ድለ

፫ይ ሰንበት ዘፍልሰታ ነሓሰ 15 2014 ዓ. ም. (8/21/2022)

መዝሙር፡ ተጋቢኦሞ በደመና ሰማይ ኵሎሙ ሓዋርያቲሁ. . . . . . ለእመ ኮነ 15 ነሓሴ በሰንበት (ዘግቡዓን ሓዋርያት ብደመና ሰማይ ተአኪቦም ኩሎም ሓዋርያት አብ ነነድሕዶም እንታይ እዩ ጎይታና አብዛ ማዕጾ አኻኺቡና ዘሎ ተበሃሃሉ። ጴጥሮስ ንጳውሎስ ሓወይ ጳውሎስ አብ ቅድሚ አምላኽ ከይትኽሕድ ጸሊ፥ ጳውሎስ ንጴጥሮስ አነ ሓዲስ ተኽሊ ከሎኹ ቅድመኹም ከመይ ኢለ እጽሊ በሎ። ኩሎም ሓዋርያት በቲ ጳውሎስ ንማርያም አብ ቤታ አእትውዋ ብዝበሎም ተሓጎሱ፥ ማርያም ነዚ መጽሓፍ ወሲድኩም አንብብዎ በለት፥ ማርያም ካብዚ ሥጋይ ወጺአ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክኸይድ እየ፥ ነቲ ዮሓንስ አብ ሕቕፊ መምህሩ እንከሎ ዝበለካ ዘክር።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  1ቆሮ 15፡20-27፥ ራእ 11፡19-12፡1-6፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ሉቃ 1፡39-56   ምስባክ፡. 1.   ወትቀውም ንግስት በየማኒከ፥በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወሑብርት፥ ስምዒ ወለትዮ ወርኢ ወአጽምዒ እዝንኪ። “ንግስቲ ብወርቂ ተሰሊማ አብ የማንካ ትቐውም፥ ጓለይ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ ርአዪውን እዝንኺ ኸአ ጽለዊ” መዝ. 45፡9-10።  2.   ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል፥ እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሓወክ፥ ወይረድአ እግዚአብሔር ፍጽመ። (መዝ. 45፡4-5)

ዋዜማ ብዓለ ፍልሰታ ብፍሉይ ዘኪርና ነብዕል አሎና። አብ ባህልናን ዓድናን ምልስ ኢልና እንተ ረአና ድሮ ብዓለ ፍልሰታ አብ ፍሉይ ጊዜን ብፍሉይ አገባብን እዩ ዝብዓል።

  1. ፍሉይ ምህልላን ጸሎትን ጾምን ብምግባርን ብምስንዳውን እዚ ፍሉይ መንፈሳዊ ነገራቱን ጥቕሙን ይነግረና። አደ አምላኽ ምድራዊ ሕይወታ ወዲአ ብሥግአን ብነፍሳን ምስ ወዳ አብ መንበረ ግርማ ዝፈለሰትሉ ፍሉይ ዕለት ስለ ዝኾነ።
  2. እዚ እዋን አብ ሃገርና ዘራእቲ ፍሉይ ተስፋ ዝህበሉ ሓረስታይ ፍረ ጻማኡ አብ ግራቱ ብጋህዲ ዝርእየሉ ስለ ዝኾነ ሓጎስ ቅሳነት ዝመልኦ እዋን እዩ፥ እዚ እውን ምስቲ ማርያም አብ እመንትና እትጻወቶ ተራ እንተ ረአናዮ ፍሉይ ጦብላሕታ ይህበና።
  3. ንሓዲስ ዓመት ሃገርና ንቀራረብ አሎና እዚ እውን ፍሉይ ዝኽሪ አልኦ ንሓዲስ ዓመት ብሓዲስ መንፈስን ርክብን ክነብዕሎ እንቀራረበሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ ምስ ማርያም ኮና ክንቀራረብ ከሎና ፍሉይ ጸጋን ረድአትን ይውሃበና።

ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ብዛዕባ ማርያም ከስተምህሩ እንከለዉ ካብ መጀመርያ ንዘመናት ብሓገዝን መመርሒ መንፈስ ቅዱስን ተመሪሓ ቤተ ክርስትያን ንኹሉ ዝተገልጸ ሓቅታት ብዛዕባ ማርያም ብዝበለጸ ተረዲአቶ ይብሉ። እዚ ማለት ከአ ቤተ ክርስትያን በብእዋኑ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸላን አብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊት ቤተ ክርስትያን መሰረት ገራ ብዛዕባ ማርያም ዘሎና እምነትን ምስአ ክህልወና ዘለኦ ተስተምህረና።

ንቀዳሞት ክርስትያን ማርያም አደ ኢየሱስ ጥራሕ ዘይ ኮነስ አደ አምላኽ ምዃና ክገልጹን ከስትምህሩን ዘመናት ወሲድሎም። ስለዚ ነቶም አርባዕተ አዕማድ እምነትና ንማርያም ብዝርኢ እውን ጊዜ ወሲዱ እዩ መጺኡና። እቶም አርባዕተ አዕማድ እምነትና ንማርያም ብዝርኢ ኸአ አደ አምላኽ፥ ድንግል ብኅልናን ሥጋን፥ ብዘይ ኃጢአት ምጽናስ፥ ፍልሰታ እዮም።

ፍልሰታ ክንብል እንከሎና ነቲ አብ መንግስተ ሰማይ ፈሊሳ አብ መንበር ክብሪ የማን ወዳ ንዝተቐምጠቶ ኢና እንዝክር። ቤተ ክርስትያን ነዚ ካብ መጀመርያ እያ እትአምኖ ዝነበረትን ዘላን። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ XII ብ1950 ዝአወጅዎ ነቲ እምነት እዮም ገሊጾም እምበር ሓዲስ አይ ኮነን አብ እምነትና። እታ ብዘይ ኃጢአት እተጸንሰት ናይ አቦና አዳም ኃጢአት ዘይበጽሓ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድአት ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ አብ ክብሪ ፈሊሳ።

ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድአት ዝብል ሓሳብ ነቲ ማርያም መይታዶ አይ ሞተትን ዝብል ሕቶ ክንምልስ ወይ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክንፈልጥ ይሕግዘና። ገለ መማህራን ትምህርተ መለኮት አብ ግልጸት አምላኽ መሰረት ገሮም ሞት ብሰንኪ ናይ አዳም ኃጢአት ከም መቕጻዕቲ ዝወረደ እዩ፥ ማርያም ብፍሉይ ጸጋ አምላኽ ብዘይ ኃጢአት ተጸኒሳ ስለዚ ንሳ ክትመውት አይክአልን እዩ ንዝብል ይድግፉ። ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ግን ንሳ ምስ ናይ ክርስቶስ ናይ ድሕነት ስራሕ ብቐረባ ዝተሓባበረት እያ ስለዚ ምስኡ አብ ሞቱ ክትሳተፍ ዝሳነ እዩ፥ ቅድሚ አብ ትንሣኤ ምስታፋ ክትመወት ባህርያዊ እዩ ይብሉ። ክርስቶስ ስለ ዝሞተ ማርያም ግን አይሞተትን ምባል ዝገራጮ እዩ ዝመስል። ንሳ ካብ ወዳ እቲ ንሞት ዝጠዓመ እሞ ሓዲስ ትርጉም ሂቡ አብ መጋበሪ ድሕነት ዝለወጠ ካብኡ አይትበልጽን እያ ስለዚ ብሞት ሓሊፋ እያ ሥግአ ግን አይበስበሰን።

ቤተ ክርስትያን ኵሉ ጊዜ አብ እተስተምህሮ ብዘይ ዝኾነ አደናጋሪ ነገራት ንጽሕት ድንግል ማርያም ብፍሉይ ግንዖት ንሰማይ ብሥግአን ብነፍሳን አብ መንግስተ ሰማይ አብ አመጨረሻ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድአት ተወሲዳ ኢላ ተስተምህር።

