ድለ

ናይጀሪያ፥ ኣርባዕተ መነኮሳት ተጨውየን ናይጀሪያ፥ ኣርባዕተ መነኮሳት ተጨውየን 

ናይጀሪያ፥ ኣርባዕተ መነኮሳት ተጨውየን

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ደናግል ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ዜጋታትን ዝፍጸም ጨወያ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን መብዛሕቲኡ ግዜ ብዝተፈላለዩ ጒጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍጸም ከም ዝኾነን ብዙሕ እዋን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ዒላማ ዝገበረ ከም ዝኾነን

ኣርባዕተ ደናግል ኣባላት ማሕበር ኢየሱስ መድሕን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ናይጀሪያ ናብ ቅዳሴ ኣብ ዝኸዳሉ ዝነበራ መገዲ ኢኪግዌ ኣኡሙሎሎ ከም እተጨውያ ክንገር እንከሎ፡ ብመን ከም እተጨወያን ሃለዋተን እውን ዘይፍለጥ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይጀሪያ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀሪያ ደቡባዊ ምብራቕ ግዝኣት ኢሞ ዕለት 21 ነሓሰ ኣርባዕተ ካቶሊካውያን መነኮሳት ብዘይተፈልጡ ሰባት ናብ ቅዳሴ ኣብ ዝኸዳሉ ዝነበራሉ እዋን ከም እተጨውያን እዘን ዝተጨውያ ኣሓት ኣባላት ማሕበር ደናግል ኢየሱስ መድሕን ከም ዝኾናን ናይቲ ማሕበር ደናግል ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት እናቴ ዚታ ኢሄዶሮ ዝሃበኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ብዘይ ቅድመ ኵነት ናጻ ክልቀቓ” ጻውዒት ነቕርብ ከም ዝበላ ኣፍልጡ።

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ደናግል ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ዜጋታትን ዝፍጸም ጨወያ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን መብዛሕቲኡ ግዜ ብዝተፈላለዩ ጒጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍጸም ከም ዝኾነን ብዙሕ እዋን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ዒላማ ዝገበረ ከም ዝኾነን ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ መንጎ ኤኪግዌን ኡሚነዩቺን ኣብ ዝርከብ መገዲ ሓደ ካቶሊካዊ ካህንን ሓደ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ተጨውዮም ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ናጻ ከም እተለቁ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

23 Aug 2022, 16:02