ደብረ ታቦር 13 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. (8/20/2022)
ንባባት፡ ዕብ 11:23-30, 2ጴጥ 1፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡34-51; ማር 9፡2-10. 2ይ. ምስማክ ደብር ርጉዕ ወደብር ጥሉል፥ ለምንት ይትነሥኡ አድባር ርጉዓን ደብር ዘሰምሮ እግዚአብሔር የኃድር ውስቴቱ” “እምባ ርጉእን ጥሉልን፥ ስለምንታይ ኢኹም ብቕንኢ እትትንሥኡ፥ እግዚአብሔር አብኡ ንዘለዓለም ክነብር እዩ መዝ. 69:15-16).
አብ ቅዱስ መጽሓፍ ደብረ ታቦር ዝብል አብ ክልተ ቦታ ንረኽቦ። 1. ካብ ከተማታት ዛብሎን ናይ ሌዋያን ከተማ ታቦር (1ዜና መ 6፡77) እትብሃል። 2. አብ ታሕተዋይ ገሊላ 8ኪ.ሜ ምስራቕ ካብ ናዝሬት ዘሎ ሎሚ ብጃባል አል ጡር (ኤር 46፡18፥ መዝ 89፡13) ብዝብል ዝፍለጥ። እዚ ጎቦ እዚ ንሰሜንን ንደቡብን ክትቖጻጸር ከምኡ ንጎላጉል ኤስድራኤሎን ብቐሊል ክትቆጻጸር ዝሕግዝ ገዛኢ ቦታ እዩ። ዲቦራ እትብሃል ነቢዪት ንባርቕ ወዲ አቢኖዓም ልኢኻ አብ ደብረ ታቦር ክእከቡ ነጊራቶ ዝብል አብ (ዘመሳፍንት 4፡6) ንረክብ። አብ ንቢይ ሆሴዕ ከአ ደብረ ታቦር ከም አምልኾት ጣኦት ዝገብረሉ ይዛረብ (5፡1)። አብ ትውፊት ክርስትና ደብረ ታቦር ወላ እኳ ብስም አይጸዋዕ እምበር አብ ወንጌላውያን (ማቴ 17፡1-8፥ ማር 9፡2-8፥ ሉቃ 9፡28-36) ተጠቒሱ ዘሎ ንደብረ ታቦር እዩ ዘስምዕ ዝብል እምነት አሎ።
ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ራእዩ አብ ደብረ ታቦር ከም ዝተለወጠ ይነግረና። እዚ ሃብታም ንአስተንትኖ ክፍሊ ወንጌል እዩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ጊዜ አብ እምባታት ዓበይቲ ነገራት እምነት ከም ዝተፈጸሙ ንርኢ። ብባህሪኡ ክንርእዮ ከሎና አብ ዝባን እምባ ጥዑምን ጽሩይን ንፋስ ነስተንፍስ፥ እቲ ጽቡቕ ፓናሮሚክ ራእይ ንመንፈስና ሓዲሱ ብዛዕባ አምላኽ ከም እንሓስብ ይገብረና።
ርእሲ እምባ ባህርያዊ ቦታ ንአምላኽ ክትረኽበሉ እትኽእል እዩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ አምላኽ አብ ርእሲ እምባታት ንደቂ ሰባት ብዛዕባ ርእሱን ድለታቱን መደባቱን ከም ዝገለጸ ንርኢ። ካብዚ ዝተላዕለ እምባታት ቅዱሳት ቦታታ ኮይኖም ኩሉ ጊዜ ዓበይቲ ነገራት አብኦም ይፍጸም። አብ ደብረ ሲና አምላኽ ዓሰርተ ትእዛዛት ንሙሴ ሂብዎ ነብያት ከም ኤልያስ (አብ እምባ ቀርነሌዎስ) ምስ አምላኽ ተዛሪቦም። አብ ሓዲስ ኪዳን ኢየሱስ ናይ መጀመርያ ትምህርቱ አብ እምባ ሂቡ፥ አብ እዋን ለይቲ አብ እምባ ደይቡ ይጽሊ ነሩ፥ አብ እምባ ቀራንዮ ተሰቒሉ፥ ካብ እምባ ንሰማይ ዓሪጉ። አብ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ እምብአር እምባታት ዓበይቲ ፍጻሜታት ዝተገብረሎም እዮም።
አብ ሃገርና ነዚ መሰረት ብምግባር መብዝሕትኦም ገዳማት ብዙሓት አበው ቅዱሳን ዝንበሩሉ አብ እምባታት እዮም ተደኲኖም ዘለዉ ንአብነት ገዳም ስላሴ(ጻዕዳ እምባ) ደብረ ቢዘን፥ ደብረ ሲና. . . . ፥ አብ እምባታት ጽምዋ ከምኡ ዝኾነ ጫውጫውታ ስለ ዘይርከብ ንአስተንትኖ ምቹእ ኩነታት ይፈጥሩልና። አብ እምባ ኮንካ ዋሕስ ድሕነት አሎ ጸላኢ ብቐሊል ከጥቅዓካ አይክእልን እዩ። እዚ ኽሉ አብ መንፈሳዊ ሕይወት ሰባት ናብ አምላኽ ዘቕርብ ነገራት አለዎ ስለዚ ሓፍ ዝበለ ቦታ ካብ ምድራዊ ሕይወትና ወጺእና ብመንፈስ አብ አምላኽ ክንቀርብ ይሕግዘና።
