ድለ

2018.12.27 Camerun - Pime - Yagoua 2018.12.27 Camerun - Pime - Yagoua 

ሰንበት ዘፍሬ መስከረም 15 2015 ዓ.ም. (9/25/2022)

መዝሙር፡ እኩት አንተ ወስቡሕ ስምከ ወዓብይ ኀይልከ. . . . . . . ኦ ጉይታ ንፍሬ ምድሪ ባርኽ ንክረምቲ ብበረኸትካ እትኸፍት ጎይታይ ከማኻ ዝበለ ጻድቕን መሓርን መን አሎ፤ እታ ጠምያ ነይራ ዝጸገበት ነፍሲ ካብ ሞት ድኂና ትባርኸካ አላ። አብ ሰማይ እትቕመጥ ብትሑታን እትባረኽ ምስጉን ኢኻ። ስምካ ንኡድ ክእለትካ ድማ ዓቢ እዩ። ንስኻ ኢኻ ንሰንበት ዕረፍቲ ጌርካ ዝሠራዕካን ንኹሉ ዝግብኦ ምግቢ ዝሃብካዮን።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  1ጢሞ 2፡1-8 ያዕ 5፡1-10፤ ግ.ሓ. 19፡21-ፍ ሉቃስ 16፡1-13. ስብከት፡ ምድርኒ ውሃበት ፍሬሃ፤ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ፤ ወይባርከነ እግዚአብሔር። መዝ፡ 85፡12

እዋኑ እዋን ፍረ ብምዃኑ ምስማክ ናይ ሎሚ ሰንበት፥ እግዚአብሔር አምላኽ ይባረኽ ምድሪ ፍሬአ ትህበና አላ እናበለ ናይ ኩሉ ውህበት ምንጪ አምላኽ ከምዝኾነ እሞ ክንመስግኖ ይምዕደና። አብ ምጅማር ዓመት ስለ ዘሎና ፍሉይ ተበግሶ አብ ኩሉ ሕይወትና ብፍሉይ ከአ አብ እምነትናን ጉዕዞ ክርስትያናዊ ሕይወትናን አትክሮ ክንገብር ዓመትና እንቕደሰሉ አምላኽ ዝኸብረሉ እምነትና ዝምስከረሉ ኽገብረልና ብጽቡቕ ንጀምሮ።   

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና አብ ገንዘብ፥ አብ ንዋታዊ ንብረት፥ ከምኡ ምስ ጽጉማት ድኻታት ሓገዝ ዝደልዩን ዘሎና ርድኢትን አተሓሳስባን ርክብን ከመይ ዝበለ ክኸውን ከምዘለዎ ተረዲእና አብ ሓቀኛ ርድኢት ክንምለስ የዘኻኽረና።አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ንብዙሓት አብ ድኽነት፥ ጭቆና፥ ስደትን አውሪዱ ዘሳቒ ዘሎ ሓቂ ወይ ርትዒ ስለ ዝጠፍአን ሰባት ብስስዐ ልቦም ስለ ዝተዓጽወ ንጸገም ሓዎም ከም መኽሰብ ወሲዶሞ ንዝገደደ ክፍአት ስለ ዝወፍሩ ዘለዉ፥ ከምኡ አብ ሓላፍነት ዘለዉ ሓላፍነቶም አብ ክንዲ አገልግሎት ህዝቢ ዘውዕሉ አብ ሣልጣንን ምቺትን ገዛእ ርእሶም ስለ ዘድሃቡ ዓለምና እዚ እንርእዮ ጸገም ወሪድዋ አሎ።

