ጒባኤ ጳጳሳት እስያ፥ ‘ንዝሓሸት እስያ ምዕያይ’
ካብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ታይላንድ ርእሰ ከተማ ባንኮክ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሃገራት እስያ ፈደራላዊ ጒባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጒባኤ ገምጋም ውዕሎ ቀዳማይ ሰሙን፥ ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ፥ ከም ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋናዊ ዓለም ብኸመይ ተስፋ ከስርጹ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ብድሆ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ናይ ሃገራት እስያ ፈደራላዊ ጒባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ካብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ባን ፉ ዋን ማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝዓረገን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም እተበገሰን፡ እዚ ፈደራላዊ ናይ ሃገራት እስያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ ን29 ሃገራት እስያ ዝውክሉ ክልተ ሚእቲ ጳጳሳት ክሳብ ዕለት 30 ጥቅምቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት ሃገራት እስያ ድሕረ ባይታ ገይሩ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡
ዘመን ብስራት ቃል ኣምላኽ
ነቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 12 ጥቅምቲ ናይቲ ፈደራላዊ ጒባኤ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት እስያ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ብዘስምዕዎ መደረ ከም እተኸፍተን ብጹዓነቶም ነቲ ዓውደ ኣኼባ “ህሞት ጴጥንጠቆሰጠን ንቤተ ክርስትያን ኣብ እስያ ክቡር ህሞት እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ናይታ ክፍለ ዓለም ጳጳሳት ከም ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ናይቶም ኣብ እስያ ዝሓለፉ ቅዱሳት ኣብነት ብምስዓብ ከም ኣቶም ወንጌል ብልግስን ተወፋይነትን ከስፍሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን እስያ ዘሎ ዕማም “ነዚ ዘመን እዚ ናይ ኢየሱስ ሓድሽ ቃል ብስራት ዘመን” ምግባር ዝብል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነበር ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ጒባኤ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ ህንዳዊ ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ እውን ብወገኖም፥ “ድሕሪ 11 ምሉእ ሓፈሻው ጉባኤታት ንፈለማ ግዜ “ብመንፈስ ሲኖዳውነት ከነካይዶ ንእከብ ኣሎና” ቢሎም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኣታትውዎ ዘልዉ ሕዳሰ ኣመስጊኖም፥ ናይቲ ጉባኤ ቀዳማይ ክፋል ስራሕ “ንዝሓሸትን ዝበለጸትን እስያ ንእትዓዪ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ መገድታት ምልላይን ምሕሳብን” እዩ ከም ዝበሉን እዚ ነቲ ናይቲ ናይ ሓደ ሰሙን ዋዕላ ክጸምሮ ዝኽእል ሓሳብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቤተ ክርስቲያን፥ ህዝበ እግዚኣብሔር
ኣብቲ ናይ ሓደ ሰሙን ዋዕላ ሓፈሻዊ ጒባኤ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዝሓቍፍ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዋና ጸሓፍ ኣሎይሲዩስ ጆን፥ ማሕበር ካሪታስ ኣብ መላእ እስያ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን መረብታዊ ተራኽቦ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክህልዎ ዝኽእል ግደን ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ዘተኮረ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ላዛሮ ዩ እውን ብወገኖም፡ ንውሉደ ክህነት “ኣየነይቲ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ዓይነት ካህን እንታይ ዓይነት ኣቛም” ንዝብል ሕቶ መሰረት ብምግባር ንኣቃውማ ምስጢረ ክህነት ዝምልከት ነጥብታት ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ማእከልነት መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎትን ሱታፌ ዓለማውያን ምእመናን ደቀ ንስትዮን ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ከም ተራን ኣብ ሓላፍነት ደረጃን ዝብሉ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጥ ከም እተገበረሎምን ደቀ ንስትዮ ሊቃውንቲ ቲዮሎግያ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ዘተ ዓቢይ ኣበርክቶ የቕርባ ከም ዘለዋን እዘን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣብቲ ናይ ሓደ ሰሙን ንደቂ ኣስንትዮ ዘጋጥመን ድርብ ተራን ዘይምዕሩይነት ኣታውን ዘቤታዊ ዓመጽን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ሰፊሕ ጸብጻብ ከም ዘቕረባ ኣፍሊጡ፥ ዛዕባ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምክልኻልን ንምሕዋይን፥ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ምስግጋር ደው ንምባል ብዝተኻእለ መጠን ግዜን ጻዕርን ከወፍዩ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮላስ እውን ብምናባዊ ኣገባብ ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።
ተስፋ
ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሓደ ሰሙን ዋዕላ፥ ኣብ እስያ ናይ ካሪታስ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ታርቺሲዮ ኢሳኦ ኪኩኪ” ኣብታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማእኪሎም ሰፊሕ ኣስተንትኖ ብምቕራብ ብፍላይ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ከም ዝብልዎ፥ ሓድሕዳዊ ጽግዕተይናነት ስኒትን ምትሕግጋዝን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።