ማርቆስ ወንጌላዊ ነዚ ናይ ኢየሱስ ራእይ ምልዋጥ አብ ማእከል ወንጌሉ እዩ አስፊሩ ዝነግረና እዚ ኸአ ብዘይ ምኽንያት አይ ኮነን። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ንሱ መን ምዃኑ ክርድኡን ክፈልጡ ኢሉ ደጋጊሙ ብዝተፈላለየ መገዲ ገሊጽሎም። እንተ ኾነ ሓዋርያት ዝተረድኦም አይ መስልን ስለዚ ነዚ ናይ ኢየሱስ ራእዩ ምልዋጥ አብ ደብረ ታቦር ብፍሉይ ራእዩ ከም ዝተለወጠ ይነግረና።
ኢየሱስ አብ ደብረ ታቦር አብ ቅድሚ ሰለስተ ሓዋርያቱ ራእዩ ተለዊጡ። እዞም ሓዋርያት አብ ገተሰማኒ አብ እዋን ጓሂኡ እውን ምስኡ ክህልዉ እዮም። እዚ ናይ ራእይ ምልዋጥ ነቲ ዝመጽእ ስቓይን ሕማማን ምቅርራብ ክጠቅም ንማለት እዩ ተገሩ። ሙሴን ኤልያስን ብዛዕባ ዝመጽእ ሞቱ ምስኡ ክዛረቡ ተራእዮም። ሙሴ ዝዓበየ ነብይ ሕጊ አምላኽ ተቐቢሉ ዝሃበ እዩ፥ ኤልያስ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ነብያት እዩ። እዞም ክልተ ንኦሪትን ነብያትን ስለ ዝውክሉ ምሉእ ግለጸት አምላኽ እዩ ዘመልክት። ማርቆስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ምልአት ናይ መልኮታዊ ግልጸት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ነዚ ዝኾነ መግለጺ ወይ ቃል አየድልን ምኽንያቱ እቲ ምልክት ካብ ሕይወት ዝዓበየ ስለ ዝኾነ። አብ ቅድሚ እዞም ክልተ ንሕግን ንነብያትን ዝውክሉ ድምጺ ካብ ሰማይ ካብ አብኡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፥ ንእኡ ስምዕዎ ዝብል ተሰሚዑ። አብዚ እንርእዮ ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዲስ ኪዳን ከመይ ኢሉ ቀስ ብቐስ ከምዝተመሓላለፈ እዩ።
ኢየሱስ ንብሉይ ኪዳን ክምልእ እምበር ከጥፍእ አይመጸን። በዚ መሰረ እምብአር ክርስትና አብ ዕለታዊ ሕይወት ዘይርአ ሕቡእን ምስጢራውን ወይ ሕግን ዓምዲ እምነትን ጥራሕ ዝሓዘ አይኮነን፥ አብ ግብሪ አብ ዕለታዊ ሕይወት ክርአ ዘለዎ ሕያው እምነት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም አምላኽ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ንሱ መገድን ሓቅን ሕይወትን እዩ። ንአኡ ክንሰምዖን ክንክተሎን አሎና። መልእኽቲ ዕብራውያን ከምዝብለና ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገሩ ተዛረቦም፥ አብዘን ዳኅረዎት መዓልታት ግን ንአና በቲ ወራሲ ኵሉ ዝገብሮ ብአኡውን ንዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገሩ ተዛረበና (1፡1-2)።
ናይ ኢየሱስ ራእዩ ምልዋጥ ቀንድን ማእከል ምስጢር ሕይወቱን ከምዝኾነ ንርኢ። ክሳብ እዛ እዋን ኵሉ ቀጻልን ንዝበለጸ መገድን ይጉዓዝ ነሩ፥ ብሰብከቱን ብተአምራታቱን ልቢ ብዙሓት መሲጡ ብዙሓት በቲ ዝብሎን ዝገብሮን ዝነበረ አሚኖም እኳድአ ንጉሥ ክገብርዎ ይደልዩ ነሮም፥ ከምዚ ዝበለ ነብይ ኮቶ አብ ኢስራኤል አይተራእየን እናበሉ ይዛረቡ ነሮም። አብኡ ዝነበሮም ትጽቢትን አኽብሮትን ዓቢ እዩ ነሩ፥ እንተኾነ ካብ ሕጂ ካብ እምባ ናብ ሽንጥሮ ናብ ገተሰማኒ አብ ቀራንዮ ገጹ ክኸይድ እዩ። እዚ ናይ ራእዩ ምልዋጥ ናይቲ ዝጓነፎ ክብሪ ጣዕሚ ምልክት ሂቡ በዚ ምኽንያት ነቲ ከቢድ መስቀል ክጸውርን ነቲ ዝወርዶ ስቓያትን ውርደትን ብመንጽር እዚ ክብሪ ክርእዮ ክኢሉ። ልዕሊ ኹሉ እዚ ናይ ራእዩ ምልዋጥ አብኡ ዘሎ ናይ ሰማይዊ አብኡ ፍቕሪ ገሊጹ። አብ ጥምቀቱ አብ ሩባ ዮርዳኖስ አብኡ ከምዚ እናበለ ፍቕሩ ገሊጹ እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ። ሕጂ ኸአ እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ስምዕዎ ይብል።
