ድለ

ብዓለ መስቀል መስከረም 17 2015 ዓ.ም. (9/27/2022)

ምስባክ፡ 1. ወወሃብኮም ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፥ ከም ያምስጡ እምገጸ ቀስት፥ ወይድኃኑ ፍቁራኒከ። 2. ወአጽንኦ እግዚኦ ለዝንቱ ተሠራዕከ ለነ፥ ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም፥ ለከ ያምጽኡ ነገሥት አምኃ። “ኦ አምላኽ ሓይልኻ ግለጽ፥ ስለቲ አብ ኢየሩሳሌም ዘሎ መቕደስካ ነገስታት ውህበት ከምጽኡልካ እዮም” መዝ. 68፡28~29።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ፩ቆሮ 2፡1-12፥ ፩ጴጥ 2፡20-ፍ፥ ግ.ሓ. 4፡19-31፥ ሉቃ 9፡18-28. 2. ዘኁልቅ 21፡4-9፥ ፍሊጲስዩስ 2፡6-11፥ ግ.ሓ. 2፡22-37፥ ዮሓ 19፡25-30።

ብዓለ መስቀል፥ አብ ስርዓት ዓድና አብ ዓመት ክልተ ጊዜ ተዘኪሩ ይብዓል። አብ የካቲት 10  ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ዕለት ይዝከር። አብ መስከረም 17 ንግስቲ ኤለኒ አደ ንጉሥ ቆስጢንጢኖስ ሮማዊ አብ 320 ዓ.ም አቢሉ ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ዝረኸበትሉ ዕለት ንዝክር። አብ መስከረም 17 ንመስቀል ክነብዕል እንከሎና ምስኡ ዝኸይድ ብዙሕ አብ ባህልን እምነትን ምስ ኩነታት ወቕቲ ዝኸይድ ብዙሕ ነገራት አሎ። ንግስቲ ኤለኒ ኩዕታ ምስ ገበረት ሰለስተ መስቀል እያ ረኺባ ናይ ኢየሱስን ናይ እቶም ክልተ ምስኡ ዝተሰቕሉን፥ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ አየናይ ምዃኑ ክግለጸላ ጾምን ጸሎትን ድሕሪ ምግባር ነቲ ዝተረኽበ መሳቕል አብ ልዕሊ ሓደ ልሙስ ሕሙም በብሓደ ምስ አንበርዎ እታ ናይ ኢየሱስ ምስ አንበሩሉ ስለ ዝሓወየ በዚ ናይ ኢየሱስ መስቀል አየናይ ምዃኑ ክትፈልጥ ክኢላ። በዚ ኸአ መስቀል መድኃኒና ተረኺቡ፥ ካብዚ ዕለት ንድሓር ተረክቦተ መስቀል ብዝብል ክብዓል ተጀሚሩ።

ምስፍሕፋሕ ምስልምና አብ ቅድስት ሃገርን ከባቢኡን ከምኡ ብዙሓት ክርስትያን ካብቲ ግማድ መስቀል አብ ዓዓዶም ብምውሳዶምን አብ ፈቐዶ ቦታ ፋሕ ስለ ዘበልዎ አብ ዝሰዓበ ዘመናት ብቐሊል ክርከብ አይተኻእለን። ብዙሓት አብያት ክርስትያናት ተረፍ ግማድ መስቀል አሎና ዝብላ አለዋ ንአብነት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ከይተረፈ ግማድ መስቀል ብጊዜ ሃፀይ ዓምደ ጽዮን አብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጽኤ ትነግር እንተኾነ ሓቅነቱ ክተረጋግጽ ቀሊል አይኮነን። እቲ ዝዓበየ ነገር ትርጉም መስቀል ተረዲእካ ምኽአል እዩ። መስቀል ሎሚ አብ ልባትና እዩ ክርከብ ዝግብኦ።

