ካቶሊካውያን ኒካራጓ ምእንቲ ሰላምን ናጻ ምልቓቕ ቡጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ይጽልዩ
ኣብ ኒካራጓ ብሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ብጽዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ናጻ ክልቀቝን ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ተኣልዩ ህድኣትን ሰላምን ክወርድ ካቶሊካውያን ኒካራጓ ይጽልዩን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓ ጻውዒት ሰላም ተቕርብ ከም ዘላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መብዛሕቲኡ ህዝቢ ኒካራጓ ንቤተ ክርስቲያን የፍቅራን ይኣምናን። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ናይ እትርከብ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ኣብ ሃገሮም ሰላማውን ምኽንያታውን ዘተ ክረጋገጽ ጻውዒት ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተበገሰ ህዝባዊ ተቓውሞ 120 ሺሕ ዜጋታት ከም እተሰዱ ግምታዊ ጸብጻብ ውድብ ሃገራት ዓለም እንከመልክት፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ዝሃብዎ ርእይቶን ዘስምዕዎ ስብከትን ምርግጋእ ዝዝርግ ናዕቢ ዘለዓዕልን እዩ እንክብል ከም ዝኸሰሶምን ብጹዕነቶም ዓመጽ ተለዓዕሉ ዝብል ዝቐረበሎም ክሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ቢሎም ጸሎት ሰላማዊ መጋበርያ ኣማራጺ ናጽነት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መንግስቲ ኒካራጓ ካብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ኣብ ማታጋልፓ ሸሞንተ መደብራት ረዲዮ ካብ ዝሓጽው ንደሓር ዝወስዶ ስጒምትን ዘመሓላልፎ ውሳኔን ኣዚዩ የትርር ከም ዘሎን ሰባት ተቓውሞ ምስ ዘስምዑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትው፡ ፖሊስ እውን ተቓውሞ ህዝቢ ንምዕፋን ጽኑዕ ስጒምቲ ይወስድ ምህላውን ብጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ እውን ቅዩድ ቤት ኮይኖም ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ካብ ሰበኻኦም ብሓይል ጸጥታ ተታሒዞም ናብ ርእሰ ከተማ ማናጓ ተወሲዶም ኣብ ቤት ወለዶም ቅዩድ ኮይኖም ክጸንሑ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝወሰነን ካልኦት ምስኦም ዝነበሩ ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤል ቺፓተ ከም ዝርከቡን ፖሊስ እውን ሕጋዊ መርመራታት አካይድ ኣለዅ እንክብሉ ከም ዝገለጸን ናይ ማናጓ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ለኦፖልዶ ብረነስ ንብጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ኣብ ቤቶም ከም ዝበጽሕዎም ዜና ቫቲካን ናይ ሰበኻ ማናጓ መግለጺ ጠቒሱ እንክሕብር፥ ኣብ ወርሒ መጋቢት መንግስቲ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋን ምኽትል ርእሰ ብሔር ሮዛሪዮ ሙሪሎን ኣብ ኒካራጓ ናይ ቅድስቲ መንበር ሃዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቫልድሚር ስታኒስላው ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ኒካራጓ ከም ዝሰጐገን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ማናጓ ኣብ ግብረ ሰናይ ተዋፊረን ድኻታትን ዘኽታማትን ዝኣልያ ዝነበራ 15 ደናግል ደቂ ቅድስቲ ማድረ ተረዛ ከም ዝሰጐገን እዝቢ እዋን እዚ እተን ደናግል ኣብ ኮስታ ሪካ ከም ዝርከባ ዜና ቫቲካን የመላኽት።