ነቶም ሰለስተ ሓዋርያት እዚ ናይ ብሓቂ ንዝልዓለ ነገራት ክርድኡ ዝሕግዝ ተመክሮ እዩ ነሩ። ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኮይኑ ርእዮሞ አይፈልጡን። ጴጥሮስ ካብ ተሓጓስ ዝተላዕለ መምህር ንአና አብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ ሓደ ንአኻ ሓደ ንሙሴ ሓደ ንኤልያስ ሠለስተ ዳስ ንስራሕ በሎ። እዚ ግን አይ ኮነን። እዚ ኹሉ ንክኸውን ዘለዎ መቀራረቢ እዩ ነሩ። ምስ ኢየሱስ ኮይኖም ካብቲ ጎቦ ወሪዶም አብቲ ሽንጥሮ ምስኡ አብ ጌተሰማኒንን አብ ቀራንዮን ክወርዱ አለዎም። ካብ እምባ ታቦር ክወርዱ አይደለዩን፥ አብ ገተሰማኒን ምስኡ ክጸንሑ አይደለዩን። ኢየሱስ ምስ ተታሓዘ ኩሎም ሃዲሞም።
አብ ርእስና ተመሊስና እንተ ረአና ከም ሓዋርያት ምስኡ ክንጸንሓሉ እንደልን ካብኡ እንሃድመሉን እዋናት አሎ። ምስኡ ክነብር ንደሊ እንተ ኮነ ፈተናን ጭንቅን ምስ መጽአና ሓዲግናዮ ንሃድም። ኢየሱስ መድኃኒና ዘተስፈወና ናይ ዕምባባታት ገነት አይኮነን ገነት አውልዕን አኽሊክ መሳለቒ እሾኽን እዩ። ክስዕበኒ ዝደሊ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸሩ ይስዓበኒ ኢሉና እዩ።
አብ እምባ ደብረ ታቦር ዝተፈጸመ ንሓዋርያት ዝለዓለ ተመክሮ ንመጻኢ ዝጓነፎም ማእሰርትን ፍርድን ንምቅርራቦምን እዩ። እነዕርጎ መዓልታዊ ውዳሴና ከም ናይ ሓዋርያት ዝለዓለ ተመክሮ ነቲ አብ ዕለት ዕለት ዝጓነፈና ፍርዲ ጸገማት ፈተና እዩ። መስዋዕቲ ቅዳሴ ንግዳማዊ ለውጢ (Transfiguration) ወይ ተሓድሶ አይ ኮነን ንመሰረታዉን ምሉእ ተሓድሶ ጨሪሽካ ምልዋጥ (Transubstantiation) እዩ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ህብስትን ወይንን አብ ብኽብሪ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ይቕየር ንሕና እውን ነዚ ተቐይሮ ኢና እንጅምር። ካብ መአዲ ሥጋኡ ወደሙ ክንሳተፍ እንከሎና ሓጎስን ምሉእ ምትእምማንን ለቢስና ከም ጴጥሮስ ጎይታና አብዚ ምሳኻ ምንባር ይሕሸና አብ ምባል ክንበጽሕ አሎና። መቐረትን ጣዕሚ መድኃኒና ስለ ዘስተማቐርና ክንከይድ አይንደልን ኢና። ግን ንወጽእ ንኸይድ። አብ ምውዳእ ቅዳሴ ብሰላም እተዉ ኩዱ ወንጌለ መንግስት ስበኹ እናበለ ካህን ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክንጅምር የሰናብተና። ሽዑ መሰቀልና ነልዕል አብ ፈተናን ፍርድን ዓለም ክንአቱ ንብገስ። አብ እምባ ስለ ዝደየብና ንዅሉ ንፈልጦ ኢና ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ካብቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝተገልጸልና ፍቕሪ አምላኽ ወላ ሓደ ክፈልየና ዝኽእል የለን አብ ምባል ክነብጽሕ ኢና።
ዕለተ ደብረ ታቦር እምብአር ዕለተ ተሓድሶ ብኹሉ እያ። ንአምላኽ ምሉእ እምነትና እንገልጽሉ ንዝአረገ ጠባያትናን አተሓሳስባናን ቀይርና ምስ ኢየሱስ ብሓዲስ መንፈስ ክነብር እንውስነሉ እዩ። ካብ እምባ ከፍአትና ወሪድና ምስ ክርስቶስ አብ ጎበ ቀራንዮ ዓሪግና ንሓዲስ ትንሣኤ ንበገስ።
ኦ ክርስቶስ መድኅነይ ሕይወተይ ዝቕይረሉ ጸጋ ዓድለኒ!
ርሑስ ብዓል ደብረ ታቦር 2014 ዓ.ም.
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