ድለ

፪ ሰንበት ዘፍልሰታ ነሓሰ 8 2014 ዓ.ም. (14 ነሓሰ 2022)

መዝሙር፡ ዛቲ ይእቲ ማርያም ማኅደረ መለኮት . . . እዚአ እያ ማርያም መኅደር መለኮት ብአምሳል ሰንበት ክርስትያን ዝተሰምየት። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ አዒንተይ አብ ልዕሊ ነዋሕቲ አድባርት ገጸይ ጠመትኩ እዚአ ቅድስቲ ድንግል እያ ካብ ኩሎም ፍጥረት እትበልጽ ናይ መለኮት እሳት ዘየውዓያ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ዕብ. 9፡9-16፥ 2ዮሓ 1፡1-ፍ፥ ግ.ሓ.1፡1-ፍ፥ ሉቃ 1፡26-39።       ምስባክ፡  አዋልደ ነግሥት ለክብርከ ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወሑብርት። ናይ ነገስታት ውሉድ ንኽብርኺ እዮም፥ ብናይ ወርቂ ልብሲ ተጎናጺፋን ተሰሊማን፥ እታ ንግስቲ አብ የማንካ ትቐውም። መዝ. 45፡9።

ኩልና አብ የማን አምላኽ ክንቀውም ዝተሓረና ኢና። ማርያም ንሰማይ መሪሓ ክተእትወና ምእንቲ ነዚ ሰንበት ብፍሉይ ክነስተንትን ንዕደም አሎና። እዋናት ፍልሰታ ብማርያም መገዲ ሰማይ ክንደሊ እሞ ጉዕዞና ምስአ ክንገብሮ ንምህለል። ምስጢር ምህልላና አብ አምላኽ ክተብጽሓና እዩ።

መዝሙር፡ እዚአ እያ ማርያም መኅደር መለኮት ብአምሳል ሰንበት ክርስትያን ዝተሰምየት። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ አዒንተይ አብ ልዕሊ ነዋሕቲ አድባርት ገጸይ ጠመትኩ እዚአ ቅድስቲ ድንግል እያ ካብ ኩሎም ፍጥረት እትበልጽ ናይ መለኮት እሳት ዘይውዓያ ይብል። ንማርያም ምፍላጥ ማለት ንግብሪ አምላኽ ምፍላጥ እዩ፥ አብአ ተግባር እግዚአብሔር ንርእዮ። ማኅደር ልኡል ንብላ ምኽንያቱ አብአ ካልአይ አካል ቅድስቲ ስላሴ ኃዲሩ ካብአ ባህርና ስለ ዝወሰደ። ማርያም ውሃቢት አምላኽ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ነዚ ዕሞቕ ምስጢር አምላኽን ማርያምን ክንርዳእ ንማርያም ምሃርና ንበላ።

ክብርን ሕርየት ማርያም ክንርዳእ አብቲ አምላኽ አብአ ዝገበሮ ክንጥምት አሎና። አምላኽ ሓርይዋ ጸጋ ዓዲልዋ አብአ ሓዲሩ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ገርዋ። አብአ አምላኽ ስለ ዝሓደረ ንሳ አብ ዘላቶ ንሱ አሎ ሎሚ አብዚ እዋን አብአ ክንምህለል ከሎና አብኡ እውን ኢና እንምህለል። ብአአ አቢልና ክንቀርቦ ሎሚ እዋኑ እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ፍሉይ ፍቕሪ እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ማርያም ይገልጸልና፥ ንሱ ብነጻ ፍቓዱ ንማርያም ሓርይዋ አደ እቲ ሓደ ወዱ ክትከውን። እዚ ሕርየት አምላኽ ንማርያም ምልእተ ጸጋ ገርዋ። አምላኽ ክሓሪ እንከሎ አባና ሓዲስ ነገር ዘይነበረና ይህበና። ጸጋ ህያብ አምላኽ እንተኾነ ማርያም ብህያባት አምላኽ ዝመልኤት እያ። አብዚ ማርያም ነዚ ክትረክብ ዘብቅዓ እንታይ ምዃኑ እንፈልጦ የብልናን ነጻ ህያብ አምላኽ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ። ንሳ ነዚ ክትረክብ ኢላ ዝገበረቶ ነገር የለን ብነጻ ዝውሃብ ህያብ እዩ። ዝኾነ ሰብ ጸጋ ብናቱ ተበግሶ ዝውሃቦ የለን አምላኽ ብናቱ ነጻ ድለት ዝዕድለና እዩ። ጸጋን ህያባትን ናይ እቲ ወሃቢ ሕያውነት እዮም ዝሕብሩ እምበር ናይ እቲ ተዓዳላይ ብቕዓት አይኮነን።

ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ጸጋ ዕዱላት ኢና። አምላኽ ስለ ዘፍቅረና ጸግኡ ይዕድለና። ጸጋ አምላኽ እንቕበሎ ንአገልግሎት አምላኽን ሰብን እዩ። ጸጋ ክንቅበሎ ወይ ክነጽጎ ካባና እዩ፥ ክንቅበሎ እሞ በቲ አምላኽ ዝደለዮ ክንመርሖ ከሎና ሽዑ አብ ጸዋዕታና አሎና። ንጸጋ አምላኽ ነጺግና ካልእ መገዲ ሒዝና ከይንህሉ ክንርኢ ሎሚ እዋኑ እዩ። ንጸጋ አምላኽ አብ ልብና አሕዲርና ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክነፍርዮ እሞ ገለና 30፥ 60፥ 100 ክንፈሪ ሎሚ መብጽዓና ንሓድስ።

ናይ ሎሚ ወንጌል በቲ ማርያም ዝገበረቶ አይኮነን ዝጅምር፥ በቲ አምላኽ ብማርያም አቢሉ ዝገበሮ ይጀምር። ማርያም አደ ወዲ አምላኽ ክትከውን ምስተሓርየት አምላኽ አብቲ ንሳ ዝገበረቶ ወይ ዝጸለየቶ አይኮነ ተመስሪቱ ሓርይዋ። ናይ እግዚአብሔር ሕርየት ንማርያም አብቲ ናቱ ነጻ ድለት ዝተምስረት እዩ። ንሱ ክመርጻ እንከሎ ክምቲ ብፍቕሩ ምልእተ ጸጋ ዝገበራ ከምኡ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ከምእትበቅዕ ገርዋ። እዚ አብቲ ማርያም ዝጸለየቶ ባዕላ ንጹር ገራቶ፡ ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ከአ ብአምላኸይ በቲ መድኃንየይ ባህ ይብሎ፥ ብውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ እንሆ ኻብ ሕጂ ኹሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም እናበለት ገሊጻቶ። ኩሉ አብአ ዘሎ ካብ አምላኽ ከም ዝተዋህባ እሞ በቲ ዝተዋህባ ልዕሊ ኩሎም ደቂ ሰብ ምዃና ክትፈልጥ ክኢላ።

አምላኽ ከፍቅረና ግብርና ወሳኒ አይኮነን። ብግብርና ዘፍቅረና ጌርና ኢና እንወስዶ እንተኾነ አምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጊዜ እዩ ዘፍቅረና። እዚ አተሓሳስባ እዚ ከምኡ ድሕሪ ኮይኑ ስለምንታይ እሞ ጽቡቕ ክንገብር ዝድለ ግብርና ንአምላኽ ዘይሓጉሶ ወይ ዘይቅይሮ እንተ ኾይኑ። መልሱ እግዚአብሔር ብግብርና አይቅየርን ክንብል ከሎን አምላኽ ከአል ኩሉ ስለ ዝኾነ አብኡ ዘይምፍላጥ ወይ በቲ ዝገበርና ኩነታቱ ምቅያር እንተ አልይዎ ጎደሎ እዩ ስለዚ አምላኽ አይኮነ። ቅዱስ ዮውሓንስ አምላኽ ፍቕሪ እዩ ይብለና ስለዚ አብኡ ጽልኢ የለን ሰብ እዩ ካብ አምላኽ ዝፍለ እምበር አምላኽ ካባና አይፍለን እዩ።