አብ ብሉይ ኪዳን መብዝሕትኦም ነብያት ነቲ ብግዚኦም ዝነበረ ግፍዕን ዓመጽን ዓው ኢሎም ይዅንንዎ ነሮም ብዙሓት ካብኦም በቲ ዝበልዎ ጽዋእ ሞት ተቐቢሎም። ነብያት ደፊሮም ንድላያ አምላኽ ክነግሩ ዝተላእኩ እዮም።ንአብነት ኤርምያስ ነብይ አምላኽ ናብቶም ዓልዮም ዝነበሩ ሰመናዊ መንግስቲ ወላ እኳ አነ ገና ቆልዓ እየ፥ ክዛርብ አይክእልን እንተ በለ ኪድ እብለካ አሎኹ፥ ተንሥእ ሕቜኻ ተዓጠቕ እቲ አነ ዝእዝዘካ ኹሉ ንገሮም (ኤር 1፡4-119) እናበለ ከም ዝአዘዞ ነንብብ። አብ ትንቢት አሞጽ 8፡4-7 ዘሎ እንተ ርአና እውን አሞጽ ነብይ አብ ልዕሊ ድኻታት ንዝወርድ ዝነበረ ዓመጽን ጭቆናን ክኹንን ንርኢ። ትንቢቱ አብቲ ሃብታማት ንመሬት ድኻታት ወሲዶም አብቲ ዝወሰድዎ ባራዩ ዝገበሩሉ እዋን እዩ ጽሒፍዎ። እቶም ሃብታማት ንገዛእ ርእሶም ክህብትሙ ኢሎም ብዙሕ መግቢ ንዕዳጋ ይልእኩ ነሮም እቶም ድኻታት ግን ብናይ ጥመት ሓለንጊ ይልብለቡን ይሞቱን ነሮም። ሎሚ አብ መላእ ዓለምና እንርእዮ ዘሎና ግፍዒ እዩ። አብ ገለ ቦታታት ንመዓልቲ ዝብላዕ ዘይብሎም እንከለዉ ገለ ኸአ ገንዘቦም ሃብቶም አብ ዘይጠቅም ምቾትን ጣዕምን ከሕልፍዎ እንርእዮ ዘሎና እዩ። አብ ገለ ኸአ ንኽይህቡ ዝህብዎ ምኽንያት ድኻታት ሃካያት እዮም ወይ አብ ዓለም ኩሉ ጊዜ ድኻታት ክህልዉ እዮም ስለዚ ብዙሕ ክንጉሂ ወይ ከጸግመና የብሉን ይብሉ። እንተ ኾነ እዚ ክፍአትን ሕልና አልቦ ዝኾኑ ዝብልዎ እዩ። እቲ ሓቂ አብ ዓለምና ሎሚ ብዝያዳ ዓመጽ ግፍዒ ጭቆና አብ ልዕሊ ድኻታት አሎ ነዚ ኢና ክንቅይር ንሕተት ዘሎና።

ቅ. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ አብ ዝጽሓፋ ብዝያዳ ጸሎት ምእንቲ እቶም አብ መርሒነት አብ ሥልጣን ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ዘለዉ ክንጽልየሎም ከም ዝግብአና ይነግረና። ጸሎትና አብ ኩሉ ዕለታዊ ተግባራቶም ንድላይ አምላኽ ክገብሩ ክሕግዞም ዕለት ዕለት ብመንፈስ ክቕየሩን ጥበብ ክህቦም ክሕግዞም  እዩ። መራሕትናን ገዛእትናን እንተ ተቐየሩን ለባማትን መስተውዓልትን እንተ ኾኑ ብልሽውና ዘይቅንዕና፥ ስስዐን ጭቆናን አብ ኩሉ ምምሕዳራትናን ክጠፍእ እዩ።ፈሪሓ አምላኽ ዘለዎ መራሒ ንርእሱን ህዝቡን እዩ ዘድሕን።  

ንመራሕትና አብ ምሕማይ ምፍራድ ምውቃስ ጥራሕ እንተ ኾና ለውጢ ክመጽእ አይክእልን እዩ። ኩሉ ጊዜ ከየቋረጽና ክንጽልየሎም ይግባእ፥ ብዙሕ ጊዜ አብ ልዕሊ መራሕትና ዘሎና አረአእያ ቅኑዓት ከምዘይ ኮኑ፥ ብልሽውና ዘጥቅዖም ሓልዮት ህዝቦም ዘይብሎም ገርና ኢና እንርእዮም። ብርግጽ ብዙሓት ከምኡ እዮም ጸገም ህዝቦም አይናቶምን እዩ፥ ግን ንሕና ከም ክርስትያን መጠን ንሕማቕ እነሸንፎ ብወገና ክንገብሮ ዝግብአና ክንገብር ምስ ከአልና እዩ። ቅድሚ ምፍራድና አነኸ አብ ልዕሊ ሓወይን ሓፍተይን ከባቢአይን ከመይ ዝበልኩ እየ ኢልና ንርእስና ምርአይ የድልየና። አይትፍረዱ ከይፍረደኩም ኢሉና እዩ። ፈራዳይ አምላኽ ስለ ዘሎ አብ ጽቡቕ ክምለሱ አምላኽ ልቦናን ጥበብን ክህቦም ክንጽልየሎም ይግባእ እዚ ኸአ ንአና ምእንቲ ክጥዕመና እዩ።

