ድለ

2022.10.16 Eritrea: Part of the Eritrean team of experts translating the Old testament into Blin 2022.10.16 Eritrea: Part of the Eritrean team of experts translating the Old testament into Blin 

መስርሕ ምትርጓም ቅዱስ መጽሓፍ /ብሉይ ኪዳን/ ናብ ቋንቋ ብሊን

ኣብ ኤርትራ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ተዛረብቲ ቋንቋ ብሊን፡ ብሉይ ኪዳን ንኽዛዘም ብህንጡይ መንፈስ ይጽበዩ ኣለዉ ‘እግዚኣብሔር ብሊን ይዛረብ ኢዩ፡ ቋንቋይ ይዛረብ ኢዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይኮነን’።

ኣባ ፖል ሳማሱሞ - ክፍሊ ረድዮ ቫቲካን (ክፍሊ ኢንግሊዝ ኣፍሪቃ)

“ቃለ እግዚኣብሔር፡  በቲ ዝዓበኻሉ ቋንቋ፡ ክዝረብን፡ ክስማዕን፡ ክንበብን በቲ እትሓስበሉ ቋንቋ ክትሰምዖ፡ ካብ ብኻልእ ባዕዳዊ ቋንቋ ክትሰምዖ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኢዩ። እግዚኣብሔር በታ ናይ ኣደኻ ቋንቋ ክዛረበሉ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ኣብ ሓሳብትና ዝመጽእ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቋንቋይ ይዛረብ ኢዩ ዝብል ኢዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ኪኖ ዝኾነ ዋጋ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢዩ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ብስሉጥ መንገዲ ንኹሎም ዘገልግልን ንዝደለይዎ ዘሰናዱን። እዚ ከኣ ብዝሒ ተዛረብቲ እቲ ቋንቋ ብዘየገድስ ዝኸውን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ኣምላኽ፡ ቃለ እግዚኣብሔር ብቋንቋኡ ክሰምዕ ኣለዎ።” ዓለም ለኻዊ ናይ ትርጉም ኣማኻሪ ምስ ዓለማዊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ዝነጥፍ፡ ዶ/ር ሚሸክ ንዪረንዳ እናበሉ ይምልሱ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ዶ/ር ሚሸክ ንዪረንዳ ኣብቲ ብቀጻሊ ዝሳለጥ ዘሎ ፕሮጀክት ምስ ተርጎምቲ ብሊን ናብ ብሉይ ኪዳን ተጸሚዱ ይርከብ።  ሕዝቢ ብሊን ኣብ ሰሜናዊ ኤርትራ ከተማ ከረንን ከባቢኣን ይርከቡ።

ኣመና ኣገዳስነት መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ ብሊን

ድሮ ተተርጒሙ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ቅዳሕ ሓዲስ ኪዳን ብብሊን
ድሮ ተተርጒሙ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ቅዳሕ ሓዲስ ኪዳን ብብሊን

“ሕዝቢ ብሊን ሽሕ’ኳ ብቁጽሪ ውሑድ እንተኾነ፡ እንተኾነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብብሊን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣድላይነት ኣለዎ። ኤጳርቅና ከረን ኣብ ኤጳርቅንኣ፡ ኣምልኾ ብቋንቋ ብሊን እዩ ዝካየድ። በዚ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ ከይጠቀስክዎም ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ንብጹዕ ኣቡነ ኪዳነን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰበኻን ኢዩ። እዞም ኣቡን ኣብዚ ፕሮጀክት ብዕቱብ ተሳታፊ ኢዮም። ብዝገብርዎ ሓገዝ ከኣ ኣዚና ዕጉባት ኢና።” ይብል ዶ/ር ንዪረንዳ።