ፍሉይ ምስጢራዊ ሕይርየት አምላኽ ንማርያም አብቲ ናቱ ነጻ ድለት ዝተመስረተ ኮይኑ ምልእተ ጸጋን ኩሎም ፍጡራት ብፅዕቲ ከም ዝብልዋ ተገሩ። እዚ ፍሉይ ሕርየት ማርያም ንርእሳ አይኮነን፥ ተልእኮአ አብ መደብ አምላኽ ንኢየሱስ ንኹሎም ወሎዶታት ደቂ ሰብ ምሃብ እዩ። ንሳ አብ ጉዳይ ድሕነት አብ መንጎ ስላሴ አትያ። ነዚ ጉዱእ ፍጡርና ነድሕኖ ምስ በሉ ስላሴ ማርያም እጃማ ክተበርክት ተሓርያ። ንሕና ብሓቂ ፍቕሪ አምላኽ ዘይተፈልየና ፍጡራት ኢና። ብሓፍትና ብሥጋና ገሩ ቀሪቡና እዚ ኸአ በቲ ንሕና እንርድኦ ክበጽሓና ስለ ዝደለ እዩ። አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ሥጋዊ ዝምድናና አብ ከምዚ መደብ አምላኽ ክውዕል እንከሎ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ይበዝሕ ንሕና ዘይ መገዱ አብ ወገንነት አብ ሻርነት ክነዝምብሎ ከሎና ይጎድአና። ናይ ማርያም ሕርየት እምብአር አብቲ ሓቀኛ ዝምድና ክንአቱ የዘኻኽረና። ማርያም ምስ አምላኽ አዛሚዳትና ንሕና ኸአ አብ ነነድሕድና ብማርያም አብ አምላክ እንቐርበሉ መገዲ ንሓዝ።

ፍሉይ ሕርየት ማርያም እምብአር ንኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ምሃብ እዩ። ንሳ አፍድገ ድኅነት ከፊታትልና ንአምላኽ ሓውና ገራቶ ንስኺ እሳተ መለኮት ዝጾርኪ ጽንሓ ወርቂ ኢኺ እናበሉ አበው ይውድስዋ። ማርያም ንኢየሱስ ክተምጽአልና እንከላ ብተሓጓስ ኢና እንሰራሰር። ቅ. ዮሓንስ አብ ከርሲ አዲኡ ኤልሳቤጥ እንከሎ ማርያም ንኢየሱስ ሒዛ ምስ መጸት ብሓጎስ ተሰራሲሩ ዝብል ነንብብ፥ እዚ ምስርሳር እዚ ናይ ምስጋና ናይ ምልአት ጸጋ እዩ። ኢየሱስ አብ ዘልኦ ሰላም ሓጎስ ፍቕሪ አሎ። ማርያም እምብአር ነዚ አብ ሕይወታ ኢየሱስ ምስ ሓደረ ብዝያዳ ስለ ዘስተማቐረቶ ንአና ደቃ መቐረት ጸጋ አምላኽ ክንጥዕም ትደልየና። እዚ እዋን ፍልሰታ እምብአር ንኢየሱስን ማርያም ክንረኽቦም እሞ ብጸጋ መሊእና ክንሰራሰር እንዕደመሉ እዋን እዩ። 

