ካርዲናል ሽረር፥ ብራዚል ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ወጥሪ ብዘተ ከትስዕሮ ኣለዋ!
ኣብ ብራዚል ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ዝርአ ዘሎ ማሕበራዊ ምግምማዕ ንምውጋድ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ንሓድነት ክዓዪ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሽረር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ነቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝተኣታተው ዘሎ ምግምማዕ ኣብ ኣባይቲ ሃይማኖታት እውን ከይተረፈ ይርአ ከም ዘሎ ገሊጾም፡ እቲ ዝረአይ ዘሎ ማሕበራዊ ወጥሪ ዝእለ ብዕርቅን ንናይ ኵሉ ጥዑይ ምህላው ብምቕዳምን እዩ ቢሎም፡ እቶም ኣብቲ ምርጫ ዝተሰዓሩን ዝሰዓሩን ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ ከቐድሙ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ሳው ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት እቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝርአ ዘሎ ማሕበራዊ ናብራ ዝህውኽ ምግምማዕ ኣባይቲ ስድራን ምሕዝነት ዝበታትኽ ዝርአ ዘሎ ዝተበከለ ስምዒት መወዳእታ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ህዝባዊ ምርጫ ተዓዋቲ ነበር ርእሰ ብሔር ልዊስ ኢግናዚዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ካብ ዕለት ሓደ ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ብወግዒ ክርከቡ ምዃኖም ይሕብር።
ወንጌል ንማሕበረ ክርስቲያን መገዲ ብርሃን እዩ
ብጹዕነቶም ይብሉ “እቲ ሓቀይና መወከሲ ነጥቢ ንክርስቲያን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ወይ ንምርጫ ዝቐረቡ ሕጹያት ወይ ናይ ፖለቲካ ውድባት ሰዓርን ተሰዓርን ዘይኮነስ እቲ እንኰ መምህርን ንጉስን ሰላምን ክርስቶስ እዩ” ቢሎም፥ “ከም ክርስቲያን ተግባራትና ምስ ወንጌል ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ፡ ንሕውነታዊ ፍቕሪ ንዘይጐነጻዊ ማሕበራዊ ናብራን ንድኻታትን ዝተገሉን ሓለፋ ክንብል ዝሓትተና ናይ ክርስቶስ ወንጌል ክንስዕብ እዩ ዘሎና፡” ዝኾነ ይዅን ፖለቲካዊ ውድብ ይስዓር ማእከል ክኸውን ዘለዎ ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ እዩ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ምሃብ ጥዑይ ሕብረተሰብ የቕውም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።