ናይ ኩልና ሥጋ አብ መወዳእታ ዓለም ክትንሥእ እዩ፥ ማርያም ናይ ሥግአ ክብሪ ብፍሉይ ጸጋ አቐዲሙ ኾይኑ። አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና ቤተ ክርስትያን ንፍልሰት ማርያም ምስቲ ተንሥአ ዝብል ከይተደባልቖ ተጠንቂቓ ትጥቀመሉ። ክርስቶስ አምላኽ ስለ ዝኾነ ብገዛእ ርእሱ ንሰማይ ዓሪጉ፥ ማርያም ግን ብጸጋ አምላኽ እያ ፈሊሳ። ስለዚ ፍልሰት ማርያም ግብሪ አምላኽ እምበር ግብራ አይ ኮነን።

አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንፍልሰታ ማርያም ዝሕብር ብቐጥታ አይንረኽቦን ኢና፥ ግን ብተዘዋዋሪ መገዲ ኢና እንረኽቦ ንሳ ምስ ወዳ ፍጹም ሓድነት ስለ ዘልአ ካብ ጽንሰቱ ክሳብ አብ መስቀል ሞቱ ምስኡ ነራ። ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ማርያም አብ ናይ ድሕነት ስራሕ ብምሉእ ሓቢራ እያ ስለዚ አብ ሰማይ ምስኡ ብሥግአን ብነፍሳን ትሳተፍ አላ ይብሉ።

አብ ዘመነ ፍልሰታ መደብ አምላኽ ንኹልና ደቁ ኢና እንርኢ። ንሕና እውን አብ መወዳእታ ዓለም ብሥጋና ተንሢእና ምስኡ ክንከውን ዝተወሰነልና ኢና። አብዚ ሓቂ ብዝያዳ እንርእዮ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ዘይኮነ ናይ ሰውነት ሰብ ክብሪ እዩ። ከምቲ ቅዱስ አቦና ዮሓንስ ጳውሎስ ዝብልዎ ምስጢረ ፍልሰታ ዝእውጆ መልዕልተ ባህርያዊ መወዳእታን መንነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሥጋ ወዲ ሰብ፥ ብጎይታ መጋበርን ንቅድስናን ኮይኑ አብ ግርማ አምላኽ ክሳተፍ ዝተጸውዐ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ ይብሉ።

ካልእ ክንሓስቦ ወይ ክንፈልጦ ዘድሊ ነገርከ አሎዶ? ብዛዕባ ማርያም ነጽንዕን ነስተንትን እሞ ንሰውነትና ክነኽብርን ክንሕልውን ከም ዝግብአና ሓሲብና ንትንሣኤ ንጽበ ስለ ዘሎና ነዚ ማኅደር አምላኽ ዝኾነ ሥጋና ዝግብኦ ክብርን ሓልዮትን ክንገብረሉ ይግብአና።

አብ ቀዳመይቲ ንባብና 1ቆሮ 15፡22 ቅ. ጳውሎስ ብዛዕባ ውድቀትን ድሕነትን ይዛረብ። ከምቲ ዅላቶም ብአዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም ይብል። በዚ ምኽንያት እዩ ንክርስቶስ ሓዲስ አዳም እንብሎ። ግን ነዚ ምስ በልና ቀልጢፍና ሓደ ነገር ዘራኽብ ከም ዝጎደለ ነስተውዕል። ታሪኽ ውድቀት ታሪኽ አዳም ጥራሕ አይ ኮነን ናይ አዳምን ሔዋንን እዩ። ኢየሱስ ሓዲስ አዳም ድሕሪ ኮይኑ መን እያ ሓዳስ ሔዋን? ማርያም እያ ሓዳስ ሔዋን። ከምቲ ታሪኽ ውድቀት ብዘይ ናይ ሔዋን ክንገር ዘይክአል ናይ ድሕነት ታሪኽ ከአ ብዘይ ናይ ማርያም ክንገር አይክአልን እዩ። ማዕረ ማዕረ ገርካ ዝንገር ታሪኽ አሎ ቀዳማይ አዳምን ቀዳመይቲ ሔዋንን ብሓደ ወገና ሓዲስ አዳምን ሓዳስ ሔዋን ከአ በቲ ካልእ ወገን።