ላህጃታት ቋንቋ ብሊን

ቋንቋ ብሊን ናይ ክልተ ከባቢ ላህጃታት ኣለዎ። ብሓፈሻ ተዛረብቲ ቋንቋ ብሊን ክልተ ወይ ሰለስተ ቋንቋታ ናይ ከባቢኦ’ውን ይዛረቡ ኢዮም፡ እዚ ማለት መብዛሕትኦም ቋንቋ ትግረን፡ ትግርኛን ወይ ክልቲኡ ቋንቋታት ተወሳኺ ኣብ ርእሲ ቋንቋኦም ይዛረቡ። ተዛረብቲ ቋንቋ ብሊን ካብ 150,000 – 200,000 ይግመት። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ብሊን ምትርጓም ክንብል ከለና ኣየናይ ላህጃ ኢዩ ክዝውተር ንዝብል፡ ወላ ሓደ ይብል ዶ/ር ንዪረንዳ፡ ምኽንያቱ ቋንቋ ዳይናሚካውን ዝምዕብልን ስለዝኾነ።

“እዚ ብዙሕ ግዜ ኢዩ ዘጋጥም፡ ንኣብነት ሓደ ናይ ምትርጓም ፕሮጀክት ንሓደ ጉጅለ ብዝሕ ዝበለ ላህጃታት ዘለዎ ሓደ ቋንቋ ይግበር ኣሎ ንበል። ነዚ ብኸመይ ተካይዶ እንተበልና? ንኹሎም መሻርኽትን ንኹሎም ላህጃታትን ኣብ ሓደ ጣውላ ከተምጽኦም ኣለካ። ከም ኣማኻርን ናይ ምትርጓም ሓጋዝን፡ ምስቶም መሻርኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክኣቱ ኣብ ዘለዎ ትሕዝቶ ከኣ ትሰማማዕ። እዚ ናይ እንካን ሃባን ኩነት ኢዩ። ኩሉ እቲ ፕሮጀክት ምስ ተወድአ፡ ናብቲ ሕብረትሰብ ኢኻ እትወስዶ፡ ናብኦም ይወርድ። ኣብዚ ናይ ኣየናይ ላህጃ፡ ቃል ወይ ሓረግ ኢዩ ቅቡል ዝኸውን ንዝብል ኩነት፡ ኩሉ ክርድኣሉ ዝኽእል መንገዲ ይውሰድ። ኣብዚ ጽፈት ቋንቋ ኣይኮነን ኣገዳሲ፡ ንዓና ኣገዳሲ እንብሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርክብ ሕይወት ምትሕልላፍ ኢዩ። ሎሚ እንፈልጦ እዚ ኢዩ፡ ኣብሓጎኻ ንነገራት ዝገልጸሉ ዝነበረ መንገዲ ኣይኮነን እቲ ኣገዳሲ።” ብምባል ይገልጽ ዶ/ር ንዪረንዳ።

ተረጎምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሊን

ምስ ጉጅለ ተረጎምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሊን፡ ኣብዚ ናይ ሮማ ርክብና፡ ኣብ ከቢድ ስራሕ ኢና ተጸሚድና። እቲ መስርሕ ብዘገምታ ኢዩ ዝኸይድ፡ ኣዝዩ ከቢድ ጥንቃቀ ዝደሊ ስራሕ ኮይኑ፡ ወትሩ ንጋሆ ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ዝቅጽል ተጸምዶ ኢዩ ኔሩ። ኣነ ብወገነይ፡ ንምንታይ ኢዮም ኣብ ሮማ ምስ ዶ/ር ንዪረንዳ ክራኸቡ መሪጾም፡ ብኸመይ’ከ ሓደ ቋንቋ ብሊን ዘይዛረብ ክመርሖም ዝኽእል ይብል ኔረ።

