ድለ

2022.07.30 perdono Assisi 2022 porziuncola santa maria angeli francescani minori volti 2022.07.30 perdono Assisi 2022 porziuncola santa maria angeli francescani minori volti 

ምሕረት ኣሲዚ! ፖርጺኡንኮላ ናይ ኣሲዚ ምሕረት ኣምላኽ ንዝደልዩ ነጋድያን ይቅበል!

ናይ ኣሲዚ ዓመታዊ ዓቢይ በዓለ ምሕረት ንምኽባር ኣብቲ ዝካየድ ናይ ሳልስቲ መንፍሳዊ ምድላዋት ንምስታፍ ካብ ውሽጥን ወጻኣን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ናብ ኣሲዚ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮስስ ይውሕዙ። እዚ ነቲ ብ1216 ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንጐይታ ምሉእ ምሕረት ክህብ ዝለመነሉን ር.ሊ.ጳ ኦኖርዮ ሳልሳይ ዚኣወጅዎን ብበዓለ ምሕረት ዘኣሲዚ ዝፍለጥ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዝርከበሉ ሳልስቲ እዩ።

ዜና ቫቲካን!

ብዛዕባ እዚ ካብ ብርቱዕ ሃረርታን ቅንኣት ቅድስና ነፍሳትን ብድላይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝተበገሰ ዘመናት ዘቝጸር ዘሎ ናይ ምሕረት በዓል ታሪኽ ኣመልኪቶም ናይ ፍራንቸስካውን ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ጠቕላሊ ሓለቓ ኡምብርያን ሳርደኛን ኣባ ፒሎኒ ‘ንርእስና ካብ ገዛእ ርእስናን ካብ ጽግራትናን ሓፍ ነብል እሞ ነቲ ካብ ዝተዓርቁ ክርስትያን ረድኤት ዝደሊ ብጻይና ንክንጥምት ጸጋ ንሕተት’ እንክብሉ ነቶም ካብ መላእ ሃገረ ጣልያን ናብ ኣሲዚ ዝውሕዙ ዘለው መንእሰያትን ስድራቤታትን ገሊጾም።

እታ ብፖርጽዩንኮላ እትፍለጥ ኣብ ውሽጢ ዓቢይ ባዚሊካ ኣሲዚ ተደኲና እትብርከብ ብቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝተሃንጸት ንእሽቶ ቤተክርስትያን ነዚ ፍሉይ ናይ ምሕረትን ምሉእ ስሬተ ሓጢኣትን ዕላማ ነዘን ክልተ መዓልታት ማለት ዕለት ሓደን ክልተ ነሕሰ ወትሩ ምስ ተኸፍተት እያ። እዚ ከኣ ብኣማላድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ምሕረት ንዝደልዩን መንግሥተሰማይ ንዝደልዩን ንምቅባል እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ጸጋ ምሕረት ዝሓተተሉ ፍሉይ ዓመት ዝነበሮ ታሪኻውን መፍነሳውን ኩነታት ምዝካሩ የድሊ። እቲ ዝነበረ ኩነት ድማ ናይ ውግእን ውጥረትን ሃብታማት ኣብ ምቅድዳም ስልጣንን ምጭቛን ድኻታትን ሸበድበድ ዝብልሉ ዝነበረን ነውጺ ዝተመልኦን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ መስቀል ውግእ ማለት ኣብ መንጐ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ምስልምናን ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ እውን ምስሕሓብ ኣብ ዝተምኣሉ እዋን እዩ ነሩ። እዚ ታሪኻዊ ኩነት’ዚ እቲ ናይ ኣሲዚ በዓለ ምሕረት ብዝበለጸ ትርጉሙ ኣበጋግሳኡን ቀንዲ ናይቲ በዓል ትርጉሙ ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ። ኣብ 1216 ዓ.ም. ሓደ ለይቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብጸሎትን ተመስጦን ተዋሒጡ እንከሎ ኣብ ልዕሊ መንበረ ታቦት ብየማኑ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን መላእኽትን ዝተቐመጡ ብብርሃን ዝተዀለዔ ግልጸት ክርስቶስ ይጽገው እሞ ክርስቶስ ድማ ነፍሳት ክድሕና መታን እንታይ ትደልይ እንክብል ይሓቶ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ግና ኣነ ምስኪንን ሓጢኣተይናን እየ እሞ እቲ ሰፊሕን ለዋህን ምሕረትካ ዓድለኒ እንክብል ይምልሰሉ። ድሕሪ እዚ ግልጸት’ዚ ቅዱስ ፍራንቸስስስ ዕለት 2 ነሓሰ 1216 ዓ.ም. ንተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ኦኖሪዮ ሳልሳይ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ንግስተ መላእክት ቤተ ክርስቲያን ናይ ምሕረት በዓል ክበዓል ዝብል ጸጋ ይሓትት ር.ሊ.ጳ. ኦኖሪዮ ሳልሳይ ድማ ልመናኡ ሰምዑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ብፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ማሕበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ  ዝምራሓ ኣቢያተ ክርስቲያንን ፍራንቸስካውያን ቁምስናታት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሳትፍን ዝናዘዝን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፍ ስለ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽልይን ናይ ምሕረት ጸጋ ክዕደል እዩ ዝብል ውሳኔ ይቐበል፣ እቲ በዓል ናይ ኣሲዚ ምሕረት ድማ ሕጽር ብዝበለ መልክዑ መልእኽቱን ኣጀማምራኡን እንታይ ከምዝመስል ገሊጾም።

ውሽጣዊ ናጽነትን ነጻነት ኣብ ርክባትን ናይቲ ዝሓለፈን ታሪኽናን ሰብኣዊ ውስንነትና ግዙኣት ካብ ምዃን ድሒንና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንኣቱው ዘብቅዓና ዳግማይ ደቂ እግዚኣብሔር ንኽንከውን ዘብቅዓና ጸጋ እንዕደለሉ ዓቢዕ ሳልስትን በዓልን እዩ ኢሎም።

ምእመናን ኣብ ምስጢረ ንስሓ ዝሳተፍሉ ኣዋን እዩ። እዚ ድማ ግላውን ውሽጣዊ ምልዋጥን ዝብልን እዚ ውሽጣዊ ምልዋጥ ድማ ምስ ዝብል ርካባትና ዝሕድስ እዩ። ምሕረት እግዚኣብሔር ዝጽለየሉን እዩ።  ናይ ዕርቂ ኣድማስ ዘድምዕ እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣድማስ ዘለዎ ዓቢይ ጸጋ እዩ። ቤተ ክርስቲያን እቲ ግላዊ ምልዋጥ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣድማስ ዘለዎ ምዃኑ ብምስትውዓል ካብ ግላዊ ዕርቂ ናብ ማሕበራዊ ዕርቂ ብምስግጋር ናይ ዕርቅን ምስጢረ ንስሓን ጸጋ ካብ እግዚኣብሔር እንቕበለሉ ቅዱስ እዋን እዩ።

03 August 2022, 10:24