ጸሎትና ምእንቲ መራሕቲ ጥራይ ዘይኮነ ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና ክንገብር ይግባእ። ሓይሊ ጸሎት እዩ ንነገራት ዝቕይር ምኽንያቱ ክንጽሊ ከሎና ምስ አምላኽ ስለ እንራኸብ ኩሉ አሎና። ምጽላይ ማለት ምስ አምላኽ ምዃን እዩ። ዝጽሊ ሰብ ንጸገም ሓዉን ሓፍቱን ክርኢ ጸገም የብሉን። ጸሎት ንፍቕሪ ክንጅምራ ባብ ይኸፍተልና ሽዑ ንጽጉም ድኻ ሓውና ክንርኢ ንክእል እሞ አብ ምሕጋዞም ንወፍር።

ሓንሳብ ነዚ እንተ ተረዳእና ንኣይ ይጥዓመንን አንነትን ክጠፍእ እዩ። ሽዑ ብዛዕባ ርእስና ጥራሕ ምሕሳብን ንኻልኦት ዘይምግዳስን ደው ክነብሎ ኢና። ናይ ኻልኦት ጥቕምን ጽቡቕን ነገርን ክንሓስብ ኢና።አምላኽ አብዚ ዓለም ካብ ዘሎ ሃብቲ ብማዕረ ክንካፈል እዩ ድላዩ፥ ከምኡ ነፍሲ ወከፍና ክንድሕን ይደልየና። እዚ ኸአ አብዛ እንነብራ ዓለም ንኹልና ዝአክል ህያብ አምላኽ ዝኾነ መግቢ ይኹን ካልእ ነገር አሎ፥ አጸጊሙ ዘሎ ሰባት ንአይ ጥራሕ ዝብል ስስዐን ህርፋንን ልቦም ስለ ዝገዝኦ ክካፈሉ ከቢድዎም ዓለምና ፍቕሪ ውሒድዋ ደቂ ሰብ ክሳቐዩ ንርኢ አሎና። ካብ ዘሎ ክንወጽእ እሞ ንኹሉ ብማዕረ እትርኢ ዓለም ክንፈጥር ናይ ነፍሲ ወከፍና ተሳትፎ የድሊ። እዚ ባህግን ዘረባን ጥራሕ ዘይኮነ ኩልና ብሓባር አብ ግብሪ ክንገብሮ ዘሎና ጉዳይ እዩ።

አብ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ኢየሱስ ዘዘኻኽረና ገንዘብን ንዋታዊ ነገራትን ሓላፋይ እምበር ነባሪ ከም ዘይኮነ እዩ። ድሕነትና ከየጥፋእና ከመይ ጌርና ክንጥቀመሎም ከምዘሎና ይመኽረና። አበሃህላ አሎ ዝበለጸ መኽሰብ ክትረኽበሉ እትኽእል አብ ድኻታት እትገብሮ ዕደገ investment እዩ። ስለዚ አብ ድኻታት  ኩነታቶም ንምቕያር ዝያዳ አትኩሮ ወይ አድህቦ ምግባር ክንምሃር አሎና። ገንዘብና ሃብትናን አብ ድኻታትን ጽጉማትና አብ ምሕጋዝ ክነውዕሎ እንተ ዘይክአልና ስስዓዐን ንአይ ይጥዓመንን አብ ዝብል ጥራሕ ከም እነውዕሎ እዩ ዝገብረና።

ገንዘብ አብ ጽቡቕ መዓላ ብጥበብ ክንጥቐመሉ እንከሎና ጽቡቕ ዋጋ አለዎ። እቶም ዓያሹን አርሒቆም ዘይርእዩን ንገንዘብ ከም ቀንድን ልዕሊ ዝኾነ ገሮም ይርእይዎ፥ ከይተረድኦም የምላኽዎ በዚ ኸአ ልዕሊ አምላኽ ይርእይዎ አብ ወጽዓ ድኻታት ከአ የውዕልዎ። ፍርሃት አምላኽ ዘይብሉ ሃብቲ አብ ምጭኳን ድኻታትን ጽጉማትን ክትውዕሎ ይገብረካ። በዚ እዩ መዝ. 14፡1 ዓሻስ ብልቡ አምላኽ የልቦን ይብል ዝብል።

