ድለ

ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ሃይቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሰብኣዎ ዕንወት ክኣለይ ጻውዒት የቕርቡ ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ሃይቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሰብኣዎ ዕንወት ክኣለይ ጻውዒት የቕርቡ 

ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ሃይቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሰብኣዎ ዕንወት ክኣለይ ጻውዒት የቕርቡ

ኣብ ሓይቲ ማሕበረ ፖለቲካዊ ወጥሪ ይቕጽል ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 16 መስከረም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መራሔ መግንስቲ ኣሪኤል ሄንሪ ካብ ሓላፍነቶም ክለቑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ መጠነ ሰፊሕ ግብረ ምዝማትን ዓመጽን ከምእተፈጸመ ክንገር እንከሎ

ናይ ሃይቲ ብሔራዊ ናይ ናይ ካህናትን ደናግል ቤት ምኽሪ፥ ኣብ ሃይቲ ዝረአ ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት ነቒፎም፡ ነዚ ወሪዱ ዘሎ መዓት ንምእላይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብዓመጽን ምዝማትን ተግባራት ዕንወት ንዝሳቐዩ ካህናትን ውፉያን ማሕበር ኣባላትን ንሃገሮምን ቅርበትን ጸሎትን ዘረጋግጽ ከምኡ እውን እዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ዝወርድ ዓመጽ ከብቕዕ ዘኽእል ህጹጽ ስጒምቲ ክውስደ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ደናግልን ሃይቲ ኣብታ ደሴት ዝርአ ዘሎ ኣዚዩ ዘሰክፍ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላውን ኩነታት ገበንን ዓመጽ ናይ ገበን ጒጅለታት እናወለደ ዝኸይድ ዘሎ ብግልጺ ከምዝነቐፉን ከምዚ ዓይነት ጻውዒት ከቕርቡ ንመጀመርታ ግዜ ከም ዘይኮነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 17 መስከረም ዝተዘርገሐ ናይቶም ገዳማውያንን ገዳማውያን ካህናትን ድናግል ብሔራዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ፥ ብፍላይ “ብኣካላውን ግብረ ገባውን ቅንዕናኦምን ኣብ ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝተዋፍሩ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከታት ካየስ ጐናይቭስን ፎርትን ኣዚዮም ንሓደጋ ዝቃልዑ ንዘለዉ ካህናትን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ነቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ግዳይ ተግባራት ዕንወትን ምዝማትን ዝኾኑ ሰባትን ተቕዋማትን” ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹን ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ሃይቲ ንምድሓን ህጹጽ ስጒምቲ ክውሰድ እውን ተላብዮም ነቲ ዝፍጸም ተግባራት ዓመጽ ከም ዝኾነኑ ኣፍሊጡ።

ቅልውላው ሓይቲ

ኣብ ሓይቲ ማሕበረ ፖለቲካዊ ወጥሪ ይቕጽል ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 16 መስከረም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መራሔ መግንስቲ ኣሪኤል ሄንሪ ካብ ሓላፍነቶም ክለቑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ መጠነ ሰፊሕ ግብረ ምዝማትን ዓመጽን ከምእተፈጸመ ክንገር እንከሎ፥ እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከምኡ እውን ኣብ ሳይንት ማርክን ጎናይቨስን ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታት ማእለያ ዘይብሉ ማሕበራዊ ህይወት ዝህውኽ ተግባራት ከም እተራእየን ብዓመጽ ዝተሰነየ ተቓውሞ እውን እናዓበየ ይኸይድ ምህላውን ኣብ ስሜን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ጎናይቭስ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓዊ ከም ዝነደደን ናይ መግንስትን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣባይቲ ትምህርትን መውሃቢ ኣገልግሎት ተቕዋማትን ዕንወት ከም ዘጋጠመን ካልኦት ከም ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ዘሳልጥ ማሕበርን ኣባይቲ ጽሕፈት ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ናይ ጳጳሳት ገዓር ሕቡራት ኢና

እቲ ብሔራዊ ናይ ውፊያትን ውፉያንን ካህናትን ወንጌላዊ ልኡካንን ማሕበር ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “በቲ ተኸሲቱ ዘሎ መዓት ጳጳሳት ሃይቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላምን ዕርቅን ንሓብር” ቢሉ “ኣብ ጐድኒ እቲ ሕሰምን መከራን ዘጋጥሞ ዘሎ ሕዝብና ኢና ነቲ ዘቕርብዎ ሕጋዊ ጠለባቶም ድማ ንድግፍ” ከም ዝበሉን፥

ኣንጻር ሕሰም ድንቁርና ዘይውሕስነት ዕሽነት ዝመልኦ ዓመጽ ንዅንን ከምኡ እውን ንማሕበራዊ ፍትሕን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ንድግፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቢና ከይተሓለልና ነገልግል

ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዒት ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ውፉያንን ይፉያትን፥ መላእ ካህናትን ደናግልን፥ “ሓድሓደ ግዜ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ሎዕሊ ተቕዋማት ቤተ ክርስቲያንን ዝፍኖ ዓመጽ እኳ እንተሃለወ፡ ነቶም ኣብ ድኽነት ንዝርከቡ ቈልዑን መንእሰያትን ሕሙማንን ስደተይናታትን ተመዛበልትን መሰሎም ዝተነፍጒን ገዛእ ርእሶም ንምውፋይ” ፈጺሞም ከም ዘየቋርጽ ኣረጋጊጹ፥ “ንዅሉ ንከቢድ መከራን ሕሰምን ዝተቓልዐ ብመሰረት እቲ ካብ ጐይታ ብዝተቐበልናዮ ተልእኾ ከነገልግሎም ኢና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ፍትሕን ሰላምን

እቲ መግለጺ ቀጺሉ “ንሕልናን ሓላፍነትን “ሃገራውን ዓለም ለኻውን ኩሎም ተዋሳእቲ ኣካላት ነቲ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሓ ክርከቦ ብቕንዕናን ንነዊሕ ብዝኣመተ ሰብኣውነት ዘማእከለ ተወፋይነት ክዓዩ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ምክሪ ጳጳሳትን ንህዝቢ ሃይቲ ቀረባ ክኾኑ ሓደራ ቢሉ፥

ህዝብና ብኽብሪ ናይ ምንባር መሰሉ ውሑስ ክኸውን ይሓትት ኣሎ፡ ሕጋዊ ኣውያቶም ይሰማዕ

እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ፥ “ንዅሉ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅላውላው ንምእላይ ዘኽእል ጻዕርታት ክኸወኑን እዚ መታን ክኸውን ኵለን ኣብ ሃይቲ ዝርከባ ገዳማትን ማሕበራት ካህናትን ደናግልን መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ናይ ሓደ ሰዓት መደብ ስግደትን ኣምኾን ኣስተንትኖን ክፍጽሙ ኣብቲ መግለጺ ጻውዒት ከምዝ ቐረቡን ኵሉ ከከም ሃይማኖቱ ምእንቲ ሃይትን ህዝባን ክጽሊ ንምሕጸን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

20 Sep 2022, 16:14