ኣብ ህንዲ ግዝኣት ካርናታካ ዝጸደቐ ሃይማኖት ምቕያር ዝኽልክል ሕጊ ዝፈጥሮ ዘሎ ውጥረት
ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ካልኦት ውሁዳን ሃይማኖታት ኣብ ህንዲ ግዝኣት ካርናታካ ሃይማኖት ምቕያር ገበን ዝብል ዘጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ኣዚዩ ከም ዘተሓሰቦምን፥ እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ ውሁዳን ሃይማኖታት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ብምባል ተቓውሞአን የስምዓ ምህላወን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዋላ’ኳ ካብ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ካብ ናይ ውሁዳን ሃይማኖታት ሰዓብትን ካብ ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓለቕቲ ውድባት እቲ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ካርናታካ “ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝድግፍ እዩ” ብዝብል መግለጺ ናይቲ ግዝኣት ባይቶ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ዝጥሕስ እዩ ብምባል ቅድሚ ምጽዳቑን ድሕሪ ምጽዳቑን ብርቱዕ ተቓውሞ እውን የስምዓ ከም ዘለዋን እዚ ኣካታዒ ሕጊ እዚ፥ ናይቲ ግዝኣት ዞባዊ መንግስቲ “ሓለዋ መሰል ናጽነት ሃይማኖት ብዝብል መግለጺ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዘበገሶ እማመ” ኣብቲ እዋን ነቲ ዞባ ዝመርሑ ዝነበሩ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓቢ ኣቕሪቦምዎ ዝነበረ ኮይኑ ብዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ጸዲቑ ብዞባዊ ሓጋጊ ባይቶ ግና ምሉእ ይዅንታ ዘይረኸበ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናይቲ ዞባ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ቢጀፒ ታዋር ቻንድ ገህሎት ዕለት 15 መስከረም ካብ ሓጋጊ ባይቶ እዅል ድምጺ ክረክብ ብምግባር ፈሪሞም ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝወሰኑን እዚ ስጒምቲ እዚ ዘሰከፎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝርከቦም ካልኦት ሰዓብቲ ውሁዳን ሃይማኖታት ናይ ተቓውሞ ድምጾም የስምዑ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርድ
እቲ ናይ ዞባ ካርናታካ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ፥”ብሰንኪ ሓይሊ ዘይግብእ ጽልዋ በስገዳድ ወይ ብዝኾነ ይኹን ግብረ ምትላልን ብመብጽዓ መርዓን” ዝፍጸም ሃይማኖት ናይ ምቕያር ውሳኔ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ እቲ ሓድሽ ሕጊ ሃይማኖት ምቕያር ከቢድ ገበን ቢሉ ስለ ዝገልጾ በዚ ገበን እዚ ዝተኣስረ ዜጋ ብዋሕስ ክፍታሕ ዘይፈቅድ እውን እዩ።
ስክፍታ ማሕበረሰብ ክርስቲያን
ኣብ ግዝኣት ካርናታካ ካብ ዝርከብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እቲ 2 ሚእታዊ ዝሽፍን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቲ ሕጊ ካብ ዝቓወሞ ውሁዳን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ብቐዳምነት ከም ዝርከብን ናይ ኣርናታካ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒተር ማቻዶ ብተደጋጋሚ ድምጾም ከስምዑ ከም ዝጸንሑን ውሁዳን ሃይማኖታት እውን ነቲ ሕጊ ስለምንታይ ከም ዝቃወመኦ ዘረድእ መልእኽቲ እውን ኣብ ወርሒ መስከረም 15 እቲ ሓድሽ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቑ ንናይቲ ግዝኣት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሓላሊፎም ከም ዝነበሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይቲ ግዝኣት መግንስቲ ንዜጋታት ካብ ግዱድ ምልዋጥ እምነት ንምድሓን ዝሓቀነ እዩ ዝብል መልሲ ንዅሎም ነቲ ሕጊ ንዝቓወሙ ከም ዝሃበ የመላኽት።
እዚ ከምዚ ዓይነት ሕጊ እዚ ካብ 1968 ዓ.ም. ግዝኣት ኦሪሳ ንፈለማ ግዜ ተግባራዊ ክኸውን ካብ ዝጅምር ደሓር እውን ኣብ ብዙሓት ግዝኣት ህንዲ እናተኣታተወን ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ሃይማኖት ዘስድዑ ብዝብል ምስምስ ኣደዳ ዝተፈላለየ መጥቓዕቲ ክኾኑ ይገብር ምህላዉን ኣብ መንጐ ህዝቢ ዘይምጽውዋር የዕቢ ከምዘሎ ይንገር።