ድለ

ጻውዒት ካብ ዓውደ ጒባኤ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙን፥ ሰላም ዘደንፍዕ ታሪኽ ንምክፋል! ጻውዒት ካብ ዓውደ ጒባኤ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙን፥ ሰላም ዘደንፍዕ ታሪኽ ንምክፋል! 

ጻውዒት ካብ ዓውደ ጒባኤ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙን፥ ሰላም ዘደንፍዕ ታሪኽ ንምክፋል!

ተጋባእያን ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ጋዜጠይናታትን መላእ ሰራሕተይናታት ሰላማዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ናይ ገዛእ ርእሶም ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ብምሃብ፥ ፍትሒ ማዕርነት ስነ ምህደራዊ ኪደት ዘተባብዑ ዛንታታት ብመሃዛዊ መገዲ ከነቓቕሑ ዝተጸውዑ

እቲ ካብ ዕለት 15 – 19 ነሓሰ ኣብ ሰውል ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ዓውደ ጒባኤ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ መግለጺ፥ እቶም ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ዝተሳተፉ ተጋባእያን፥ “ብመንፈሳውን ሞያውን” መዳይ ገዛእ ርእሶም ከም ዘሀብተሙ እንክሕብር፥ ብፍላይ ተጋባእያን ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ሰላም ኣብ ዝድግፍ መዳይ ክነጥፉን ታሪኽ ሰላም ከዘንትዉን ቃል ይኣትዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ከተማ ሰውል ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ብዛዕባ ዘጋጥም ኵነታትን ፍጻሜታትን ዘዘንትዉ ጥራይ ዘይኮነስ ሰላም ዘደንፍዑ ዛንታታት ኣብ ምድጋፍ ብጥንፍጠት ክዋፈሩ ከም እተማባጽዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስቲ ዝምወል ፕሮፓጋንዳ ክቃወሙን ንሓቂ ከገልግሉን እውን ከም ዘለዎም እቲ ዓውደ ጒባኤ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ መግለጺ ከም ዘዘኻኸረ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዓለም ሰላም ምዕዋት

ተጋባእያን ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ጋዜጠይናታትን መላእ ሰራሕተይናታት ሰላማዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ናይ ገዛእ ርእሶም ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ብምሃብ፥ ፍትሒ ማዕርነት ስነ ምህደራዊ ኪደት ዘተባብዑ ዛንታታት ብመሃዛዊ መገዲ ከነቓቕሑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከም ዘመላኸቱን፥ ኣብ መንጐ ሃብታማትን ድኻታትን ኣብ ተጠቃምነት ስነ ሃዛዊ ምዕባለ ዘሎ ጋግን ከምኡ እውን ልዕሊ ዓቐን መረብታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ህዝቢ ናብ ተነጽሎን ምድንጋርን ተስፋ ምቝራጽን ዝመርሖ ዘሎ ጒዳይ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ እዋናዊ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋ ብምስትውዓል ነዚ ንምብዳህ ውልቃዊ ጽምዶ ወይ ምትእስሳር ናብ ህንጸት ማሕበርሰብ ንምስግጋርን መርበብ ሓቅን ጽባቔን እምነትን ተስፋን ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመላኺቶም፥

ምስ ዝተፈላለየ ባህሊ እምነት ሃይማኖት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብሓባር ብሰላም ክንሰርሕ ዘተባብዕ ንቕሓት ብምፍጣር ሓድሽ ሕብረተሰብ ምህናጽ ዝክኣል እዩ ቢልና ንኣምን

ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ናብቶም ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ዝተናዕቍን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓቀይና ተገዳስነት ክገብርን፥ ተግባር መራኸቢ ብዙሓን ዜጋታትን ሰብኣዊ መሰላት ናይቶም ኣብ ዞባታት ኵናትን ግጭትን ዝርከቡን ኵሎም ንምውሓስ ዝድርኽ ክኸውን ከም ዘለዎ እውን ተጋባእያን ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ጋዜጠይናታት ክውንነታት ክሕብሩ ጥራይ ዘይኮነስ ግዳያት ኲናት ክድግፉን ኣብ ምፍታሕ ግጭት ክዓዩ የተባብዑ። ኣብ መወዳእታ እቶም ተጋባእያን ኣብ ህንጸት ሰላም ዝነጥፉ መንእሰያት ዘለዎም ሞሳ ብምግላጽ፡ “ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ህንጸት ሰላም ምሳና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክተሓባበሩ ንዕድም፥” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 August 2022, 14:58