ብአንጻሩ እቲ ለባምን መስተውዓልን ዝኾነ ሰብ ገንዘቡ አብቶም ሽጉራትን ዝተጸገሙን የውዕሎ። እምብአር አምላኽ ባሪኹና ወነንቲ ሃብትን ገንዘብን እንተ ኾና ክነመሓድሮ ዝተዋህበና ከም ዝኾነ ክንፈልጥ አሎና። ሃብቲ ገንዘብ ክውሃበና እንከሎ ብዓላማ እዩ፥ ሕይወት ናይ እቶም ድኻታትን ጽጉማትን ክንልውጥ ክነመሓይሽ ምእንቲ እዩ። ሃብቲ ህያብ አምላኽ እዩ ግን ምእንቲ ርእስናን ስድራናን ጥራሕ ዝውሃብ አይ ኮነን።ብዘሎና ሃብትን ገንዘብን ሕያዎት ለጋሳት ክንከውን አሎና።

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር አምላኽ ንድኻታትን ንጽጉማትን ክንምዝምዞም ወይ በቲ ዝተጓነፎም ጸገም ምኽንያት ገርና ክንብለጸሎም ወይ እውን ከም ዕድል ተጠቒምና ክንብለጸሎም ከምዘይግብአና ክንሓስብ የዘኻኽረና። ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ከም ግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ ምኽንያቱ አብ መጨረሻ ሕሳብ ጸብጸብ ክንህበሉ ኢና። ነቲ አምላኽ ብእምነት ዝሃበኒ ሃብቲ ወይ ንብረት ከመይ ገረ ተጠቂመሉ? ሕይወት አብዚ ዓለም ግዝያዊ እዩ ግን አብዚ ዓለም ክሳብ ዘሎና ብተግባራትና ንአምላኽ ነገልግል።ኢየሱስ በቲ ዝተዋህበና ሃብቲ ጸጋ ቅኑዓት ከም ዝኾና ክንምስክር ይደልየና።ሽዑ አብ መንፈሳዊ ነገራት ብዝያዳ እሙናት ክንከውን ኢና። በቲ አብ ከባቢና እንገብሮ ክንሕተት ኢና። ሓደ ሓውና ብጥመት ብሕማም ብስእነት ኮታስ ብዝተፈላለየ እናተሳቐየ እንከሎ ቍልሕ ክንብሎ እንተ ዘይከአልና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንሕተተሉ ኢና። አብ ኩሉ ብሓቅን ቅንዕናን ብማዕረ ክንርእን ክነመሓድርን እዩ ዝግብአና።   

ክርስቶስ ምእንቲ ደቂ ሰባት ክሕጎሱ ክድሕኑ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ሰዊኡልና።ነዚ ክንስዕብን ክነተግብርን ትእዛዙ እዩ፥ አብ ዓለም ኪዱ ነቱ አነ ዝበልኹኽምን ዝገበርክዎን ንገሩ ኢሉ እዩ፥ ዝኾነ ግፍዒ ጭቆና አንጻር ድኻታትን ጽጉማትን ዝግበር አብ ቅድሚ አምላኽ ከም ደም አቤል የእዊ (ዘፍ 4፡10) እዩ። ክርስቶስ ጠበቓ ድኻታትን ድኹማትን እዩ። ምእንትኦም ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ሰዊዑ።

አብዚ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና እምብአር መጀምርያ ንወሃቢ አምላኽ እናአመስገና ነቲ ዝውሃበና ዘሎ ጸገ ክነፍርየሉ ልዕሊ ኹሉ ንጽጉማት ወገና ብዝክአለና ክንሕግዞም ክንዕጠቕ መጀመሪ ገርና ዓመትና ንተልሞ። ኦ አምላኽ ነቲ ኩሉ ሂብካኒ ዘሎኻ ጸጋ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ከውዕሎ ሓግዘኒ፥ ናይ ሥጋ ነገር ስዒሩኒ ካብ ድለትካ ከይወጽእ ሓግዘኒ ንበሎ።

ብሩኽ ሰንበት

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

24 Sep 2022, 12:46