መልሲ ማርያምን መልስናን ይኹን፡

ገለ ሰባት አምላኽ ኩሉ ክእለት ስለ ዝሃባ ምልእተ ጸጋ ስለ ዝገበራ ካባን ተፈልያ ከማና አይኮነትን ዝብሉ አልዉ። ርግጽ ማርያም እትጻወቶ ፍሉይ ተራ አብ ታሪኽ አሎ። ከምቲ ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮ፥ ንሳ አብ ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ክርስቶስ ዝልዓለ ቦታ ሒዛ ትርከብ ከምኡ ናባና ዝቐረበት እያ ብርሃን አህዛብ 54። ነዚ ፍሉይ ትልእኮ ብአምላኽ ምሕራያ ካብ ካልኦት ዓለት ደቂ ሰብ አይፈልያን እዩ። ናይ አምላኽ ሕርየት ካብ ባዕላ ብነጻ ንአምላኽ ምሕራይ አይክልክላን እዩ። ንሳ ብመልአኽ ነጻነታ ክትገልጽ ተሓቲታ እያ። ኩሉ ሕይወታ አብ አገልግሎት አምላኽ ክተውዕል ተሓቲታ እሺ ኢላ። ነጻነታ አብ አገልግሎት አምላኽ ከተውዕል እኳ ድአ ምስ ምሉእ ትሕትና ሕራይ ኢላ ተቐቢላቶ። ከም ሓደ ማሺን አምላኽ ዝደለዮ ብዘይ ናታ ድለት አብአ አይገበረን ብዕሊ መልአኹ ሰዲዱ መልሳ ምስ ሰምዔ እዩ አብቲ ዝደለዮ አእቲውዋ። ብወገና ንአምላኽ ክትሰምዖ ድላዩ ክትገብር ስንድውቲ ነራ።

አምላኽ አብ ሕይወትና ንፍሉይ ነገር ክልእከና ክደሊ እንከሎ መጀመርያ ፍቓድና እዩ ዝርኢ። አብ ኢሳያስ ሽዑ እግዚአብሔር ንመን ክልእኽ መንከ ክከደልና እዩ፥ ኩብል ሰማዕኩ አነ እውን እኔኹ ልአኸኒ በልኩ (ኢሳ 6፡8) ዝብል ነንብብ። እግዚአብሔር ብአና ገሩ መልእኽቱ ከብጽሕ ይደሊ አሎ ንሕና ልኡኻት አምላኽ ክንከውን ሎሚ ንድለ አሎና። አብ ስድራታት አብ ሓዳራት አብ ኩሉ ዘሎ ጸገማት ክንፈትሕ እግዚአብሔር ዝልአኾ ደልዩ መን አሎ ዝልአኸኒ ይብል አሎ። አይንጽቅጥ ከም ኢሳያስ እኔኹ ልአኸኒ ንበል። ማርያም ዝሃበቶ መልሲ እነኹ ባርያኻ ከም ድላይካ ግበር ክትብል እንከላ ካብአ ዝድለ አፍቂዳ። ካባ ዝድለ ክንገብር ፍቓደኛታት ንኹን።

ፍልልይ ማርያምን ንሕና፡

አብ መንጎናን አብ መንጉአን ዘሎ ፍልልይ ማርያም ብአምላክ ስለ ዝተሓርየት እሞ ጸጋ ስለ ዝተዓደለት አይኮነን፥ እንታይ ድአ ንሳ ብምሉእ ነቲ አምላኽ ዝሓተታ ክትምልሰሉ ክኢላ ንሕና ግን ተጠራጠርቲ ፍርቂ ፍርቂ ነቲ አምላኽ ዝሓተና ንኸውን። አምላኽ ንኹልና ሓርዩና እዩ። እዚ ሓቂ እዚ በቲ ዓቢ ቅዱስ ጳውሎስ ተገሊጹልና እዩ። አምላኽ ሓርዩና እዩ፥ ብክርስቶስ ሓርዩና፥ አብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ክንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኃረየና (ኤፈሶን 1) ይብል።