አብ ባህልና አብዚ እዋን ፍሉይ ነገራት ይግበር። ኩሉ አብ ፍረ በጺሑ ገልገለ መስቀለ ፈርዩ ምድረ ሰማይ ንኽትርእዮ ደስ ዘብል ኮይኑ፥ ዘራእቲ አብ ምስዋት በጺሑ ሓረስታይ ተስፋ ዘራእቱ ዝርእየሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ። በዚ ዕለት ልክዕ ከም ብዓል ቅ. ዮውሓንስ ሆየ ሆየ እናበሉ መንእሰያት ሽግ ወይ ቆልቋል አብሪሆም ንዓዲ ዝዞሩሉን ርሑስ መስቀል ይብረቐና እናተብህለ እዚ ብመስቀል ዝጅምር ዘሎ ዓመት ይርሓሰና እናበልና ንጅምሮ። እዋኑ እዋን ለውጢ እዩ መሬት እንስሳ ሰብ ኩሉ ብሓባር ሓዲስ መንፈስን ሓዲስ መልክዕን ዘርእየሉ እዋን እዩ። ሰብ ዓመታዊ መደባቱ ምስቲ ዘእትዎ ምህርቲ ገሚቱ ይገብር ስለዚ እዋናት መስቀል ኩሉ ዓመታዊ ሕይወትና እንጅምረሉ እዩ።

ብዓል መስቀልና እምብአር አብ ጽኑዕ ተሓድሶን እምነትን ገርና ኢና ክንጅምሮ ዘሎና። ባህርይ ግዙፋዊ ነገራት ዘርእዮ ለውጢ ጥራሕ ዘይኮነ ምጅማርና መንፈሳዊ ሕይወትና እውን ክሕደስ ክዓቢ ይግባእ። ዓመት መጺኡ ክሓልፍ አይኮነን ዝውሃበና ምስ አምላኽ ዘሎና ምቅርራብ

ክንዓብየሉን ክንሕደሰሉን ምእንትን እዩ እሞ ነዚ መንፈስ አሕዲርና ንበገስ።

አብ ሕልናና አቲና ክንርኢ እንተ ኸኣልና ብዓለ መስቀል ክነብዕል ከሎና ፍሉይ ነገር ኢና እንዝክር። ቅ. ጳውሎስ ከምዝብሎ ክርስቶስ ምእንታና ዘይሞተ እንተ ዝኸውን እምነትና ከንቱ ምኾነ። ኢየሱስ አብ መስቀል፥ ሞይቱ ፍሉይ ፍቕሪ አምላኽ ገሊጹልና ሕይወት አምጺኡልና። መስቀል ንሓደ ክርስትያን ፍሉይ ተዘክሮ እምነት አልኦ። ንሕና እውን መስቀልና ክንጸውር እንከሎና አብ ሕይወትና ይኹን አብ ሕይወት ካልእ እንምጽኦ ለውጢ አሎ። ኩልና አብ መስቀል ዘሎና ርድኢት አዕቢና ክንጉዓዝ ከሎና ተሓድሶን ዕብየትን ክነርኢ ኢና። መልክዕ መስቀል አባና ክርኤ እሞ ሰባት ነቲ ምእንትኦም ዝሞተ ክርስትስ ክፈልጡ ናይ ነፍስ ወከፍና ጸዋዕታዊ ሓላፍነት እዩ። ንሕና እንሰብኮ ሕይወት ዝህብ መስቀል እዩ። አብኡ ተስፋ ትንሣኤን ሕይወትን ይርከብ፥ ሰባት አብኡ ክምለሱ እንከለዉ ሰላም ምምሕሓር የዘውትሩ።

