ድለ

2022.07.29 Viaggio Apostolico in Canada - Incontro con i Membri della Compagnia di Gesù 2022.07.29 Viaggio Apostolico in Canada - Incontro con i Membri della Compagnia di Gesù  (Vatican Media)

‘ኩልና ሓቢርና ዓቲብና ክንዓዪ ኣሎና!’ ኢየሱሳውያን ኣብ ካናዳ!

ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝኾኑ ኣባ ኣላን ፎጋርትይ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብርሃንን ጨውን፡ ቅዱስ ኣቦና ምስ ክቡራንን ካህናት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ካናዳ ምስ ተራኸቡ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ሓበሬታን ሓሳብን ኢዩ።

ዜና ቫቲካን

ኣባ ኣለን ፎጋትርይ፡ ኢየሱሳውያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ድሕሪ ምስታፍ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን CEO ጨውን ብርሃንን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ውልቃዊ ርክብ ኣዝዩ ዜደንቅ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳጳሳት ሓደ ካባና

ቅዱስ ኣቦና ምስ ኣሕዋቱ ደቂ ማሕበሩ፡ ኣብ ሓደ ዓንኬል ኮፍ ኢሎም ኣብ ዝተዛተዩሉ፡ ኣባ ፎጋርትይ ነዚ ኣመልኪቶም እቲ ኣኼባ ኣዝዩ ፍትሕ ዝበለን ውልቃውን ኢዩ ኔሩ ኢሎም። 

“ኣብቲ ብሓደ ኮፍ ኢልና ኣብ ዝተዋሳእናሉ፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣልዒሎም ክዛረቡ ከለዉ ንሕና ብግደና ክንሓቶም ከለና፡ ኣብ ኩሉ ብክፉት መንፈስን ብተኣማንነትን ኢዮም ዝምልሱ ኔሮም። ኣብ ኩሉ ከኣ ሓደ ካባና ኢዮም።” ኢሎም ኣባ ፎጋርትይ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካናዳ ንዝጸንሕዋ ኣገዳሲትን ፍልይትን ሰሙን፡ ኣባ ፎጋርትይ ከምዝበልዎ ኣብዚ ቅነ ኣብ ሓዋርያዊ ስራሕና፡ ፍልይ ዝበለ ስእልን ቅድን ብምሃብ ብኸመይ ኣብ ስራሕና ከምእንጽመድ ኢዮም ኣተሓሳሲቦምና።

ሓደ ካብቲ ውጹእ መርገጺ ዝሃብዎ ነጥቢ እንክጠቅሱ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ወድሰብ፡ ደቀባት ተወለድቲ ይኹኑ፡ ዘይደቀባት፡ ኩሎም ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዘለዎምን ሓቢሮም ክሰርሑ ክውስኑ ከምዘለዎምን ኢዮም ኣስሚሮም ዝተዛረቡሉ።

እዚ ኩነት እዚ ግን ኣብ ካናዳ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ክኸውን ዘለዎ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ባዕዳዊ መግዛትን ብወረራ ምሓዝን፡ ደቀባት ተወለድትን ኣብ ኩሉ ስለዘለዉ።

ነቲ ምሉእ ሚዛን ምርካብ

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ከኣ ንሮማ ኣብ ዝተመልሱሉ፡ ኣባ ፎጋርትይ ዘለዎም ተስፋ ብኸምዚ ይገልጹ “ካብዚ ሓዋርያዊ ምብዛሕ ጭቡጥ ተግባራዊ ኩነታት ክመጹ ኢዮም” ይብሉ።

ንሶም ወሲኾም ተስፋኦም ብምብራኽ፡ ኩሉ ወድሰብ ብኣወታ ብምምላስ ከምዚ ክብሉ ክጅምሩ ኢዮም “ካብ ሕጂ ንድሓር ፍሉይ ኣገባብ ርክብ ክህልወና ኢዩ ክብሉ ኢዮም።”

ንምንታይ ንዝብል “ምኽንያቱ ኣነ ዝተገንዘብክዎ እንታይነት እቲ ኩነታት ኢዩ። ዝተገንዘብክዎ ዝተጎድኡ ወገናት፡ ኣነ ዝተገንዘብክዎ ብጾት እቶም ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተጎድኡ ኣብኡ ከምዝነበሩን፡ ከምኡውን ኣባላት ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ሚዛናዊ ባይታ ኣብ መንጎ ዝተጎድኡ ደቀባትን  ናይ ቤተ ክርስትያን ሓለፍትን ክርኢ ፈቲነ።

ኢየሱስ ኣብዚ እንሆ

“ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ምሳና ምህላዎም ኣዝዩ ከቢድ ድኻምን ጻዕርን ዝሓትት ኩነት ኢዩ፡ ምኽንያቱ ምስቲ ዘለዎም ናይ ብርኪ ቃንዛን ካልእን፡ ንሶም ከርእይዎ ዝደለዩን ዝሃብዎን  ፍቅሪ ቤተ ክርስትያን ኢዩ።” ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ከሕልፍዎ ዝደለዩ መልእኽቲ “ቅድሚት ንኹንጉዓዝ መንገዲ ከምዘሎ’’ ከርእዩ ኢሎም ኢዮም። ኣባ ፎጋርትይ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዝሰበኽወን ሓደ ኣብነት እናጠቀሱ “መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳና ኣብዚ እጉዓዝ ከምዘሎ ኣይንርእን፡ ሓደ ግዜ እነለልየሉ መዓልቲ ግን ክህሉ ኢዩ፡ እዚ ከኣ ኣብ እንጀራ ምቁራስ ክኸውን ኢዩ።”

ኣባ ፎጋርትይ ብወገኖም ዘለዎም ምሉእ ተስፋኦም እንገለጹ፡ ንሕና’ውን ብግደና “እዚ ኩነት እዚ ክህልወና ኢዩ፡ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዘዘኻኽሩና ምቁራስ እንጀራ በጺሕና፡ እወ እንሆ ክርስቶስ እንብለሉ ግዜ ክንበጽሕ ኢና ኢሎም።” 

03 August 2022, 10:32