ድለ

ናይ ስሪላንካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ተራኺቦም ናይ ስሪላንካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ተራኺቦም 

ናይ ስሪላንካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ተራኺቦም

ብጹዕ ኣቡነ ፐረራ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከጋጥሞ ዝጸንሔ ስክፍታታትን ከምኡ እውን ኣብታ እስያዊት ሃገረ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ብመንጽር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሪላንካ መብርሂ ከም ዝሃቡን

ናይ ስሪ ላንካ ጒባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኩሩነጋላ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሃሮልድ ኣንቶንይ ፐረራ ኣብ ሃገሮም ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ምስ ዝተመርጹ ርእሰ ብሔር ራኒል ዊክረመሲንገ ተራኺቦም  ብዛዕባ ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሪ ላንካን ኣብታ ሃገር ገና ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ራኒል ዊክረመሲንገ ዕለት 21 ሓምለ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖን ብወግዒ ካብ ዝተረከቡን ንፈለማ ግዜ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን መእተዊ ዕለት 2 ጥቅምቲ ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሪ ላንካ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኩሩንገላ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሃሮልድ ኣንቶኒ ፐረራ ከም እተራኸቡን ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሪ ላንካን ህልው ኵነታት ሃገሮም ከም እተመያየጡ እዚ ርክብ እዚ ኣብ ሰበኻ ኩሩንገላጋ መንበር ጳጳስ ዝተኻየድ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃይማኖታዊ ጒዳይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ሃገርን

ብጹዕ ኣቡነ ፐረራ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከጋጥሞ ዝጸንሔ ስክፍታታትን ከምኡ እውን ኣብታ እስያዊት ሃገረ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ብመንጽር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሪላንካ መብርሂ ከም ዝሃቡን እቲ ዕለት 15 ሓምለ ዝተኻየደ ርእሰ ብሔር ጎታባያ ራጃፓክሳ ካብ ስልጣን ክእለዩ ዝገበረ ብርቱዕ ሕዝባዊ ናዕቢ ዋላ’ኳ እንተሃደአ፡ ቍጠባዊ ቅልውላው ናህሪ ዋጋ እገደስቲ ነገራትን ሕጽረት ነዳድን መድሃኒትን ካልእ መሰረታዊ ኣቑሕትን ቀረባትን ቅልውላው ባጤራን ዕዳን ሕጂ እውን ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዘሎን ብዛዕባ እዚ ምኽንያት ማሕበረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ዝዀነ ጒዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

2.3 ሚሊዮን ሕጻናት ስሪ ላንካ ሓገዝ ዝተመጣጠነ መግቢ የድልዮም

እቲ ብደረጃ መንግስቲ ዝርአ ዘሎ ብልሽውናን ሕማቕ ምሕደራን ለበዳ ኮቪድ - 19 ቀጺሉ እውን በቲ ኣብ ዩክረይን ዝተባርዐ ውግእ እናከፍኤ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ሕይወትን መነባብሮን ሕዝቢ ስሪ ላንካ ብፍላይ ነቶም ኣብ ማእከላይ ደርብታት ዝርከቡ ብኸቢድ ይጸልው ምህላዉ ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ሕጻናት ጒዳይ ዝከታተል ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት 2.3 ሚሊዮን ህጻናት ስሪ ላንካ ሓገዝ ዝተመጣጠነ መግቢ ከም ዘድልዮም ዝሃቦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡ ብዙሓት ዓቕምን ፍልጠትን ዘለዎም ዜጋታት እውን ይስደዱ ከም ዘለዉን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 500 ሓኻይም ካብ ሃገሮም ከም እተሰዱ ብዙሓት ምሁራትን ሙያተይናታትን ካብታ 22 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገሮም ይስደዱ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝተካየድ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ሰለስተ መቐበሊ ኣጋይሽን ዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋሽ ሽበራዊ መጥቓዕት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከም እተመያየጡን ነዚ ጒዳይ እዚ እውን ንፖለቲካዊ ረብሓ ዝጥቀምሉን ገበነይናታት ዝኽውሉ ከም ዘለዉን ቤተ ክርስቲያን ነዚ ጉዳይ እዚ እውን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ከም ዝበለትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ብምዃን እተገልግል ምዃና ብጹዕነቶም ከም ዝብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

06 Oct 2022, 15:33