ድለ

2022.08.10 memoria di santa Chiara 2022.08.10 memoria di santa Chiara 

ሓንቲ መዓልቲ ብመንፈስ ጸሎት!ኣሲዚ ቅድስት ክያራ ትዝክር

ደቂ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣሲዚ ነታ ‘ንእሽቶ ተኽሊ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ’ ብዝብል ውህበት እትፍለጥ ቅድስት ክያራ ክበረ በዓላ ብዝተፈላለየ ሥርዓታት ከምዝብዓሉ ተመልኪቱ። ኣብታ ንዓዓ ዝተወፈየ ካተድራል ብዙሕ ቅዳሴታት ዓሪጉ። ናይ ተለብዥን ሓፈሻዊት ጠበቃ እውን ብምዃና ካብ ዝሓለፈ ዕለታት ጀሚሩን ብቀጥታ ብዙሕ መደባት ሥርዓተ ጸሎታት ከምዝተኻየድ እንክምልከት ጽባሕ እውን ናይታ ከተማ ቀዳማይ ጳጳስ በዓለ ቅዱስ ሩፊኖ ስለዝኾነ እቲ መንፈስ በዓል ቀጻሊ ምዃኑ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ከተማ ኣሲዚ ካብቲ ብዙሕ ትዕድልታ ዓዲ ቅዱሳን ኣብ ርእሲ ምዃና ጠበቃኣ ከኣ ቀዳማይ ጳጳሳ ዝነበሩን ብሰማዕትነት ዝሞቱ ቅዱስ ሩፊኖስ እንክኸውን ስዒቡ ንኩሉ ብዝገለባበጠን ንቤተክርስትያን ዘሐደሰን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ስዒቡ ጠበቃ ተለቪዥን ዝኾነት ቅድስት ክያራ እውን ፍረ ናይዚ ዝተዓደለ ቦታ እያ። ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ቅድስት ክያራ እንክተብዕል ብልማድ ግን ቀደም እዚ ዕለት እዚ ንቅዱስ ሩፊኖስ ዝተወፈየ ነበረ። ኣብ ዘመናት ግን ነዛ ‘ንእሽቶ ተኽሊ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ’ ብማለት ዓቢ ኣኽብሮ ዝህብዋ ቅድስት ቅድምያ ንምሃብ 11 ንቅድስት ክያራ 12 ከኣ ንቅዱስ ሩፊኖስ ክኸውን ተወሰነ። ብቅደም ተኸትል ክልተ ዓበይቲ ክብረ በዓላት ስለዝገብር ከኣ እታ ሰበኻ ጽዑቅ መደባት ጸሎት ብሰሙኑ ኣሰናድያ ምስቲ ቅድመ ገዳም ቅድስት ክያራን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺንን ዝነበረ ካተድራል ቅዱስ ሩፊኖስ ዝካየድ ካፒቶል እውን ኣሎ።

ጠበቃ ተለቪዥን!

ጠቅላሊ ልኡኽ ንኡሳን ኣሓው ካፑቺኒ ሓው ማሲሞ ፉዛረሊ ንተለፓቸ ዝበሃል ኣገልግሎት ተለቪዥን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ‘እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስት ክያራን እዛ ከተማን ዘሎ ምትእስሳር የረጋግጸልና። ምናዳ ኸኣ ኣብዚ ሰላም ጸሚእናሉ ዘሎናን መጻኢ ኣብ ዘስጋኣናን ግዜ እዛ ናይ ሰላም ተለቪዥን ተባሂላ ዝተሰምየት ጠበቃ ተለቪዥን ዝኾነት ቅድስት ክያራ ሰላምን ምርግጋእን ተማልደልና’ ኢሎም። ሓው ማሲሞ ትማሊ ምሸት ጸሎተ ዋዜማ ክብረ በዓል ቅድስት ክያራ ንምፍጻም ኣብ መካነ ንግደት ቅዱስ ዳምያኖ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ‘ፕዮስ መበል 12 ቅድስት ክያራ ጠበቃ ተለቪዥን ክትከውን ኣዊጆም’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም ነሮም። በዓል ሠናይ ዝኽሪ ነዚ ክብሉ ዝደፋፍኦም ታሪኽ ራእይ ቅድስት ክያራ ነበረ።

ራእይ ቅድስት ክያራ!

ነቲ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብዕለት 14 ለካቲት 1958 ዓም ብሓጺር መግለጺ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ክላርዩስ ኤክስፕለንደሺት ዝብል ኣዋጅ ዝተሰነደ ክታሞም ዘለው ሰነድ ኣብ መካነ ንግደት ቅዱስ ዳምያኖ ይርከብ። እቲ ሰነድ ዝተመሥረተሉ ታሪኽ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ነበረ። እቲ ፍጻሜ ብ1252 ዓም እንክኾን ቅድስት ክያራ ብብርቱዕ ሓሚማ ካብ ዓራት ምትንሣእ ስኢና እንክትሳቀ ድሮ ልደት ስለዝነበረ ኣብ ቅዳሴ ልደት ክትሳተፍ ብርቱዕ ሃረርታ ነበራ። ቁሩብ ኪሎሜትራት ርሒቁ ንዝዓርግ ዝነበረ ቅዳሴ ግን ብተኣምር ኣምላኽ ክትርእዮን ክትከታተሎን ከኣለት። ኣብ ዓራት በጥ ቢላ እንከኣል ራእይ ተዋህባ። እዚ ክብሪ እዚ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ናይ ተለቪዥን ጠበቃ ንክትከውን ወሰኑ።

ሽሕ’ኳ ብ1958 እቲ ኣዋጅ እንተተኣወጀ እቲ ምንቅስቃስ ግን ብ1953 ናይ ኒኮሊኖ ጳጳስ ምስ ከንቲባ ናይታ ከተማ ኣርናልዶ ፎርቲኒ ኮይኖም ብስም ዓለምሓቆፍ መጽናዕቲ ፍራቸስካውያን ነዚ ሕቶ እዚ ናብ ቅድስት መንበር ዘቅረቡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሮ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብ1952 ዓም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ናይ ተለኮሙኒከይሽን ተኸላኻሊ ክኸውን ኣዊጆም ነበሩ። እቲ ሽዑ ዝውለድ ዝነበረ ተለቪዥን እውን ድሮ ኣብ 1957 ኣብ ሃገረ እስፐይን ናይቲ ሃገር ኣገልግሎት ተለቪዥን ጠበቃ ንክትከውን ንቅድስት ክያራ መሪጾም ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 August 2022, 13:42