ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር፥ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባሕሬይን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት ዘርኢ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ኣብ ባሕሬይ ዑደት ንኸካይዱ ኣብ ዝዳለውሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ደቡብን ሰሜንን ሃገራት ዓረብ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መስተናብ ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ምባጽሕ ቅዱስነቶም ነታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት መግለጺ እዩ ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 39 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 3 ሕዳር ክበገሱ እዮም እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ክሳብ ዕለት 6 ሕዳር ዝቕጽል ኣብ ሃገር ንግስነት ባሕሬይን ዘካይድዎ ዑደት እዩ። ቅዱስነቶም ኣብ ውሽጢ ውሑድ ዓመታት ንካልኣይ ግዜ ናብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ክምለሱ እዮም እዚ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝነብር ማሕበረሰብ ካቶሊክ እምነት ንምጽናዕ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንምድንፋዕ ምዃኑ ኣብ ዞባ ሰሜንን ደቡብን ሃገራት ዓረብ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ስዊዘርላንዳዊ ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሂንደር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥
ንሕና ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ብዙሓት መእመናን ዓለም ኢና ዘሎና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ ነዚ ምብጻሕ እዚ ብምክትታል ድማ ነዚ ሓቂ እዚ ይምስክር!
ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ
ኣብ ባሕሬይን ካብ 80 – 100 ሺሕ ካቶሊካውያን ከም ዝነብሩን መብዛሕቲኦም ድማ ስደተይናታት ምዃኖም ኣመልኪቶም፡ ካብ እዚ እቶም ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ጥራሕ እዮም ናይ ባሕሬይን ዜግነት ዘለዎም፡ ስለዚ እታ ኣብቲ ዞባ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ስደተይና” እያ፡ መብዛሕቲኦም ካብ ህንዲ ፊሊፒንስ ሲሪ ላንካ ከምኡ እውን ካብ ካልእ ቦታታት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ሊባኖስ ሶሪያ ዝመጹ እዮም። ቅዱስ ኣቦና ካብ ንጉስ ቢን ዒሳ ቢን ሳልማን ኣል ካሊፋን ካብታ ኣብቲ ዞባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብ ባሕሬይን ምብጻሕ ከካይዱ ሓጐስ ይፈጥረልና፥
እዚ ምብጻሕ እዚ እቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ጽቡቕ ዝምድና ዝገለጽ እዩ!
ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንዝርከብ ካቶሊካውያን ንምትብባዕ
መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ይብሉ ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር፥ “ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ንምትብባዕን እዩ። ምስ ሱናውያን ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ሺዓውያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምትብባዕን ንምዕማቝን እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ነቶም መጓሰ ካቶሊካውያንን ብሓፈሻ ንክርስትያን ብፍላይ ግን ነቶም ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝነብሩ ካቶሊካውያን ኣብ እምነት ንምጽናዕን ንምትብባዕን እዩ።” ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ቅዱስ ኣቦና፥ “ብዙሕ ቋንቋታት ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ንወጻእተይናታት ኣዚዩ ክፉት ዝኾነ ባህሊ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኪረኽቡ እዮም” ኢሎም።
ቅርበት ንማሕበረሰብ ካቶሊክ እቲ ዞባ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባሕሬይን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘለዎም መደባት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ባሕሬይን ዝመጹ ምእመናን ክሳተፉ ምዃኖም ሓዋርያዊ መስተናብር ሃገራት ሰሜን ዓረብ ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር ገሊጾም፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመጹ ማሕበረሰብ ካቶሊክ እውን ብዙሓት ብምዃኖም ብተወሳኺ ክሳብ 2 ሺሕ ቦታ ተዳልዩሎም ከም ዘሎ ገሊጾም እዚ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ንስዑዲ ዓረብ እወታዊ ምልክት ዝህብ ክኸውን ተስፋ እገብር ኢሎም።
ጫፍ ናይ ዓመታት ኣገልግሎት
ብጹዕ ኣቡነ ሂንደር 80 ዓመት ዕድመ ከም ዘለዎም ድማ ገሊጾም፥ ናይታ ኣብቲ ዞባ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልሂቅ ጳጳስ ኣብ ናይ ምዃን ጫፍ ናይ ዓመታት ኣገልግሎቶም ከም ዝበጽሑ ኣዘኻኺሮም፥
እዚ ኣብቲ ዞባ ሃገራት ዓረብ ዘሕለፍክዎ ናይ ኣገልግሎት ሕይወተይ ዘብቅዓሉ እዋን ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምዃኑ ሓጐስ ይፈጥረለይ ምእመናን እውን ነዚ ምብጻሕ እዚ ንኸእንግዱ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምድላዋት ስነ ስርዓት ስለ ምስታፎምን ምስቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘሕለፍክዎ ተኻፊልካ ናይ ምንባር ጉዕዞ ህይወትን ሓልዮትን ተመክሮ አመስግን!
እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።