መስቀል አብ እምነትና።

 ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ምስ ሞተ እዩ ደቂ ሰማይ ገሩና። ድሕነት ብመስቀል እዩ መጺኡና ምናልባት ከም ርድኢት ሰባት ብኻልእ ከድሕነና ምኽአለ ነሩ ይኸውን ግን እቲ ዝመረጾ መስቀል እዩ ስለዚ ንድላይ አምላኽ ብድላይናን ስምዒትናን ክንትክኦ አይክአልን እዩ። ምልክት መስቀል አብ ታሪኽ ክርስትናና ካብ መጀመርያ እዩ ነሩ። ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ርድኢት መስቀል ናይ ጨካን መቕጻዕቲ ዝለዓለ እሞ ነቶም ንህዝብን ዓቢ ገበን ዝገበሩ እዩ ዝውሃብ ነሩ። በዚ ምኽንያቱ እዩ ሄረዱስ ንኢየሱስ አብ ሞት ዘብጽሕ ገበን አይረኸብኩሉን እናበለ ንህዝቢ ዝሓትት ዝነበረ። ሊቃነ ካህናትን ዓበይቲ ዓድን አይሁድ ግን ስቐሎ ስቐሎ እናበሉ ክስቀል ሓቲቶም። ካብ ከተማ ወጻኢ አብ መንጎ ገበነኛታት ሰቐልዎ ይብለና ወንጌል። ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ አብ ዓወት ቀይሮሞ። መስቀል ናይ ዓወትን ትንሣኤን ምልክት ኮይኑ። ንስቕለት ክርስቶስ ዓው ኢሎም ሰቢኾሞ ምእንትኡ ተሰዲዶም ምእንትኡ መይቶም አብ ኩሉ አብጺሖሞ። እዚ ሰረት እዩ ሎሚ እንዝክሮ ዘሎና። ቀዳሞት ክርስትያን ንአተሓሳስባ ጥራሕ አይኮኑን ቀይሮም ንባህልን ርድኢትን ሰባት ቀይሮም ነቲ ሕፍረት ሞት ዝነበረ አብ ዓወትን ክብርን ቀይሮሞ፥ እዚ ግን ብዘይ ዋጋ አይኮነን፥ ሎሚ አብዚ እዋና ንርድኢት መስቀል ብዳግም ሓዲስና እንሰብክ ንሕና ኢና።

መስቀል አብ ጉዕዞ እምነት ክርስትያን።

ምልክት መስቀል አብ ቀንዲ ስርዓት አምላኾታት ክርስትያን አሎ። ጸሎት ብምልክት መስቀል ንጅምሮ፥ አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ደጋጊምና ትእምርተ መስቀል ንጥቀም፥ አቡናትን ካህናትን ንዝኾነ ብምልክት መስቀል ይባርኽዎ፥ ከምኡ መስቀል አብ ኢዶም ሒዞም ንህዝቢ ቡራኬ እናሃቡ የሳልሙ። አብ መአዲ አብ ካልእ ዓበይቲ ጉዳያት ጸሎትና ብትእምርቲ መስቀል ንጅምሮ። ሰባት አብ ክሳዶም መስቀል ይገብሩ። ምልክት መስቀል ዘይብሉ ስርዓት ክርስትና የለን። አብ ልዕሊ መንበረ ታቦት አብ ገለ ምስሊ አብ ገለ ኸአ ስእሊ መስቀል መስዋዕቲ ክርስቶስ ከዘኻኽር ይግበር። አብ ሃሃገሩ ንመስቀል ክርስቶስ ብዝተፈላለየ አገባብን ምልክትን ይዝክርዎ። አብ ግብጻውያን መስቀል አብ ኢዶም ምልክት መስቀል ብምውቃጥ ክርስትንኦም ይገልጹ። አብ ባህሊ ጸዓዱ ሰብ ምስ ሞተ ንሰብአያ ወይ ንሰባይቱ ዝሞቶቶ ሰብ ካህን ድሕሪ አብ ቅዳሴ ዝፍጸም ስርዓት ምልክት ጽንዓት መስቀል ይህቦም። አብ ዓድና ደቂ አንስትዮ ብፍላይ አብ ግንባረን ምልክት መስቀል ብምውቃት ከምኡ አብ ክዳን አብ ገዛውቲ አብ ኩሉ ምልክት መስቀል ይገብራ እዚ ኸአ ክርስትንአን አብ ልበን ጥራሕ ዘይኮነ ዝርእየን እውን መን ምዃነን ከለሊ ብዘይ ሓደ ፍርሕን ሕፍረትን የርእይኦ። አብ መቓብር ከይተረፈ ንክርስትያን ምልክት መስቀል ይግበረሎም። ሰብ ሓደ ዘይተጸበዮ ነገር እንተ ተጓነፎ ምልክት መስቀል ይገብር። አስመትና ብዙሕ ምስ መስቀል ዝተተሓሓዘ እዩ፥ መስቀል፥ ለተ መስቀል፥ ፍረ መስቀል፥ ዓንደ መስቀል፥ ክፍለ መስቀል. . . . እናበልነ ምስ መቀል ዘሎና ርክብን እምነትን ንገልጽ።