“እዚ ኣብ መስርሕ ዘሎ ፕሮጀክት ባዕሎም ኤርትራውያን ዝጀመርዎ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም፡ እዚ ቤት ጽሕፈት ከኣ ኣብ ምትግጓም መጽሓፍ ቅዱስ ዝተሓባብር ኢዩ። ነዚ ከካይዱ ከኣ በዓል ሞያ ይድለ። ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ ዓለም ለኻዊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣቅረብዎ ከኣ፡ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ንዓይ ኣብዚ ፕሮጀክት መዲቦምኒ። ምስ እዛ ጉጅለ እዚኣ ብሓፈሻ፡ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ሰሪሕና ኣሎና። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሓደ ግዜ ንኤርትራ ክበጽሕ ዕድል ረኺበ፡ ንተርጎምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስልጠና ክህብ ክኢለ ኔረ። ምስ እዚ ጉጅለ ብሓፈሻ ምስ ዝተፈላለዩ ኣማኽርቲ ኣብ ሉሳካን፡ ናይሮብን፡ ኣዲስ ኣበባን ተራኺቡ ኣሎ፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ሮማ ተራኺብና ኣሎና።” ይብል ዶ/ር ንዪረንዳ።

ፓራተክስት ዝብሃል ሶፍትወር ነቲ መስርሕ ምትርጓም ዘሳልጥ ኢዩ

ዓለምለኻዊ ኣማኻሪ ትርጓሜ ቅዱስ መጽሓፍ ዶክተር ሚሸክ ንዪረንዳ
ዓለምለኻዊ ኣማኻሪ ትርጓሜ ቅዱስ መጽሓፍ ዶክተር ሚሸክ ንዪረንዳ

ኣብዚ መስርሕ እዚ ማለት ፕሮጀክት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ብሊን፡ ምስቲ ዛምብያዊ ምዃኑን ቋንቋ ብሊን ዘይምፍላጡን፡ እንታይ ይገብር ኣሎ?

“ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ፓራተክስት ዝበሃል መሳርሒ ኣማዕቢሉ። እዚ ሶፍትወር እዚ መጽሓፍቲ ቅዱሳን ናይ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ። ኣብዚ ሶፍትወር ከኣ ዝኾነ ቋንቋ ከነእትወሉ ንኽእል። እዚ ከኣ መሊሱ ካልእ ቋንቋ እናወለደ ይኸይድ። ብሓገዝ ዘቤታውያን ተርጎምቲ፡ ብኣድማዕነት ነቲ ጽሑፍ ነሳልጦ። ከም ዓለምለኻዊ ኣላይን ኣማኻርን፡ ኣብ መስርሕ ምትርጓም እቲ ቋንቋን ከም ተርጎምቲ እንታይ ይብሉ ኣለዉን ይርእን ይስዕቦምን። ኣብዚ መስርሕ ኣበርኩቶይ፡ እንታይ ክበሃል ኣለዎ ንዝብል ካብቶም መበቆላውያን ቋንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጽጻር ይመርሖም። በዚ ከኣ ነቲ ዝመርሖም ዘቤታዊ ቋንቋ ክፈልጦ ኣገዳሲ ኣይኮነን።” ይብል ዶ/ር ንዪረንዳ። ንሱ ብተወሳኺ ዝበሎ “ንሶም ናይ ቋንቋኦም ሞያዊ ገምጋም የምጽኡ፡ ኣነ ከኣ ምንጪ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ገምጋም የቅርብ፡ በዚ ከኣ ሓቢርና ነቲ መበቆላዊ ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙን ዝኾነ መጽሓፍ ጌርና ነዳሉ።”

ዓንቀጸ እምነትካ ኣብ ማዕጾ ኢኻ እትሓድግ

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም መርበብ ሓባራዊ ረቋሒ እምነትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሕብረተሰብን፡  ዕላማኡ ምስ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናትን ትውፊታትን ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን፡ ማለት ካቶሊካ፡ ኦርቶዶክስ፡ ከኒሻን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ኣማእኪሉ ክሰርሕ ኢዩ ዕላማኡ። ኩሎም ከኣ ኣብ ልዕሊ 240 ሃገራት ይርከቡ።

