2020.01.14 Il monaco siriaco Aho Sefer Bilecen 2020.01.14 Il monaco siriaco Aho Sefer Bilecen 

ኣብ ሃገረ ቱርኪ ሶርያዊ ገዳም ድሕሪ 100 ዓመት ዳግም ተኸፊቱ!

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቱርኪ ዝርከብ ሶርያዊ ካቶሊካዊ ገዳም ቅዱስ ኤፍረም ቅድሚ ሓደ ዘመን ብመንግሥቲ ተሃጊሩ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግም ናብ ዋናታቱ ተመሊሱ ኣገልግሎቱ ንምሃብ እንደገና ከምዝተባረኸ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብሞር ኤፍረም ወይውን ቅዱስ ኤፍረም ዝፍለጥ ጥንታዊ ገዳም ማርዲን ኣብ እትበሃል ከተማ ደቡባዊ ክፍሊ ቱርኪ ቅድሚ ዘመናት ቀንዲ ማእከል ሶርያዊ ክርስትና ዝነበረት ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምዕጻው ዳግም መዓጹኣ ንምእመናን ከምዝተኸፍተ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዋና ሓላፊ ሶርያዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ኢግናስ ዮሴፍ ሳልሳይ ዩናን ነቲ ናይ እንደገና ምብራኽ ሥርዓት ከምዝመርሑ እንክምልከት ድሕሪ ሚእቲ ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

እዛ ገዳም እዚኣ ብ1881 ዓም ዝተገደመት ኮይና ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብሠራዊት ቱርኪ ተሃገራ። ድሕሪ ቊሩብ ግዜ እቲ ውግእ ምስ ተወደአ ናብ ዋናታታ እኳ ተመሊሳ እንተነበረት እንደገና ብ1922 ዓም ከኣ ከም ቤትሕክምና ሠራዊት ንክተገልግል እንደገና ወሲዶማ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ከኣ ከም ቤትማእሰርትን ከም መኻዚኖን ኣገልገለት።

ሥርዓተ ቡራኬ!

ከምቲ መጽሓፈ ሥርዓተ ኣምልኾ ሶርያ ዝእዝዞ ዝኾነ ቤተመቅደስ ቅድሚ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን መናድቁን መንበረ ታቦቱን መዓጹኡን ብቅዱስ ቅብ ኢ ሜሮን ክቅባእ ስለዝብል ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ዩናን ዝሓለፈ ዕለት 13 ጥቅምቲ ንኩሉ ምስ ባረኹ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ።

ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብቋንቋ ሶርያ ኣብቲ ኣብ ቤተመቅደስ ዝነበረ መስቀል ተወሪቁ ዘሎ ቃላት ብምትኳር ‘ናባኡ ጠምቱ ብኣኡ ከኣ ተኣመኑ’ ንዝብል ዳግም ብምግዋሕ ኩሎም ም እመናን ጠመተኦም ናብ ኢየሱስ ክገብሩ ብ ኣኡ ከኣ ክትኣማመኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ሥርዓት ኣብ ሃገረ ቱርክን ምሉእ ማእከላይ ምብራቅን ዝርከቡ ሶርያውያን ካቶሊካውያን መራሕትን ኣብ ሃገረ ቱርክ ዘገልግሉ ሓዋርያዊ ኑንስዮን ሶርያውያን ኦርቶዶክስ ኣቡናትን ውሉደ ክህነትን ከምዝተሳተፉ እንክምልከት ፓትርያርካዊ እንደራሴ ሃገረ ቱርኪ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ኦርሃን ሳንሊ እውን ናይ ምስጋና ቃል ከምዝሃቡ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ታሪኽ ከምዘመልክቶ እዚ ቦታ እዚ ጥንታዊ መበቆል ክርስትና ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣሶራውያን ዝበሃሉ ማሕበረ ክርስትያን ሶርያ ይቅመጠሉ ከምዝነበሩ ይዝንቶ፤ ብዙሓት ካብ ኦም ሎሚ እውን ከይተረፈ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዛረቦ ዝነበረ ቋንቋ ኣራማይስጥ ብዝተሓደሰ መልክዕ ይጥቅሙ ምህላዎም እውን ይምልከት።

ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ከም ጀኖሳይድ ጽንተት ዓሌት ዝገልጽዎ ብቱርኪ ዝተፈጸመ ዓመጽን ስደትን ኣብ ሃገረ ቱርኪ ዝርከቡ ኣሶራውያን ካቶሊካውያን ብጣዕሚ ውሑድ ሚእታዊት ናይቲ ሕዝቢ ምዃኖም እውን ይግለጽ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 October 2022, 17:05