አብ መታሕ ሃገርና አስለምን ክርስትያንን ብሓንሳብ አብ ዝነብሩሉ ዓዲ ናይ ክርስትያን ገዛውቲ ብምልክት መስቀል ይልለ። አብያተ ክርስትያናት አብ ላዕሊ ምልክት መስቀል ይግበረሎም፥ ክርስትያን አብ ክሳዶም አብ አብ ኢዶም ምልክት መስቀል ይገብሩ። መስቀል ንሓደ ክርስትያን አብ ኩሉ ሕይወቱ እዩ ዘርእዮ። ሎሚ ሰብ ንምልክት መስቀል ይኹን ንኻልእ ናይ ክርስትያን ምልክታት ዘይደፍሮ ኮይኑ ዝሓፍረሉ ኮይኑ ይርአየካ። ሕጂ ክንደይ ካባኹም አብ ክሳዶም መስቀል እልኦም እንተ ዝብል እንድዒ ክንደይ አሎኩም። ክንደይ ካባኹም ክበልዑ ምስ ቀረቡ ምልክት መስቀል ብፍላይ አብ አብያተ ብልዒ ገሮም ይምገቡ? ኦም ክነቅጽ ክጀምር እንከሎ ብሓደ ጊዜ አይ ኮነን ዝነቅጽ በብንእሽቶይ እዩ ዝነቅጽ፥ ነቕጺ እምነት ዝአትወና ኸአ ከምኡ ኢሉ በቲ ንአሽቱ ግን ዓቢ ትርጉም ዘልኦ ነገራት እምነትና ምስ ሓደግና እዩ ዝመጸና። አብ ዝኾነ ቦታ ንእምነትና አይንሕፈረሉ መስቀል መንነትናን መግሊጺ እምነትናን እዩ።

ሃገራዊ ልብሲ ክርስትናና ቀንዲ መልክዑ ምልክት መስቀል ስለዘልኦ እዩ፥ አብ ባህልና መስቀል ዝሓዘ ምሕረት ጸጋ ምስኡ እዩ። ቆልዑት እንተ ሰንበዱ ምልክት መስቀል ክገብሩ ክነግሮም ከሎና ዓቢ ትምህርቲ እዩ። አብ ገለ እዋን ግን ንምልክት መስቀል ከም ፋሽን ዝገብርዎ አለዉ ንአብነት አብ ጸወታ ኹዕሶ እግሪ ዝግበር ምልክት ዳርጋ ፋሽን እዩ ዝመስል ጀመርቱ ላቲን አመሪካውያን ምናልባት አብ እምነት ተመስሪቶም ጀሚሮሞ ክኸውን ይክአል እንተ ሕጂ እሞ ዘይአምኑ እውን ይገብርዎ እዮም፥ ምግባሩ እኳ ጸገም እንተ ዘይብሉ መስቀል ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ፥ አብ ክሳድና ዓበይቲ መስቀል ዘው ብስም አበልና አሚናሉ አየስምዕን እዩ።

መስቀል አብ ጉዕዞ እምነትና።

ኢየሱስ ክስዕበኒ ዝደሊ መስቀሉ ጸሩ ዕለት ዕለት ጸሩ ይስዓበኒ ኢሉና። መስቀል ክንብል ከሎና ግዙፍ ዕጸ መስቀል ዘይኮነስ ኩሉ ዝጓነፈና ፈተናን ናይ ዓለም ነገራት ካብ ጉዳይ ድሕነትና ዘዘንግዓና እዩ ዘመልክት። መስቀልና ክንስከም ከሎና ጥራሕ ኢና ምስ ክርስቶስ ክንጉዓዝ ንኽእል። ነፍስወከፍና ነናትና መስቀል አሎና። አጸጊሙ ዘሎ መስቀልና ክነለሊ ንኽእል የለናን። መስቀልና አብ ጎኒ አንቢርና ብዘይ ምልክተ መስቀልን ብዘይ ዝኾነ መስቀል ክንጉዓዝ መሪጽና ንነብር አሎና ሎሚ እምብአር መስቀልና ክነለሊ እሞ አብ ትንሣኤ ዝመርሕ መስቀል ክንገብሮ ይግብአና።