ንሶም ብጻዕሮም ዝተርጎምዎ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሓዙ ብዙሓት ይንየቱ፡ ይብል ዶ/ር ንዪረንዳ። ኪኖ ዘለና ፍልልይ ዓንቀጸ እምነት ምስራሕ፡ መኸላእታ ኣይኮነን።

“ሓደ ኣባል ተርጎምቲ ምዃን ንባዕሉ፡ ዓንቀጽ እምነትካ ኣብ ማዕጾ ምሕዳግ ኢዩ። ኣብ መኣዲ ትርጓሜ ምስ ኣተና፡ ኣብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ ኢና እነተኩር። መስርሕ ትርጉም ምስ ተዛዘመ፡ ብትምህርተ መለኮታውን ዓንቀጽ እምነትካን ክትዛረብ ይከኣል።” ይብል።

ዶክተር ሚሸክ ንዪረንዳ ምስ ረድዮ ቫቲካን
ዶክተር ሚሸክ ንዪረንዳ ምስ ረድዮ ቫቲካን

ኣብዛ ዓለምና ዘለዉ ዓሌታትን ቋንቋታትን፡ ነፍስ ወከፎም ናቶም መጽሓፍ ቅዱስ ክህልዎም’ዶ ኣለዎ፡ ምስኡ ከኣ ንሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት መላይን ዶላራት ንመተርጎሚኡ እናወጸ? እቲ መልሲ እወ ዝብል ኢዩ።

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣረጋጊጹ ክፈልጦ ዝደሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣፍልጦን ተጸምዶን መጽሓፍ ቅዱስ ክህልዎ ንዝደሊ፡ ቅሩብ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ከኣ ንኹሉ ኣጠቃሊሉ ኣብ ዝሓዘ ንያታዊ መፈክር ንረኽቦ “መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉን ንነፍሲ ወከፍን ብዘለዎም ዓቅሚ ገንዘብን።” ይብል። እዚ ከኣ ናብ ካልእ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ይወስደና። ነዚ ኩሉ ግን መን ይኸፍሎ? ነዛ ሕቶ እዚኣ ንዶ/ር ንዪረንዳ ኣቅሪበሎም።

“ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ማሕበረ ምእመናን ተጠቀምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ደገፍን ምሕዝነትን ኣለዎ። ሓደ ፕሮጀክት ምስ ተበገሰ ኣባላት ማሕበር ዝኾና ዝተፈላለያ ክርስትያናዊ እምነታት፡ ዝምውሉ ዝደልያ ንሰን ኢየን። ገሊአን ሃገራውያን ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ፡ ገዛእ ርእሰን ክኢለን ንኻልኦት ይሕግዛ። ኣብቲ ሓቂ ግን ኩሉ ሓቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ገሊኦም ሰብ ሞያ ይውፍዩ፡ ገሊኦም ከኣ ቦታ ናይ መራኸቢ ኣደራሽ ንተርጎምቲ ዝሰርሑሉ የሰናድዉ።  በዚ ዘደንቅ ክፉት ዝኾነ ተወፋይነትን ምወላን ከኣ ብዙሕ ክንገብር ንኽእል ኣለና። ሓሓደ ግዜ ውልቀ ስድራ ቤታት ንቅድሚት ቀሪቦም ፕሮጀክታት ይምውሉ። ነታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉ፡ በቲ ከወፍይዎ ዝኽእሉሉ ዋጋ፡ ንዝብል ኣበሃህላ ፈቲናያ ይብሉ። በዚ ከኣ እቲ መስርሕ ጽቡቅ ይኸይድ እናበለ ይገልጽ ዶ/ር ንዪረንዳ።

ተዛረብቲ ቋንቋ ብሊን ኣቀዲሞም ድሮ፡ ብዕዉት ኣገባብ ሓድሽ ኪዳን ተርጒሞምን ኣሕቲሞምን ኣለዉ። ሕጂ ከኣ ብህልጡይነት ትርጉም ብሉይ ኪዳን ይጽበዩ ኣለዉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 Oct 2022, 15:15