ድለ

DRCONGO-UN-UNREST DRCONGO-UN-UNREST  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ዲ.ሪ.ኮንጎ፡ ንሞት ብርክት ዝበሉ ሰባት ስዒቡ ንዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብርግእትን ህድኣትን ክግበር ጸዊዖም

ጳጳሳት ዲሞክራስያዊ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ምስራቃዊ ወገን እታ ሃገር ብዓቃብ ሰላም ዘጋጠመ ቅትለት 3ተ ደርዘን ሰባት ዝቀዘፈ፡ ነዚ ስዒቡ ብሕዝቢ ንዝግበር ዘሎ ተቃውሞ ድምጾም ኣስሚዖም።

ዜና ቫቲካን

መንግስቲ ኮንጎ ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝተጠቅሰ ግጭት ምስራቃዊ ክፋል እታ ሃገር ኣንጻር ልኡኽ ወተሃደራዊ ዕማም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተገብረ ተቃውሞ፡ 36 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 170 ካልኦት ከኣ መጎዳእቲ በጺሕዎም ኣሎ።

ነዚ ኣመልክቶም ብፁዓን ጳጳሳት ዲኣርሲ ክምልሱ ከለዉ፡ ንሕርቃንን ቁጥዔን ሕዝቢ ከም ዝርድእዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ እንተኾነ ግን ዓመጽ ክትጻወሮ እትኽእል ኣገባብ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብቲ ብፕረዚንደንት ጉባኤ ጳጳሳት ኮንጎ  ሊቀ ጳጳስ ማርሰል ኡተምቢ ታፓ ብዝተፈረመት መግለጺ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ናብ ሕዝቢ ዘቅረብዎ ምሕጽንታ፡ “ሰላማዊ ተቃውሞ” ክገብሩ ጻውዒቶም ኣቅረቡ።

ብፁዓን ጳጳሳት ነዚ ናዕቢ ብጣዕሳን ሓዘንን ይከታተልዎ ከምዘለዉን፡ ንሶም ኣስሚሮም ዘመሓላለፍዎ ሓሳብ፡ እቲ ብሕርቃን ውጺኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ድሩት ዓቅሚ ዘለዎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ልኡኽ ኣብ ዲኣርሲ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ሓልይታት ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኮንኮ ኣስታት 16,000 ወተሃደራት ኣለዎ፡ እንተኾነ ግን እዚ ዓቅሚ እዚ ነቲ ኣብ ምስራቃዊ ክፋል ን20 ዓመታት ዝቀጸለ  ዘይምርግጋእ  ከህድኦ ኣይከኣለን።

ንሰላማዊ ተቃውሞ ዝቀረበ ጻውዒት

ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ ጳጳሳት ኮንጎ ንዜጋታት እታ ሃገር ዓመጽን ምዝራፍን ከወግዱ ይምሕጸኑ፡ እዚ ኣገባብ እዚ ሕሰምን ስቃይን ውጹዕ ሕዝቢ ከምዝቅጽል ኢዩ ዝገብር ኢሎም።

ንሶም ቀጺሎም “ተቃውሞ ብዓለም ለኻውን ብሕጊ ዲርስን መሰል ኩሉ ዜጋ ኢዩ።” ኢሎም።

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝነበረ ሁውከት ክምርመር ጻውዒቶም ብምቅራብ፡ ነቶም ኣብ ከቢድ ሓዘን ንዘለዉ ስድራ ቤታት ከኣ ናይ ሓዘን መልእኽትን ምጽንናዕን ብምምሕላፍ ንዝሓለፉ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ተመንዮም።

ናብ ሰላም ንምምላስ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ሰላም ክዕቀብን ክህሉን፡ ጳጳሳት ኮንጎ ዘቅረብዎ ምሕጽንታ፡ ንፖሊቲካውያንን ኣመሓደርትን ናብ ጽልእን ዓመጽን ካብ ዝወስድ መደረ ክቁጠቡ ተማሕጺኖም።

ኣብ ስልጣን ንዘሎ መንግስቲ ምስ (MONUSCO) ዓቃብ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኮንጎን ምስ ወከልቲ ሕዝብን ክዘራረቡን ኣብ ንቡር ሰላም ክመጹሉ ዝኽእሉ ሓስባትን ከመጭዉ ኣለዎ ኢሎም።

ምኽንያት መጀመሪ ተቃውሞ

ነቲ ዕግርግር/ተቃውሞ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኮንጎ ንኣፈኛ ዓቃብ ሰላም ማትያስ ጊልማን ኣብ ኮንጎ ንዘለዉ ሕቡራት መንግስታት፡ ሃገሮም ሓዲጎም ክወጹ ሕቶ ኣቅሪቦም ኣለዉ።

መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ተልዕኮ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት መንግስታት፡ ጠገለ ዘይብሉን ምስ ኩነታት ዘይሳነ ወተሃደራዊ ስርዓት ምስ ተቃውምቲ ንዝገበሮ በደል እናሓበረ፡ ምስ ተቃዋሚ ምንቅስቃስ M23፡ ምስቲ ኣብ ምስራቃዊ ወገን እታ ሃገር ተኸሲቱ ንዘሎ መበገሲ ዕግርግር ወጥሪ ብሓሶት የቅርቦ።

እዚ ምስ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ተቃውሞ ብ25 ሓምለ ኢዩ ጀሚሩ፡ እዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምስራቃዊ ክፋል እታ ሀገር እናሓየለ ከይዱ።

ተቃወምቲ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሓይልታት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ክነጥፉ ከለዉ ዝርእይዎ ዘይብቁዕ ንጥፈት ወቂሶም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
06 August 2022, 23:01