ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ናይ ሓባር ዕለተ ፋሲካ
ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ድሕሪ 17 ክፍለ ዘመን ጒባኤ ኒቅያ 325 ዓ.ም. ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዕለተ በዓለ ፋሲካ ክህልወን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ዘተ ዝዕወት ከም ዝመስልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኣማኣኪሎም ዕለት 11 ሕዳር ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ መንበረ ፓትርያርክ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብናይ ሮማ ተግባራት መንፈሳዊ ንግደት ቤት ጽሕፈት ተበግሶ መሰረት ምብጻሕ ንዘካየዱ ጋዜጠይናታትን ካህናትን ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ነቶም ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ መንበረ ፓትሪያርክ ምብጻሕ ንዘካየዱ ጉጅለ ካህናትን ጋዜጠይናታትን ተቐቢሎም እቲ ብለበዳ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ተቛሪጹ ዝነበረ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ዳግም ምጅማሩ ዘሐጉስ ምዃኑ ነቶም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም መደረ ገሊጾም፥ ኣስዒቦም እውን ነቶም ቅድም ቁሩብ መዓልታት ኣቢሉ ኣብ ባሕሬይን ምብጻሕ ምስ ዘካየዱ “ሓው እንብሉ ምስ ዝገልጽዎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ምርኻቦም ዘኪሮም ሰላምታኦም ከም ዘመሓላለፉን ከምኡ እውን ናብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታሬላ እውን ሰላምታይ አመሓላልፍ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ናብ ቆጵሮስ ንስርዓተ ቀብር ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ክርይሶስቶሞስ
በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብቲ ዕለት 11 ሕዳር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣስዒቦም ዕለት 12 ሕዳር ኣብቲ (ድሮ ዝተፈጸመ ምዃኑ እዩ) ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ዝዓረፉ ናይ ቆጵሮስ ኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳት ክሪሶስቶሞስ ዳግማዊ ክሳተፉ ምዃኖምን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እውን እውን ምስቶም ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዝሳተፉ ልኡካን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምድንፋዕ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኵርት ኮኽ ክራኸቡ እውን ምዃኖም ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን፥
ንበዓለ ፋሲካ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዕለት
ነቲ ኣብ 325 ዓ.ም. ብሓጸይ ቆስጣንጢኖስ ተጸዊዑ ዝተኻየደ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኒቅያ ዝኽሪ መበል 700 ዓመት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ንናይ ሓባር ዕለተ ፋሲካ ስምምዕ ክበጻሕ ዝብል ተስፋ ተስፋኦም እውን ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ እቲ ናይ ሓባር ተወፋይነት ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን - ናይ ሓባር ዕለተ ፋሲካ - እንታይ ክትነግሩና ትኽእሉ? ኵላዊ ጉባኤ ኒቅያ ንትሕዝቶ ክርስቲያናዊ እምነት መሰረታዊ እዩ። ከምኡ እውን በዓለ ፋሲካ መዓስን ብኸመይን ክበዓል ከም ዘለዎ ንምውሳን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ንብዙሕ ዓመታት ንብዙሕ ዘመናት ብሓባር ዘይበዓል ምዃኑ እዩ። ምናልባት ብዛዕባ እዚ ዝቐረበ ሕቶ መሰረት ናብ ዝርዝር ምእታው ግዚኡ ኣይኮውንን እንተኾነ ግን ብወገን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መወዳእታ ናይ ሓባር ዕለት በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ንምውሳን ዝብል ሰናይ ዕላማ ከም ዘሎ ከስምረሉ እደሊ ቢሎም ኣብዚ እዋን እዚ ሰናይን ጽቡቕን ናይ ሓባር ውጽኢት ክንረክብ ተስፋ እገብር።
ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኵናት ሰላም ክህሉ ተስፋታትኵም እንታይ ይመስል? እዚ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዝኾነ ይዅን መገዲ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘካየድክዎ ምብጻሕ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ተዛሪበ እውን ነይረ፡ ብስም ክርስቲያናዊ እምነትና ኪኖኡን ክንገብሮ ብዘሎና ግድነት ብዝዕባኡ ኣትሪረን ኣርጊጸን ተዛሪበ እየ። ኵሎም እቶም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቅኑዕ ኣርኣእያ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነዚ ውግእ ካብ ምኹናን ሓሊፎም ካልእ ክገብሩን ክብሉን ዘይክእሉ ይመስለኒ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ዓለም ኣብ ሰላም ከሀውሱ ብዙሕ ይጽዕሩ ኣለዉ፥ ሓደ ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ፥ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን ዝበልዎ እዝክር፡ እዚዩ ቅኑዕ ቃል እውን እዩ። . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዓመት ዘመሓላልፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ መላእ ዓለም ኣብ ሰላም ዝሃንጽ ኣዚዩ ኣገዳስን ጥበባውን ለባምን መልእኽቲ እዩ ኢሎም።
ሓደራ ነታ ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ሕሉፍ ህይወትና ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣተገብረ ዋዕላታት ክርስትና ብዙሕ ተዘክሮታት ዘለዋ ሃገረ ቱርክን ኣናቶሊያን ሓደራዅም እይተረስዕወን . . . ሒደት ሰሙን ይገብር ኣብ ኤፌሶን ኣብ ኣንካራ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ካቶሊካውያን ብጹዓን ጳጳሳት ብምኽንያት ዝኽሪ እቲ ሓጸይ ቴዎዶሲዮስ ዝጸውዕዎ ሳልሳይ ምሉእ ጉባኤ ኤፈሶን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተረኺበ ስብከት ከስምዕ ዓዲሞምኒ . . . ኣብኡ ብሓባር ተረኺቦም ከም ዝነበሩ እውን ዘኪሮም፡ ናብቲ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽናን ቅዱሳት ስፍራን ምምላስ የድሊ፣ ስለዝ ነዚ ዅሉ እተአንግድ ስለ ዝነበረት ቱርክን ናይቲ ከባቢ ሃገራትን ክንጽሊ ሓደራ እብል።
መንበረ ፓትሪያርክ ቍስንጥንያ ዛዕባ ሓለዋ ከባቢ ኣዚዩ ዝግደስን እዩ። መስርሕ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ መጋበርያን ስነ ምግባር መራኸቢ ብዙሓንን መረብትን ንኽብሪ ወዲ ሰብ ሓደጋ ከይከን መንበረ ፓትሪያርክ እንታይ ይገብር? ስነ ምርምር ነኽብር ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ እውን። እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅሬጥስ እተኻየደ ጒባኤ መላእ ኦርቶዶክሳዊ ቤት ምኽሪ ስነ ምርምር ህያብ እግዚኣብሔር እንክብል ይገልጾ፡ በቲ ካልእ ወገን ግን ድሩት ምዃኑ እውን ንፈልጥ ኢና። ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል ክኸውን ኣለዎ . . . እቲ ሓድሽ ዝተበጽሔ ምዕባለ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ ይኹን እምበር እዚ መጋበርያ እዚ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ክብርታት ኣብ ስነ ምግባር ዝተመርኮሰ ጥንታዊ ኣገባብ ኣመሃህራ ክትክእ ኣይክእልን እዩ። ናጽነት ሰብኣዊ ክብሪ ብምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ማእከል ምግባር ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።