ድለ

2019.04.26 Cardinale Brenes nella festa di San Marco in Nicaragua 2019.04.26 Cardinale Brenes nella festa di San Marco in Nicaragua 

ኒካራጓ፥ ምስጋና ካርዲናል ብረነስ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕጂ ጸሎትን ዘተ!

ኣብ ማናጓ ካቴድራል ብጹዕነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ህይወት ሓደ ክርስቲያን ብዓበይቲ ነገራት ዘይኮነስ ብትሕትናን ገርሀይናነትን ሓቋፍነትን እዩ ዝግለጽ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝ ዝተረኽቡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ፥ ምእንቲ ህልው ኵነታት ኒካራጓ ክጽለ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም፡ ምእንቲ ኒካራጓ ንዘርኣይዎ ምትሕብባርን ዘቕረብዎ ጸሎትን ናይ ኒካራጓ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ማናጓ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል  ብረነስ ቃል ምስጋና ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብመንጽር ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዘጋጠመና ኵነታት በማላድነት እኖና ድንግል ማርያም ክንጽልን ንዘተ ክንተባባዕን ንዕደም፥ ጸሎትና ድማ ቀጻሊ ይዅን፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ማናጓ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኒካራጓ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ለዮፖልዶ ኾሰ ብረነስ ሶሎርዛኖ ዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ “ቅዱስ ኣቦና ኵሉ ምእንቲ ኒካራጓ ክጽሊ ስለ  ዘቕረብዎ ጻውዒት ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

ልቢ ኢየሱስ መሓሪ እዩ

ኣብ ማናጓ ካቴድራል ብጹዕነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ህይወት ሓደ ክርስቲያን ብዓበይቲ ነገራት ዘይኮነስ ብትሕትናን ገርሀይናነትን ሓቋፍነትን እዩ ዝግለጽ፡ ምእንቲ’ዚ እጽልይ ኣብ ሰናብቲ ኣብ ቅዳሴ እሳተፍ ምባል ንበይኑ እዅል ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እዚ ህይወት እዚ ከምቲ ማርያም ብህይወትን ቃልን እትምዕደና ንኢየሱስ ምስማዕን ንሱ ዝብለና ምፍጻምን ዝብል እዩ። . . . ልቢ ኢየሱስ መሓሪ እዩ፡ ጸገማትና ኵሉ መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ መታን ንጐይታ ንስዓብ፡ እቲ ጸቢብ ኣፍደገ መስዋእትን ትሕትናን ገርሀይና ዝኾነ ህይወት ክርስቲያን እዩ ዘመላኽት፡ ንዅሉ ናይቲ ጸቢብ ማዕጾ መለክዒ ህይወትና ብኸመይ ኣብ ከም እንነብሮ እዩ ዝሙርኮስ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፥

ዝኽሪ ፒዮስ ዓስራይ

ናይ ማናጓ ሊቀ ጳጳሳት ቀጺሎም፥ ናይ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ኣብነት ትሕትናን ገርሀይናነትን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንምንበር ዘተባብዕ እዩ ቢሎም ዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያ ድማ ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 1913 ዓ.ም. ናይ ኒካራጓ ኤቅለስያዊ ዞባ ክቐውም ናይ ዝገበሩ ቅዱስ ፒዮስ 10 ምዃኑ እውን ከም ዝገለጹ የመላኽት።

23 Aug 2022, 15:57