ድለ

ሰንበት ዘጎሐ ጽባሕ ነሓሰ 29 2014 ዓ.ም. (9/4/ 2022)

መዝሙር፡ አምላኪየ ኄር አንሥአኒ በትንሣኤከ. . . . ኦ ሕያዋይ አምላኸይ ብትንሣኤኻ አተንሥአኒ ንስምካ ከኽብር ከይርስዖ ንስኻ ንጽባሕን ንወጋሕታን ሠሪዕካ ንምድሪ ካብ ፍረ ተግባርካ ተጽግብ ስለ ዘሎኻ ዐይኒ ኵሉ ሰብ አባኻ ተስፋ ይገብር. . . ምእንቲ ሰብ ኢልካ ሰንበት ሰራዕካ ኦ ሕያዋይ አምላኸይ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ፥ ኩሉ ጊዜ መሓሪ ኢኻ ስምካ ኸአ ክቡር እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ዕብ 12፡8-10፥ 1ዮሓ 2:7-17፥ ግ.ሓ. 27፡33-39፥ ሉቃ 12፡49-53 ምስባክ፡ እስመ ኀቤከ እጼሊ እግዚኦ፥ በጽባሕ ስምዓኒ ቃልየ፥ በጽባሕ እቀውም ቅድሜከ ወአስተርኢ ለከ። ኦ ጎይታይ ጽባሕ ጽባሕ አባኽ እጽሊ አሎኹ እሞ ቃለይ ስምዓኒ፥ ወጋሕታ አብ ቅድሜኻ እቐውም ናባኻ እውን እቐርብ።

ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ አብቲ በብእዋኑ እንርእዮ ህያባት ክንርድኦ ንኽእል። ሰባት ስለ ዝኾና መዘኻኸሪ የድልየና ከይንዝንግዕ ምልክት ይውሃበና እዩ። ዕለተ ሰንበት ምስ አምላኽ ክንራኸብ ክንሳሕ ክንዕረቕ ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል እትሕግዘና እተዘኻኽረና ዕለት እያ። እዋናት ክረምትን በብእዋኑ እንርእዮም ሓልዮት አምላኽ ክንርዳእ ይሕግዙና። በዚ አቢልና ኸአ አብ መንጎና ክህሉ ዘለዎ ሓልዮትን ተገዳስነትን ክንሓስብ ንክእል።

አብ አቆጻጽራ ስርዓት ሃገርና አብ ሓዲስ ዓመት 2015 ዓ.ም. ዘመነ ሉቃስ ንአቱ ስለ ዘሎና እዚ ሰንበት ጎሐ ጽባሕ ይብሃል ትርጉሙ ኸአ ወጋሕታ ማለት እዩ። አብ ኩሉ ክወግሓልና ምስ አምላኽ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮይኑ ክወግሕ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሕይወት ክሕደስ የድሊ። ምስ ሓዲስ ፍቕርን ርክብን ዓመትና ክንጅምር እሞ ኦ አምላኽ አባኻ አሚነ ብጽቡቕ እጅምሮ አሎኹ ዝአትዎ ዘሎኹ መብጽዓ ክሕሉ ብጸጋኻ አሰንየኒ እናበልና ብጸሎት ንጀምሮ።

 ሓዲስ ዓመት ሃገርና አብ ወርኂ መስከረም ይጀምር፥ እዚ አብ ፍሉይ ትርጉም ተመስሪቱ እዩ ዝጅምር፥ በዚ ወርኂ ኩሉ ፍጡር ሓዲስ መልክዕ ይሕዝ፥ ዘራእቲ ኩሉ አብ ፍረ በጺሑ ሰብ ብተስፋ ፍረ ጻማኡ ይጽበ፥ ዕምባባታት ረጊፉ አብ ፍረ ይበጽሕ። እንስሳ ጽቡቕ ይረአያ፥ ኩሉ ተሓዲሱ ይርአ። አብ ወርሒ መስከረም ከም ባህልና መርዓ፥ ተስካር ምስ እቶት ተራእዩ ሽዑ ይቝጸር፥ ዓበይቲ ውሳኔታት አብ ወርሒ መስከረም ይሕሰብ፥ ትምህርቲ አብ መስከረም ይኽፈት፥ ብሓጺሩ አብ ማሕበራዊ ሕይወት ብዙሕ ነገራት ይፍጸም። መስከረም ፈላሚት ዓመት ስለ ዝኾነት ብሓዲስ መንፈስን ርድኢትን ክትጅምር እንከላ ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዎ። ሓንቲ ከይሓሰብና ወይ ከይገበርና ሕይወትና ዓመት ይቖጽር ከይህሉ ክንጥንቀቕ አሎና።