መስቀለይ ጸረ እስዕበካ አሎኹ ክንብል እንተ ኸአልና መገዲ አምላኽ ሒዝናዮ አሎና ማለት እዩ። ብዙሓት ዝተዋህበና መስቀል ምስካም ጸጊሙና ገለ አውሪድናዮ ብዘይ መስቀል ገለና ኸአ ምስካም አኽፊእናሉ አይ ሕሙም አይጥዑይ ገርና ንሰቕሎ አሎና ሎሚ ሓቀኛ መልክዑ ክነትሕዞ እዋኑ እዩ።

ሰበኽቲ መስቀል እዩ ጸዋዕታና።

ቅ. ጳውሎስ ነቲ ዝተሰቕለ ነቲ ዝሞተን ዝተንሥኤን ክርስቶስ እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ እናበለ ክገብሮ ዝግብኦ ዝነበረ ይነግር። ብጥምቀት አብ ማሕበር ክርስቶስ ዝተሓወስና ነዚ ነገር ክንለብሶን ክንሰብኮን ድላይ አምላኽ እዩ። ሰብ ሎሚ ንክርስትንኡ ከዊሉ ከምዘይ ክርስትያን ወይ እውን ንክርስትንኡ አብ ውሽጠይ እምበር ብግዳም ከርእዮ ግዲ አይ ኮነን ዝብል መንፈስ አንጊሱ ንመገዲ ክርስቶስ ሓዲጉ ናቱ መገዲ ሒዙ ይጉዓዝ አሎ። ዝኸፍአ ነገር ኮይኑ ዘሎ ንክርስትና ከምቲ ንሕና እንደልዮ ከምቲ ንሕና እንርድኦ ጥራሕ ክኸውን ክንደሊ እንከሎና እዩ። እዚ መንፈስ አብ ርእሰ አምልኾ የብጽሓና ሽዑ ንኢየሱስ ብአና ንትክኦ። እቲ ሓቂ ግን ንድላይ አምላኽ ክነመሓላልፍ ዝተለአኽና እምበር ንድላይና ክንገልጽ ዝተለአኽና አይኮናን። ሓቂ ክርስቶስ ብቤተ ክርስትያን ተገሊጹልና ቤተ ክርስትያን ንቃል አምላኽ አብ ጽሑፍ ገራ ሂባትና ንድላይ አምላኽ ብቃልን ብትውፊትን ትህበና ዋና ቃል አምላኽ ቤተ ክርስትያን እያ። እዚ እዩ ንእምነትና ምስቲ ሓቂ ክርስቶስ ከተሓሕዞ ዝርከብ እምበር ንቤተ ክርስትያን ሓዲግካ ባዕልኻ ብዝገልጽካዮ አይኮነ ዝርከብ። ሎሚ እምብአር አብ ሕይወትና አብ ማእከል አሕዋት እንከሎና ንሓቅን ንእምነትና ብዘይ ገለ ፍርሒ ክንሰብኽ ትሑዛት ኢና።

ትርጉምን ጣዕምን መስቀል መጀመርያ ዘስተማቐረት ማርያም እያ፥ ንሳ ንወዳ አብ ቀራንዮ ክስዋእ እንከሎ መስዋእቱ ተኻፊላ አብ መስቀል ክግዕር እንከሎ ምስኡ ግዒራ አብ መጨረሽታ ካብ መስቀል ለበዋ ወዳ አደ ክትኮነና ተቐቢላ ስለዚ ፍኖተ መስቀል እተምህር አደ አላትና እሞ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ትርጉምን ጣዕምን መስቀል ክንርዳእ ምሃርና ንበላ። አብ ትሕቲ መስቀል ዝተወሃብክና አደ ኢኺ እሞ ሎሚ እውን ለምንልና ንበላ። ብሩኽ መስቀል በሪቑ እሱር ዝፍትሓሉ ብኡስ ዝዕረቐሉ ጥሙይ ዝዕንገለሉ ክገብረልና ለምንልና ንበላ። 

ኦ ክርስቶስ አምላኸይ መስቀለይ ጸረ ዝኽእለሉ ጸጋ ዓድለኒ ንአኻ ክመስል እሞ ወዲ/ጓል ትንሣኤ ክኸውን መስቀለይ አቕልለለይ ንበሎ ብሩኽ ብዓለ መስቀል ንኽልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

30 September 2022, 10:46