት ማለት ሂንዱን ቡድሃን ኮንፊችን ክርስትናን ዝስዕቡ ከም ዝኾኑን፡ እቲ ኣብ ጃካርታ ዘሎ ዓቢይ ካተድራል እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብ ስግሩ ዘሎ ናይታ ሃገረ ዝዓበየ መስጊድ ኢስቲቕላል የረጋግጾ።

እቲ ኣብ መንጐ እታ ካቴድራልን መስጊድን ዘሎ ቅርበት ንናይታ ሃገር “ቢነካ ቱንጋል ኢካ - ሓድነት ኣብ ብዙሕነት” ዝብል ዝንበር ፍልስፍና ንምምልካት ምዃኑን፡ እዚ ኣምር እዚ ኣብ ናይ ኢንዶነዥያ ስንደቕ ዕላማ ዝተቐርጸ ጽሑፍ እውን እዩ። ብሓባር ምንባር ዝብል ድሌት ዘስፍሕ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ሰላምን ስኒትን ንምንባር ዘተባብዕን እዩ።

ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን
ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን

ናይ ጃካርታ ሰበኻ ናይ ህዝባዊ ርክባት ጒዳይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ሱስያና ሱዋዳይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ሕንጻ እቲ ካቴድራል ኣብ 1889 ዓ.ም. ከም ዝጀመረን፡ ብሕጽረት ገንዘብ ተቛሪጹ ኣብ መወዳእታ ዕለት 21 ሚያዝያ 1901 ዓ.ም. ተጠናቒቑን ተባሪኹ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝጀመረ እንክሕብራ፡ ኢየሱሳዊ ካህን ተወላዲ ነዘርላንድ ኣባ ኣንቶኒዩስ ዲጅማን ናይቲ ካቴድራል ስነ ሕንጻን ንድፍን ናይታ ደሴት ንርእደ መሬተ ተቓላዕነትታን መልክዓ ምድራዊ ክውንነታን ኵሉ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከብ ናውቲ ዝተሃንጸ ከም ዝኾነን እቲ ኣብ  ድሕሪ ቀንዲ ናይ መሰውዒ መንበረ ታቦት ዘሎ መስቀል ኣብ ሆላንድ ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ 1956 ዓ.ም. ከም እተተኽለን እቲ ብጸጋም ዘሎ መንበረ ታቦት ቅድስተ ማርያም ኣብ 1915 ዓ.ም. እተጠናቐቐን እቲ ብየማን ዘሎ መሰውኢ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ 1922 ዓ.ም. ዝተጠናቐቐ ምዃኑን ኣብታ ሃገር መበገሲ እምነት ካቶሊክ ዝኾኑ ቅዱሳን ከም በዓል ኢየሱሳዊ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካቪየር ዝኣመሰሉን ካልኦት ፖርቱጋላውያን ነጋዶን ልኡካነ ወንጌልን ዝርከብዎም ታሪኽ ዝድህስስ ቤተ መዘክር እውን ዘለዎ ከም ዝኾነ እውን ይሕብሩ።

ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን
ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን

መስጊድ ኢስቲቕላል

እቲ ኣብ ስግር ካቴድራል ዘሎ መስጊድ ኢስቲቕላል ኣብ 1954 ዓ.ም. ካብ ሰሜን ሱማትራ ብዝመጸ ክርስቲያን ናይ ስነ ህንጻ ንድፊ ሙያተይና ዝተነድፈ ከም ዝኾነን ኢስቲቕላል ዝብል መጸውዕ ስሙ ዘስምዖ ትርጉም ድማ ናጽነት ማለት ምዃኑ ይገልጹ።

ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን
ኢንዶነዥያ ምልክት ሃይማኖታዊ ምጽውዋርን ምቕርራብን

ኣብ መንጎ ካቴድራልን እቲ መስጊድን ዘሎ መተሓላለፊ መገዲ፥ መገዲ ሕውነት

እቲ ኣብ መንጐ ካቴድራል ቅድስተ ማርያምን መስጊድ ኢስቲጥቕላል ዘሎ ምቅርራብ ናይ ምትሕብባር ምልክት ኮይኑ እቲ ትሕቲ መሬት ዘሎ እቲ ካቴድራልን መስጊድን ዘራኽብ መተሓላልፎመትሓላለፊ ሕውነት ዝብል ስም ዝተወሃቦ ምዃኑ እውን ገሊጾም፥ ኣብ ፍልልያት ሕውነትን ምቅርራብን ምጽውዋርን ዜግነት ዝገብር ባህሊ መግለጽን ናይታ ሃገር ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ኣብ መንጎ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ዝምስክርን እዩ ምስ በሉ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዘዕቢ ክዮኑ ክቕጽል ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

25 November 2022, 15:47