ነዚ ሓዲስ ዓመት እምብአር ከም ካልእ ዕድል ብአምላኽ ዝውሃበና ዘሎ ገርና ንርአዮ። ዕድል ንንስሓ፥ ዕድል ንዕርቂ፥ ዕድል ንተሓድሶ መንፈስ። ትዕቢት አንነት ካብ ልብና አሊና አብ አምላኽ ንመለስ። መጀመርያ ስጉምትና እምብአር ከመሎኹ ሕይወተይ፥ አብ እንታይ ዘንጊዐ ደኺመ አሎኹ እንታይ እንተ ገበርኩ እየ ክቕየር ክሕደስ ዝኽእል ኢልና ንርእስና ንሕተት። ነፍስወከፍና አብ ልብና ንእቶ። ንሕና ብፍቕሪ አምላኽ ዝተፈጠርና ሕሩያት ፍጥረት ኢና። ክኹነን ክጠፍእ ዝተወሰነሉ ሰብ የለን፥ ኩልና አብ ሓደ መአዲ ክርስቶስ ብፍቕሪ ተዓንጊልና ክንርከብ እዩ ድላይ ክርስቶስ እሞ አብ አምላኽ ዝመልስ መገዲ ንሓዝ፥ ንሓቅን ንርትዕን መምርሒና ገርና ዓመትና ንጀምሮ።

መጨረሻ ሰንበት ናይ 2014 ዓ.ም. ፍሉይ መልእኽትን ተዘክሮን አልአ። ንድሕሪት ግልጽ ኢልና ከመይ አሕሊፈዮ ጉዕዞ እምነተይ ከመይ ነሩ ክንብል ምቹእ ጊዜ እዩ። ጉዕዞ ሕይወቱ ክርኢ ዝኽአለ ጥራሕ እዩ ከመስግን ክንሳሕ ክሕደስ ዝኽእል። ነቲ አምላኽ በዛ እትውድእ ዓመት ዝገበረልና ርኢና ክንክእል እሞ አመስጊና ክንክእል። ነዛ እንአትዋ ዓመት ከአ ብንጽሕ ልብን ሕልናን ክንጅምር ጸግኡ ከውርደልና ክንልምኖ ይግባእ። ንእትውድእ ዘላ ዓመት ብጽቡቕ ክንዛዝማ መጀመርያ ምስ አምላኽና ንተዓረቕ ምሉእ ንስሓ ኃጢአትና ንግበር። ሓዳስ ዓመት ምስ ኃጢአትና ምስ ቂምታና፥ ምስ ክፍአትና ከሎና አይንስገራ። ሓዲስ ልብን መንፈስን ሒዝና ዓመትና ብሰላም ንጀምር።

