ብጹዕ ኣቡነ በርቲኒ፥ ብዛዕባ መጻኢ ዝምድና ምስ ሓድሽ መንግስቲ ሶማል ተስፈይና እየ!
ኣብ ሞቓዲሾ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲን እቲ ኣብ ሶማሊያ ዝረአ ዞሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ነታ ኣዚያ ብቕልውላው ዝተሃስየት ሃገረ ሶማሊያ ሰላምን ምርግጋእን ከምጽእ ከም ዝኽእል ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብታ ሃገር ንእተገልግል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናጽነት ዘውሕስ ክኸውን ተስፋ እገብር ይብሉ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጹዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲን ሓዋርያዊ መስተናብር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞቓዲሾ ብዛዕባ እቲ ዕለት 6 ነሓሰ ዝቖመ ህዝባዊ ባይቶ ሶማል ኣመልኪቶም ምስ ኣገልግሎት ዜና ፊደስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እቲ ኣብ ሶማል ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዝድርኽ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።
ፖለቲካዊ ከይዲ ንሓድሽ ብጋሰ
ዕለት 6 ነሓሰ ብህዝባዊ ባይቶ ሓድሽ መራሔ መንግስቲ ሶማል ሃምዛ ኣብዲ ባረ ዘቕረብዎ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ቅቡል እንክብል ዝሃቦ እወታዊ ድምጺ ጽቡቕን ተስፋ ዘለዎ ምልክት ምዃኑን እዚ ድሕሪ ወርሒ ለካቲት ምዝዛም ዕድመ ስልጣን ርእሰ ብሔር ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድ ፎርማጆ ንሓደ ዓመት ዝጸንሔ ፖለቲካዊ ዕግርግር ሓድሽ መስርሕ ፖለቲካ ዝተበገሰ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም እዚ ዝተበጽሔ ስምምዕ ነቲ ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ዝነበረ ምግምማዕ ርኢኻ ብሓቂ እወታዊ ምልክትን ሓድሽ ፖለቲካዊ መስርሕ ምብጋሱ ዘመላኽት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ባረ ንቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ክትክኡ ብሓድሽ ርእሰ ብሔር ሶማል ሓሳን ሽኽ ማሕሙድ ዕለት 15 ግንቦት ዝተመዙ ከም ዝኾኑን እቲ ኣብ መንጎ ነበር መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣብታ ሃገር ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ብዙሕ ግዜ ንኽሰጋገር ከም ዝገበረን እቲ ዘይምርድዳእ እውን ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘእተዉ ምንባሩ ይንገር።
ኣኼባታት ምስ ሰበ ስልጣን ሶማልያ
ድሕሪ እቲ ህዝባዊ ባይቶ ይዅንታ ዝሃበሉ ሓድሽ መንግስቲ ሃገረ ሶማል፡ ቡጽዕ ኣቡነ በርቲን ካልኦት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሶማል ሓድሽ ዝምድና ንምብጋስ ተራኺቦም ከም እተመያየጡን ብጹዕ ኣቡነ በርቲን ምስ ኣገልግሎት ዜና ፊደስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶነ ካሚለሪን ብሓባር ምስ ናይ መንግስቲ ሶማል ሕዝባዊ ባይቶ ኣፈ ጒባኤ ኣዳን ማዶቤ ክራኸቡ ከም ዝኸኣሉን ኣብ መንጐ ሶማልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክህሉ ዝኽእል ሓድሽ ስምምዓት ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩን ቀንዲ ናይቲ ርክብ ዕላማ እውን እቲ ኣብታ ሃገር ደርቂ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝብል እኳ እንተነበረ ብዛዕባ ሓድሽ ዝምድና ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ንምምይያጥ እውን ዕድል ምፍጣሩ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
ዝያዳ ሃይማኖታዊ ናጽነት ክርከብ
ብጹዑነቶም ብዛዕባ እቲ ዘካየድዎ ርክብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ድሕሪ 30 ዓመት ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሶማል ክራኸቡ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ ንሶምን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካሚሊየሪን በቲ ዝተኻየደ ርክብን ውጽኢቱን ዕጉባት ምዃኖምን ንቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ናይ ኣምልኾ ናጽነት ንኽትረክብ መገዲ ዝኸፍት ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ክሳብ ሕጂ ነቲ ዝነበረ ዘይውሕስነት ኣብ ግምት ብምእታው ነታ ኣብ ሞቓዲሾ እትርከብ ካቴድራል ዳግም ንምህናጽ ኮነ ማሕበራዊ ኣምልኾ ክህሉ ዝፈቕድ ኵነት ኣይነበረን፡ ስለዚ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ሓድሽ በሪ ዝኸፍት ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ሶማልያን ቅድስቲ መንበርን እውን ዛጊት ክሌኣዊ መላዊ ርክብ ኣይመስረታን እቲ ኣብ ሶማል ዘሎ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር እውን ክሌኣዊ መላዊ ርክብ ስልጣን ዘለዎ ኣይኮነን ምኽንያት ክሌኣዊ ርክብ ስለ ዘየለ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጥንቃቐ የድሊ
እቲ ክሌኣዊ ዝምድና ህዝቢ ሶማል እቲ 99 ሚኣታዊ ዝሽፍን ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና እውን እንተኾነ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ተበጸሕቲ ክዀኑን ንዅሎም ደቂ ዓዲ እውን ዘርብሕ ከም ዝኾነ ገሊጾም፥
ቅርበት ቤተ ክርስትያን ነቲ ኣብ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ሶማል
“መንግስቲ ሰማል ተነቃፊ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ፈጻሚ ኣካል፡ መንግስቲ ንቤተ ክርስቲያን ክፉት ክኸውን ምግባር ገዛእ ርእሱ ንሓደጋ ከቃልዖ ይኽእል፡ ይዅን እምበር ቤተ ክርስቲያን ንህዝቢ ሶማል ዘለዋ ቅርበት ዝቕጽል እዩ። ከምቲ ኣብቲ ጽንኵር እዋንን ብሰንኪ ደርቂ ዘጋጥም ዝነበረን ዘሎን ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ንህዝቢ ሶማል ዝነበረቶን ዘለዋ ቅርበትን ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብ ሶማልን ምስ ናይ ኣየርላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካን ብምትሕብባር ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘረአ ዘሎ ደርቂ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ቅሉጥፍ ምላሽ ንምሃብ ናይ ረድኤት ወፈራ ከነበግስ ድሌት ኣሎና” እንክብሉ ዘክየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።