ከም ማርያም ንሕርየት አምላኽ ንቀበሎ። ከምአ ነቲ ንሱ ዘቕርበልና ሕርየት መልሲ ክንህበሉ ግቡእ እዩ። ንርእስና ከምቲ አምላኽ ዝሓረየና ገርና እንተ ንርኢ ንኹሉ ንሱ ዘቕርበልና እሺ ክንብል አይምጸገመናን። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና መሪጹና አሎ ቃሉ ክንሰምዕ ዕድመና ክነኽብር አብ ሕይወትና ቦታ ክንህቦ ክንልአኾ እሺ ክንብሎ ሓርዩና ይጽውዓና አሎ። ነፍሲ ወከፍና እንጻወቶ ተራ አሎና፥ አነ ከም አነ አምላኽ ካባይ ዝደልዮ አለዎ ስለዚ መልአኩ ልኢኹ መልሲ ሃበኒ ይብል አሎ። ማርያም ንኹሉ እሺ ኢላ ኩሉ ሕይወታ መልሲ ሂባትሉ አነን ንሱኹምንከ እሽ ክንብል ፍቓደኛታት ዲና።

ነጻነትና አይገፎን እዩ ንምርጫና ክሰምዕ ነነጻነትና አይወስደልናን እዩ። ብገዛ ፍቓድና አብ ደንቢኡ አቲና ክንገልግሎን አብ አገልግሎት አሕዋትና ክንወፍር መልስና ይጽበ። ንፍቓዱን ንመጻዋዕትኡን አቢና አብቲ ንሕና ዝደለናዮ ጥራሕ ክንከይድ ከሎና ንኹሉ ጸገም ኢና እንኸወን ከምቲ ሓንቲ እንስሳ ካብ አደታታ ተፈልያ ምስ ካልኦት ብቐሊል ክትሕወስ ዘይትኽእል ንሕና ኸአ ንኹሉ ጸገም ንኸውን። ሕይወትና ሕይወት ጋሻ ገርና ንጉዓዝ፥ ሎሚ አምላኽ ዝደልዮ እምብአር አብ ሕልናና ክንአቱ አሞ መልሲ ክንህቦ ደቂ ቤትን መንፈስ ወዲ ቤት ለቢስና ክነብር ይፈልየና አሎ። ከምቲ ማርያም ሰሚዓ ሕራይ ዝበለት አነን ንስኹምን ሰሚዕና ሓራይ ክንብል ይደልየና አሎ።

አብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ቃል አምላኽ  እምብአር ንማርያም ፍሉይ ትርጉም ዘልኦ እዩ፥ ተሓጎሲ ጸጋ ዝመልአኪ ዝብል እዩ። ምናልባት እግዚአብሔር ከም ዘፍቅረና አይንአምንን ንኸውን፥ ወይ ከአ በቲ ዘሎና ጸገማት ደጊምስ ተስፋ የብለይን አምላኽ አባይ ገጹ የለን ኢልና አድራሻና ዝቐየርና ንህሉ ንኸውን እንተኾነ አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና የፍቅረና ፍሉይ ፍቕርን ቆላሕታን አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና አልኦ። ሎሚ እቲ ተሓጎሲ ዝብል ቃላት አምላኽ ንአይን ንአኹምን ተሓጎስ ዝተፈቶኻ/ኺ ሓርየካ/ኪ አሎኹ ቅዱስ ክትከውን ቅድስቲ ክትኮኒ አብ ቅድመይ ክትነብሩ ሓርየኩም አሎኹ ይብልነ አሎ ንተሓጎስ።

እዚ ክለተ ሶምን ዘመነ ፍልሰታ እምብአር እዋን ምህልላ እዋን ጸሎት እዋን ጸጋ እዩ። አብ አምላኽ ብማርያም አቢልና ክንቀርብ ተዓረቐና ክንብሎ ይደልየና አሎ። ኦ ሕያዋይ አምላኽ ብሞት ወድኻ ዕርቂ ዝፈጠርካልና ሎሚ ንሕና አብ ልብና አቲና ክንሕደስ አብ መንገድኻ ክንምለስ በታ እትፍቅራ መንጎኛ አደ ወድኻ ሓፍትና ገርና ንልምነካ አሎና ስምዓና ንበሎ።

ኦ ማርያም አደና ኩሉ ጊዜ መንጎኛና ኢኺ እሞ ሎሚ እውን መንጎኛ ኩንና። ካብ ወድኺ ምሕረት ለምንልና ንብለኪ አሎና።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

14 August 2022, 09:51