ሎሚ ዓለምና ጥምት እንተበልና ዘሕስብ እዋን ኢና ዘሎና። ውግእን ወረ ውግእን ከይ ሰማዕና ዝሓለፍናያ መዓልቲ የላን። ዘሕዝን ወረ ከምኡ ዓመጽ ጭካኔ ዝመልኦ ግፍዒ አብ ልዕሊ ንጹሓት ሰባት ንሰምዖ አሎና። ትርጉምን ጣዕሚ ሕይወትን ጠፊእዎም አብ ዘይደለይዎ ዝአትዉ ዝኸዱ ማእለያ የብሎምን። አብ ርእስና እንተ ተመለስና ህዝብና መንእሰያትና ካብዚ አብ ዓለም ዝርአ ጽልዋ አይ ወጸን አሎ። ሰብ ሎሚ ወረ ዓዲ ደልዩ ምውዓሉ ምስ መራኸቢ ብዙኃን እዩ ኮይኑ ዘሎ። ውግእ ተጀሚሩ ክንድዚ ሞይቶም ጠፊኦም እናተባህለ ዝዝረብ ንልብና ሰሊቡ አብ ጭንቀትን ስቓይን ከም እንነብር ገሩና አሎ።አብ ሃሃገሩ ነናቱ ጸገም በዚሑ ዓለም ክትነብራ እተፍርሕ ኮይና አላ።ብወገና እንታይ ንግበር እንተ በልና አብ ልብና ንመለስ ንነሳሕ ንጸሊ ሓቀኛ ሰላም ሃበና ኢልና ንምበርከኽ፥ ንለምን።  

ነገራት ዝኸፍኡ ዝገብሮም እቶም ዓመጽትን ገፋዕትን ንተግባራቶም አብ ገለ ቦታታት ብስም አምላኽ ከም ዝገብርዎ አብ ገለ ኸአ መሰል ሰባት ንሕሉ አሎና እናበሉ ይገብርዎ። ታሪኽ ወዲ ሰብ ታሪኽ ገፋዕን ተገፋዕን ኮይኑ እንርእዮ ዘሎና እዩ። ሰብ ሎሚ ሰብ ብምቕታሉ ወይ ዓቢ ጉድአት አንተ አውረደ ፍትሕን ርትዕን ዘምጽአ ገሩ እዩ ዝርእዮ ዘሎ ግን ብጥፍአት ሰባት ዝመጽእ ሰላም ወይ ቅሳነት የለን። ንሰብ ሰላም ፍቕሪ እተምጽአሉ አብ አምላኽ እንተ ተመልሰ ሓቂ አብ ኩሉ እንተ አዘውተረ ከምኡ አብ ሰናይ ሓዉ እንተ ወፈረ ጥራሕ እዩ።

ወንጌል ናብ ምድሪ ሓዊ ክኽዑ እየ ዝመጻእኩ፥ ሕጂ ቐልጢፋ እንተ ትነደለይ ክንደይ ምተሓጎስኩ ይብል።ብሓቂ ዘሰንብድ እሞ ምስቲ ንኢየሱስ አብዚ ዓለም ዘምጽኦ ዝጻረር ይመስል። እንተ ኾነ እዚ ኢየሱስ ዘምጽኦ ናይ ጥፍአት አሓዊ ንዓለምን ንኹሉ ፍጡር ከም ዘይነበረ አብ ሓሙኽሽቲ ዝልውጥ አይ ኮነን። እዚ ሓዊ ምቐትን ብርሃንን ዘምጽእ እዩ። ዘንጽሕን ዘጽርን ሓዊ እዩ። ከምቲ ሙሴ አብ ቁጥቋጥ ዝርአዮ ሓዊ ህላዌ አምላኽ ዝገልጽ ሓዊ እዩ። ከምቲ ንእስራኤላውያን አብ ጉዕዞ ምድረበዳ ዝመርሐ ሓዊ፥ ከምቲ አብ ልዕሊ ሓዋርያት አብ ጽርሓ ጽዮን ዝወረደ ሓዊ እዩ። እዚ ሓዊ እዚ እቲ ንሓዋርያት ብሓላፍነት ዝተዋህበ ከምኡ ንቤተ ክርስትያንን ንነፍሲ ወከፍና ዝተዋህበ ሓዊ እዩ። ከም ዘንጽሕ ሓዊ መጠን ቃንዛን ስቓይን ከምጽእ ግድን እዩ፥ ግን አብ መጨረሻ ዘምጽኦ ምንጻሕን አብ አምላኽ ምምላስን እዩ።  

