ድለ

PAKISTAN-WEATHER/FLOODS-JACOBABAD PAKISTAN-WEATHER/FLOODS-JACOBABAD 

ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ፓኪስታን

ነቲ ብኣዕናዊ ምዕልቕላቅ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ፓኪስታን ቅርበተይ ኣረጋግጽ። ምእንቲ እቶም ብርክት ዝበሉ ግዳያት ምእንቲ እቶም ማህሰይቲ ዝወረዶምን ካብ ኣባይቶም እተመዛበሉን እውን ቅርበተይን ጸሎተይን እናረጋገጽ፡ ኣህጉራዊ ሓገዝን ልግስን ቅልጡፍ ክኸውን እጽሊ!

ኣብ ፓኪስታን ናይ ካራቺ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኮውትስ እቲ ኣብ ሃገሮም  ኣስታት 33 ሚሊዮን ሰባት ዝሃሰየን ኣባይትን ጽርግያታትን ዘዕነውን ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሓገዝን ቅርበትን ተማሕጺኖም “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብጸሎትን ብሓገዝን ቀረባና ብምዃኖም አመስግን” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፓኪስታን ብማይ ተዕለቕልቕ ከም ዘላን ዲጋትን ጽርግያታትን ገዛውትን ትሕቲ ቅርጽ ኵሉ ዓይንዩ እዩ ነዚ ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ጆሰፍ ኮውትስ፥ ብዛዕባ እቲ ኣስታት 380 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 1130 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ

ብጹዕ ካርዲናል ኮውትስ ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ጒባኤ ካርዲናላት ተሳቲፎምን ኣብቲ ብናይ ህንዲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ኣብ ተቕዋም ቅድስቲ ሕጻን ንሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ርክብ ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ምዕልቕላቕ ማይ ን33 ሚሊዮን ፓኪስታናውያን ዝጸለወን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ኣባይቲ ዝሃሰየን ኮታ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ብሓቂ ንምግላጹ ከም ዘጸግሞምን፥ ከም ወትሩ ዋጋ ዝኸፍሉ ድማ ድኻታት እያቶም” ኢሎም።

ካብ ኣኽራን ክሳብ ባሕሪ

እቲ ብዘይ ምቁራጽ ንኽልተ ወርሒ ዝተራእየ ዝናም ኣብ ዝሓለፉ ሳላሳ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መላእ ሃገር ዘዕለቕለቐን ካብ ኣኽራን ናብ ባሕሪ ክሳብ ምውራድ ዝበጸሐን ህይወትን ሰብን ንብረትን ዝሃሰየን ነዊሕ መደብ ዳግመ ህንጸት ዘድልዮ እዩ። ዓቢይ መዓት እዩ። ፓኪስታን እዚ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ዕንወት ንምብዳህ ናይ ውሽጥን ወጻእን ሓገዝ ኣድላዪ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

መንግስቲ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ካሪታስን ኣብ ሓገዝ ህዝቢ

ብጹዕነቶም ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ.ም. ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ንሓሙሽተ ክፋል መላእ ሃገር ዘዕለቕለቐ እዩ ነይሩ እንክብሉ ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን ካብ ብዙሓት ሃገራት ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዝ ቀሪቡ እዩ፡ ሕጂ ግን እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ኣዚዩ ዝኸፈአን መላእ ሃገር ዝተንከፈን ብምዃኑ ሓገዝ ንምቕራብ እውን ብዙሕ የጸግም ኣሎ፡ ርካብ ህዝቢ ዘዕነወ ኣዚዩ ሓደገይና እዩ። መንግስቲ ብኡ ንብኡ ተንቀሳቒሱን ሓይሊ ምክልኻል ኣዋፊሩ ዝከኣሎ ኵሉ ይገብር ምህላዉን ቤተ ክርስቲያን እውን ብካሪታስ ጨንፈር ኣብ ፓኪስታንን ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ኣቢላ ኣብ ሓገዝ ህዝቢ ዝከኣል ኵሉ ትገብር ኣላ። እቲ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት መጠነ ሰፊሕ ብምዃኑ ህጹጽ መሰረታዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ምቕራብ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ሓገዝን ቅርበትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ላኵይላ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር ምስ ኵሎም መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖም ምስ ደገሙ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ሃገረ ፓኪስታን በቲ ዘጋጠመ ከቢድ ኣዕናዊ ምዕልቕላቅ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ቅርበቶም ገሊጾም ኣብቲ እቲ ህዝቢ ዘድልዮ ቀረባ ክንከውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ዩክረይንን ኩሎም ብሰንኪ ኲናት ዝሳቐዩን ከም ዝጸለዩ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ጠንቂ ምዕልቕላቕ ማይ ከቢድ መዓት እንክብሉ ገሊጾም፥

ነቲ ብኣዕናዊ ምዕልቕላቅ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ፓኪስታን ቅርበተይ ኣረጋግጽ። ምእንቲ እቶም ብርክት ዝበሉ ግዳያት ምእንቲ እቶም ማህሰይቲ ዝወረዶምን ካብ ኣባይቶም እተመዛበሉን እውን ቅርበተይን ጸሎተይን እናረጋገጽ፡ ኣህጉራዊ ሓገዝን ልግስን ቅልጡፍ ክኸውን እጽሊ!

ከም ዝበሉን ብጹዕ ካርዲናል ኮውትስ ነዚ ዘኪሮም ኣብ ዓውደ ኣኼባ ጉባኤ ካርዲናላት እውን ክራኽቦም ዕድል ስለ ዝረኸብኵ ቀሪቦም ኣጸናኒዖምንን ንህብዝን ሃገርን ፓኪስታን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹሎምን ቤተ ክርስቲያን እውን ዝከኣላ ኵሉ ክትገብር እያ፥ ምስ ህዝብን ናይ ህዝብን ድማ እያ” ከም ዝበልዎም ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

01 Sep 2022, 16:08