አብ ብሉይ ኪዳን እታ ሰበይቲ (ሔዋን) ካብ ሰብአይ (አዳም) ተፈጢራ፥ አብ ሓዲስ ኪዳን ግን እቲ ሰብአይ (ኢየሱስ) ካብ ሰበይቲ ተወሊዱ (ማርያም)። አብ ብሉይ ኪዳን እታ ሰበይቲ (ሔዋን) መጀመርያ ንአምላኽ አይተአዘዘትን ሽዑ ንሰብአይ (አዳም) ከም ዝወድቕ ገራቶ። አብ ሓዲስ ኪዳን እታ ሰበይቲ (ማርያም) መጀመርያ ንአምላኽ ሕራይ ኢላ፥ ንወዳ (ኢየሱስ) ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ከምዝገብር ገራ አዕብያቶ። አብ ብሉይ ኪዳን አዳምን ሔዋንን ብሓደ ክሒዶም፥ ንትእዛዝ አምላኽ አፍሪሶም። አብ ሓዲስ ኪዳን ግን ኢየሱስን ማርያምን ንድላይ አምላኽ ክገብሩ ብሓደ ተሳቕዮም። ናይ ሓዘን ኲናት ልቢ ክልቲኦም ወጊኡ።

አዳምን ሔዋንን ብሓባር ሽዑ ንሽዑ ሳዕበን ዘይምእዛዞም ረኺቦም እዚ ኸአ ኃጢአትን ሞትን። አብ ሓዲስ ሕጊ ብተመሳሳሊ መገዲ ክልቲኦም ኢየሱስን ማርያምን ቀሊጢፎም ጸጋ ድሕነት ተኻፊሎም ማለት ምልአት ሕይወት ምስ አምላኽ ረኺቦም እዚ ኸአ ኢየሱስ ምስ ዓረገ ማርያም ምስ ፈለሰት ተፈጺሙ። ወትቀውም ንግስተ በየማኒኪ በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት።

ማርያም ከሰ ናይ ሓዲስ ኪዳን ሓዳስ ሔዋንን ሓዳስ ታቦተ ኪዳንን እያ፥ ንሳ ንድላይ አምላኽ ብምእዛዝ አብ ዓለም መድኃኒ ከም ዝውልደ ገራ፥ በቲ ዝተጻወተቶ ተራ አብቲ አምላኽ ዝገበሮ ናይ ድሕነት ስራሕ ዓቢ ተራ ተጻዊታ፥ አብ መወዳእታ ዓስቢ ናይ እዚ ኹሉ ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ።

ስለዚ ፍልሰታ ማርያም ሰማያዊ ህያብ እዩ፥ እዚ ኸአ በቲ ቅዱስን ንጹሕን ሕይወት ዝመርሓቶ እዩ። ፍልሰታ ብአምላኽ ዝተዋህባ ክብሪ ነቲ ዘርአየቶ ትሕትና፥ ሕይወታ ብምልኡ፥ ሕራይ ምባላ፥ ተስፍአ፥ ፍቕራን ሕይወታ ብምልኡ አብ ኢድ አምላኽ ብዝገበረቶን እዩ። ንአና እውን አሰራን ሕይወታን እንተ ተኸተልና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንከውን ዝጽበየና ዘሎ ክብሪ እዩ። አሰራ እንተ ሰዓብና አብ ሰማይ ምስ ወዳን ምስአን ክብሪ ክንቅበል ኢና። ንሳ አብ ሰማይ ኮይና ትልምነልናን ትመርሓናን።

በዚ ብሩኽ መዓልቲ እምብአር ንማርያም አደና ክነኽብር እንከሎና ሕይወትና ንአምላኽ እዩ ዘኽብር መንፈስና ኸአ ብአምላኽ ይሕጎስ ሽዑ እታ ንግሥቲ ጽሩይ ወርቂ ተሰሊማ አብ የማንካ ትቐውም (መዝ. 45፡9) እናበልና ንዝምር እዚ ኸአ እዩ እቲ ሰናይ ዜናና ንሎሚ።

ብሩኽ ፫ይ ሰንበት ዘዘመነ ፍልሰታ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

21 Aug 2022, 16:06