ቀጸሉ አብ ዘንበብናዮ ወንገል ኢየሱስ ንሰማዕቱ ዝበሎ ንውግእ መጸዋዕታ ይመስል፥ እዚ ግን ውግእ አንጻር ካልእ ሰብ ዘይኮነ ውግእ አንጻር ኃጢአትን ብልሽውናን፥ ውግአ አንጻር ሰባት ከም ክፉአት ዝሕሰቡ ዘይኮነ ውግእ አንጻር እቲ ኹሉ ዝኾነ ሰይጣን እዩ። ኢየሱስ ዝብሎ ንስማዕ፡ አብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩዶ ይመስለኩም አሎ፥ ምፍላይ ድአ እምበር ሰላም ከምጽእ አይኮንኩን ዝመጻእኩም እብለኩም አሎኹ። ካብ ሕጂ ንድኃር ኃሙሽተ አብ ሓንቲ ቤት እንተ አለዉ ሠለስተ ኻብ ክልተ፥ ክልተ ድማ ኻብ ሠለስተ ኺፈላለዩ እዮም፥ አቦ ኻብ ወዱ፥ ወዲውን ካብ አብኡ፥ አደ ኻብ ጓላ ጓላውን ኻብ አዲአ ሓማት ካብ ሰይቲ ወዳ ሰበይቲ ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፈላለዩ እዮም (ሉቃ 12፡51-53)።

ብዙሓት ነዚ ቃላት ኢየሱስ ቃል ንቓሉ ስለ ዝወስድዎ ዘይትርጉሙ የልብስዎ፥ በዚ ሃይማኖት ዘይመልክዑ ለቢሱ ጠንቂ ንፍልልያትን ስቓይን ውግእን አብ ዓለምና ኮይኑ ንርእዮ። ከም አብነት አብዚ ዘሎናዮ ዘመን አብ ማእከላይ ምስራቕ እንተ ጠመትና ክንርድኦ ንኽእል (አይሁድን አስላምን፥ አብ ዩጎዝላቭያ ዝነበረት አብ መንጎ ካቶሊኽን ተወህዶን አስላምን)፥ አብ ህንዲ አብ መንጎ (ሂንዱን አስላምን ክርስትያን) ዘሎ ጽልኢ። አብ ሰሜን እየር ላንድ አብ መንጎ ካቶሊኽን ከኒሻን ዘሎ ጽልእን ፍልልይን እዚ ኹሉ ግጉይ ርድኢት ሃይማኖት ናይ ዝሓዙ ሳዕበን እዩ። ብፍላይ ንአና ክርስትያን ጎይታና ከም ዘስተምሃረና ንጸላእትኹም አፍቅሩ እዩ።  

ሊቃውንቲ ነዚ ክትንትኑ እንከለዉ ኢየሱስ ነቲ አብዚ ዓለም ዘምጽኦ ዓላማ አይ ኮነንን ዝዛረብ ዘሎ እንታይ ድአ እቲ ዘይተርፍ ሳዕበን ምጽአቱ እዩ ይብሉና። ኢየሱስ ዝመጽአ ሓቀኛታት ወድን ጓልን አምላኽ ዝብሃሉ ንቃል አምላኽ ዝሰምዑ ከም ዝኾነ ክገልጽን፥ እቶም ደቂ እዚ ዓለም ዝኾኑ ኸአ ነቲ አምላኽ ዝሰረታ ዝቋወሙ ከም ዝኾኑ ክገልጽ ኢሉ እዩ። እዚ ንደቂ ሰብ አብ ክልተ ደምበ ይመቕሎም፥ እቶም ናይ አምላኽ ደምበ ዝኾኑን ዘይ ኮኑን።አብ መንጎ ስድራታት ዝፍጠር ጽልኢ ብሰንኪ ኢየሱስ እንርእዮ ዘሎና እዩ። እዚ ትንቢት አይኮነ ወይ እውን ድላይ አምላኽ አይኮነን እንታይ ድአ አብ ሓቂ ዝተመስረት ቤተ ክርስትያን ካብታ ክርስቶስ ዝጀመራ ክሳብ እዚአ እዋን አባና ዘሎ አብ ሕይወታ ዝተመከረትሉ እዩ።

አብ ቀዳሞት ዘመናት ክንደይ ስድራታት እየን ሓደ አባለን ክርስትያን ብምዃኑ ዝተሳቐያ። ሓደ ክርስትያን እንተ ኾነ በቶም ስድራ ይንጸል እዚ ኸአ ክርስትያን ብምዃኑ እዩ።አብ መንጎ ክርስትያን አብ ነነድሕዶም እውን ክንደይ ፍልልያትን ጸገማትን ዘይፈጠሩ።

ክርስትያናዊ መልእኽቲ ዓመጽ ዘይድግፍ፥ ፍቕሪ፥ ለውሃት ስኒት ሰላም ዘምጽእ እዩ። ንሰባት አብ ሓደ ዘምጽእ ስለዚ አይሁዳዊ ግሪኻዊ፥ ባርያ ጭዋ፥ ተባዕታይ አንስታይ ዘይብል ንኹሉ ብማዕረ ዝርኢ እዩ። ክርስትና ብባህሪኡ አንጻር ዓመጽ፥ ብልሽውና፥ ፍልልይ፥ ዘይቅንዕና አንጻር ኹሉ ንመንነት ወዲ ሰብ ዝጻረር ደው ዝበለ እዩ። ተራ ናይ ሓደ ሰባኺ ወንጌል ነቶም ዝተወጽዑ ቅሳነት ዝህብ ነቶም ዝዕምጹ ኸአ አብ ሓቀና መንገዲ ዝመልስ እዩ።

ቤተ ክርስትያን እንተ ሰበኸትን ከምቲ ወንጌል ዝብሎ እንተ ነበረት እውን ባእሲ ዓመጽ ዘይተርፍ እዩ ወላ ብዝኾነ መገዲ ዝደለኻዮ ወይ ዝተጸበኻዮ ይኹን።

ስለዚ እምነት ክመቓቕለና አይግባእን።ሓሳዊ ክርስትና ወይ ሃይማኖት ጥራሕ እዩ ብመደብ ፍልልያት ምምቕቓል አብ መንጎ ሰባት ዝፈጥር፥ ንሕናን ንሶም ዝብል ዘእቱ። ክርስትና ወይ ካልእ ሃይማኖት አይ ኮነንን ነዚ ኹሉ ስቓያት አምጺእዎ እንታይ ድአ ገለ ሰባት ክርስትያን ወይ አስላም፥ ሂንዱ አይሁድ ዝብሉ ዝፈጠርዎ እዩ።

ሓቀኛ ክርስትና ንመሰል ሓቂ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝሕሉ ዝቓለስ እዩ እንተ ኾነ ነጻነት ወዲ ሰብ ዝቋወሞ ዘጥቅዖ አብ መዓልታዊ ሕይወት እንርእዮ እዩ። አብ ወንጌል ገበርቲ ሰላም ብጹአን እዮም ይብል ከምኡ እቶም ምእንቲ ወንጌል ምእንቲ ሰላም ዝሳደዱ ብጹአት እዮም። እቲ ዘገርም ክልቲኦም ብሓደ እዮም ዝነብሩ።

አብዚ ዓመትና አብ እንዛዘመሉ ዘሎን እዋን እምብአር አብ መንጎና ዝርአ ፍልልይ፥ ጽልኢ፥ ዓመጽ ካባና አውጺእና አብ ሰላምን ፍቕርን ዕርቅን ንመለስ። ጸጋ አምላኽ አብ መንጎና ክዓዝዝ ልብና ነንጽሕ አብ ጽቡቅ አብ ምግባር ንውፈር።

ነዛ ዓመት መመላእታ ብሰላም ብፍቕርን ምስ ጥዕና ንዘጽንሓና እና አመስገና ነዚአ እንአትዋ ዘሎና ዓመት ናይ ፍቕርን ሰላምን ምሉእ ነጻነትን ይግበረልና።

 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።    

02 Sep 2022, 18:23